ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንኤል ሳልቫዶር ነጋድያን፥ ኣሰር ሰማእታትኩም ሰዓቡ! ር.ሊ.ጳ. ንኤል ሳልቫዶር ነጋድያን፥ ኣሰር ሰማእታትኩም ሰዓቡ! 

ር.ሊ.ጳ. ንኤል ሳልቫዶር ነጋድያን፥ ኣሰር ሰማእታትኩም ሰዓቡ!

“ደሞም ምስ ናይ መድሓኒ ብምምሳል ወደ መዝሙር ናይ ጐይታኡ ወይ ኣገልጋሊ ጐይታኡ ጥራይ ዘይኮነስ ሓደ መልክዐ ምስጢራዊ ሕብረት ምንባር ማለት ምዃኑ የረጋግጽ። ስለ እቶም ሰማእታትና ንእግዚኣብሔር ነመስግን. . .

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ስለ ዝኣወጀቶ ብጽዕና ሰማእት ሩቲሊዮ ግራንደ ግራሲያን ኮስመ ስፐሶቶን ማኑኤል ሶሎርዛኖን ነልሶን ሩቲሊዮ ለሙስን ሞሳኦም ብምምስካር ምስ ካብ ኤል ሳልቫዶር ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዕለት 14 ጥቅምቲ ብምርኻብ፥ ኣሰር ሰማእታትኵም ሰዓቡ ዝብል ሓሳብ ዘስመረ ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓርቢ ዕለት 14 ጥቅምቲ ምስ ካብ ኤል ሳልቫዶር ዝመጹ መንፈስውያን ነጋዶ ተራኺቦም ምእመናን ኤል ሳልቫዶር ኣሰር ሰማእታቶም ክስዕቡ ከም ዘለዎም ኣብ ዝመዓደ ቃሎም፥ ሰማዕታት ብጹዓን ኤል ሳልቫዶር እምነቶም ክሳብ ናይ ደም ሰማዕትነት ዝመስከሩ ክርስቶስ ኣብ ምምሳል ምንባር ብቓልን ተግባርን ዝመረጹ ክንየው ሰማዕትነት ዓወት ትንሳኤ ዘበሰሩ እያቶም እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሰማዕታት ህያብ እግዚኣብሔር እያቶም

ቅዱስነቶም ነቶም ጒጅለ መንፈሳውያን ነጋዶ፥ ሰማዕታት ኩላትና ከም እንፈልጦ፥ “ናጻ ህያብ እግዚኣብሔር” ምዃኖም ብምዝኽካር ቃለ ምዕዳኖም ኣበጊሶም፥ ንሱ ድማ “ደሞም ምስ ናይ መድሓኒ ብምምሳል ወደ መዝሙር ናይ ጐይታኡ ወይ ኣገልጋሊ ጐይታኡ ጥራይ ዘይኮነስ ሓደ መልክዐ ምስጢራዊ ሕብረት ምንባር ማለት ምዃኑ የረጋግጽ። ስለ እቶም ሰማእታትና ንእግዚኣብሔር ነመስግን. . . ትርጉም ሰማእትነቶም ኣብ ምስጢር እግዚኣብሐር እውን እንተኾነ ኣብ ማሕበረሰብና ትርጉም ሰማእትነቶም እንታይ ምዃኑ ከንዕምቖ ንኽእል ኢና። እቶም ዕለት 14 መጋቢት 1977 ዓ.ም. ቅዱስ ኦስካር ሮመሮ ናይ ሰማእት ኣባ ሪቲሊዮ ግራንደ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ኣብ ዝሰርዕሉ እዋን ደም ሰማእታት ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ዳግም ዝሃንጽ እዩ” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ዘኪሮም፥ ሰማዕትነት ህያብ እግዚኣብሔር እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኦስካር ሮመሮ

ቅዱስ ኦስካር ሮመሪ ስብከቶም፥ “ነዛ ቤተ ክርስቲያን እዚኣ ንረዳኣያ። በዚ ፍቕሪ እዚ ንደረኽ ነዛ እምነት እዚኣ ንንበር ንዓበይቲ ጸገማትና ድማ መፍታሒ ከም ዘሎ ከረጋግጸልኵም እፈቱ” ብዝብላ ቃላት ስብከቶም ከም ዝዛዘሙ ቅዱስነቶም ዘኪሮም፥ “ነዚ ብደም እዞም መሰኻኽር እግዚኣብሔር ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኤል ሳልቫዶር ዝተገልጸ እምነት ብጸሎት ምንባር እምነት ንምብሳር ሰናይ መገዲ ክኸውን” ከም ዝኽእል ኣመላኺቶም፡ ኣብዚ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ቤተ ክርስቲያን ንኸነስተንትን ኣብ ዝተጸዋዕናሉ እዋን “ኣብዞም ሰማዕታት እዚኣቶም ዝግለጽ ኣብነት ናይዚ “ሓቢርካ ምጉዓዝ” እዩ ከምኡ እውን ንነፍሲ ወከፍኩም ጳጳሳት ካህናት ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝዓዩ ዓለማውያን ምእመናን ነዚ ኣብነት ብሓባር ምጉዓዝ ናቶም ገይሮም ክነብርዎ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ክውንነት ብርግጽ ናይቲ ግዜቲ እይኮነን እንተኾነ ግን እቲ ጸዋዕታ ናብ ተወፋይነት ናብ ተኣማንነት ብቐዳምነት እምነት ኣብ ኣምላኽ ፍቕሪ ኣሕዋት ብተስፋ ክንበር ከም ዘለዎ ዘመላኽት ግዜ ዘይስዕሮ ኵነት እዩ፡ ምኽንያቱ ድማ ወንጌል ስለ ዝኾነ . . . ህያው ወንጌል ካብ መጻሕፍቲ ዘይኮነስ ካብ ህይወት እቶም እምነት ዘመሓለልፉልና ኢና እንመሃሮ . . .

መስቀል ኢየሱስ ናይ ኵሉ ሰብ መስቀል እዩ

ቢሎም ቅዱስነቶም፥ “መስቀል ኵሉ ግዜ ናይ ኢየሱስ መስቀል እዩ፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ግን ናይ ኵሉ ሰብ መስቀል እዩ። ናይ ቤተ ክርስቲያን መስቀል እዩ፥ ኣካለ ክርስቶስ ስለ ዝኾነት” እቲ ዝለዓለ መስዋዕቲ ፍቅሪ እቲ ንሱ ዝመሃረና እዩ። ኵላትና ነዚ መስቀል እዚ ተሰኪምና ነንሓድሕድና ተተባቢዕና ስለቶም ኣብ ጸገም ዘለዉ እናጸለና ከም ቅዱስን እሙንን ህዝቢ እግዚእብሔር ሓቢርና ክንጓዓዝ ሳላ እግዚኣብሔር ዝከኣሎም ስለ ዝኾንና ንኣምላኽ ነመስግን። ድኻምና እናሀለው ንኻልኦት እናመስከርና እምነትና ብተግባር ንንብረ” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

15 Oct 2022, 16:31