መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ብራዚል ናብ ሰበኻ በለም፥ ንበዓለ ማርያም ዘናዝሬት
መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ብራዚል ናብ ሰበኻ በለም፥ ንበዓለ ማርያም ዘናዝሬት
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ጥቅምቲ ኣብ ብራዚል ሰበኻ በለም ንዝበዓል ዓመታዊ በዓለ ቅድስተ ማርያም ዘናዝሬት ምኽንያት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ክታም ብዝተነብሮ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንሰበኻ በለምን ምእመናን ኣባታዊ ቅርበቶም ኣረጋጊጾም፡ ሓዋርያዊ ቡራኬ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶ ብምኽንያት መበል 230 ዓመት በዓለም ማርያም ዘናዝሬት ሰበኻ በለም ብይብጻሕ ናብ ናይ ሰበኻ በለም ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኣልበርቶ ታቨይራ ኮረኣ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ኣብ ትሕቲ ፍቕራዊ ዑቕባ ገዛእ ርእሶም ንኸማዕቍቡ ናብ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘናዝሬት ዝምርኮሱን ኣብ ልቦም ዘሎ ሓሳብን ዕላማታትን ንሓለዋኣ ዘወክፉን ምእመናን ኣብቲ ንቅድስቲ ማርያም ዘናዝሬት ዘለዎም ውሉዳዊ ተወፋይነት ክትጥርነፉ ሓደራ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣
ክብረ በዓለ ማርያም ዘናዝሬት
ኣብ ካልኣይ ሰንበት ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ብራዚል ናይ ሰበኻ በለም ሓላዊት ቅድስትን ንግስቲ ኣማዞን ቅድስተ ማርያም ዘናዛሬት ክብረ በዓል ምኽንያት ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ማርያም ንዅሉ ነገር ብዓብይ ክብሪ እናስተንተነት ኣብ ልባ ትሕዞ ነበረት” እንክብሉ ኣዘኻኺሮም፡ ብተመሳሳሊ ድማ ከም ኣደን መምህርን፥ “ንጐይታ እሙናት ምዃንን መስቀል ናብ ትንሳኤ ከም ዝቕይሮ ርግጸይና ብምዃን፡ ፈተና ከይፈራህና ንዅሉ ነገራት ኣኽቢርና ንኸነስተንትኖን ንኸነስተውዕሎን ክትሕግዘና እትኽእል ኣደ እያ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
“ቅድስቲ ድንግል ማርያም እኖ ፍቕሪ፡ ንህዝቢ ፓራን ብራዚልን ፈድፋደ ጸጋ ካብ ወዳ ክተማልድን ከምኡ እውን ነፍሲ ወከፍና ወንጌል ንኽንበርን በማላድነታ ንጸልይ፥ ምስ በሉ “ሓደራ ስለይ ጸልዩ” ቢሎም ሓዋርያዊ ቡርኬ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።