ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ደ.ረ. ኮንጎ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ኮኒኖም
ድሕሪ እቲ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ዝርከብ ካቶሊካዊ ተልእኾ ቤት ሕክምና ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ሰላማውያን ዜጋታትን ሓንቲ ካቶሊካዊት መነኮስን ከም እተቐትሉ ዝተሓበሩ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓመጽ ኮኒኖም ስለ እቶም ዝተቐትሉን ዝተጎድኡን ጸሎቶም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ረቡዕ ዕለት 26 ጥቅምቲ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፥ ነቲ ንደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ብቐጻሊ ዘድምይ ዘሎ ዓመጽን ራዕድን ነቒፎም፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቤት ሕክምና ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኮኒኖም፥ ኣብታ ብቐጻሊ ብዓመጽ እትህሰ ዘላ ኣፍሪቃዊት ሃገር ሰላም ክረጋገጽ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን፥
ንደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ብቐጻሊ ዘድምይ ዘሎ ተግባር ኵሉ ብዓቢይ ስንባደን ራዕድን ንዕዘቦ ኣሎና!
ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብዓመጽ ዝሰልከየት ሃገር
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ዞባ ሰሜናዊ ኪቩ ኣብ ዝርከብ ቁሸት ማቦጃ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ዝተፈጸመ ተቐባልነት ዘይብሉ መጥቓዕቲ ብርቱዕ ሓዘን ከም ዝፈጠረሎም ገሊጾም፥ በቲ ኣብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ መጥቃዕት ኣብኡ ዘገልግላ ሓኪም እናተ ስይልቨይ ካሊማን ካልኦት ሰላማውያን ሰባት ከም እተቐትሉን፥
ስለ እቶም ግዳያትን ስድራ ቤቶምን ከምኡ እውን ምእንቲ ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ምእንቲ ኵሎም ብዓመጽ ዝስልክይ ዘሎ ተቐማጦ ማሕበረሰብ ናይቲ ዞባን ንጸሊ!
ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ተወንጫፊ ምጥቓም ከቢድ መጥቃዕቲ ምህላዉ የመልክት
ናብ ዕለት 26 ጥቅምቲ ኣብ ዘሰጋግር ለይቲ ኣብ ቁሸት ማቦጃ ዝተፈጸመ ወራር እቲ ኣብ ኮንጎ ዝርከብ እስላማዊ ጉጅለ ዓማጽያን ካብ ዝፈጸሞ መጥቓዕቲ እቲ ዝለዓለ ምዃኑን እቶም ዕጡቓት ሓይሊ ነቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቤት ሕክምና ዒላማ ብምግባር ኣብቲ ቤት ሕክምና ዝእለዩ ህሙማንን ሓንቲ ካቶሊካዊት መኖክስ ሓኪም ቀቲሎምን መድሃኒታትን ናውቲ ሕክምናን ዘሪፎም ነቲ ቤት ሕክምና ብሓዊ ከም ዘቃጸልዎ ኣፍሊጡ፥ ዕለት 4 ጥቅምቲ ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝርከብ ቁሸት ካይናማ እውን ዕስራ ኣባላት ማሕበረ ክርስቲያን ከምእ ተቐትሉን ኣብ ዞባ ሰሜን ኪቩን ኢቱርን ጥምረት ደሞክራሲያን ሓይልታት ብዝብል መጸውዕ ዝፈልጥ ጉጅለ ዕጡቓት ዝፍጸም መጥቓዕቲ ስሩዕ ኮይኑ ይቕጽል ምህላውን ኣብ ወርሒ ለካቲት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ውፉያን ህይወት በዓል ምኽንያት ኣብ ዝዓርገ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝተሳተፉ ካህን ናብ ቤቶም እናተመልሱ እንከለዉ በቶም ዕጡቓት ሓይሊ ከም እተቐትሉ የዘካኽር።
ናይ ሰበኻ ቡተምቦ በኒ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ መልከሰደክ ሱኩሊ ፓሉኩ ነቲ ፍጻሜታት ኣውጊዞም . . . “ነቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕትን ዝፈጥሮ ራዕድን ዘሕድረልካ ስቓይን ክትገልጾ ዝከኣል ኣይኮነን” ቢሎም ኣብ ሰበኻኦም ዝተፈጸመ ዓስራይ ዶክተር እናቴ ማሪ ሲልቪ ካቩከ ቫካትርሱራኪን ካልኦት ንጹሓ ዜጋታት ንሞት ከም ዝዳረገ እውን ገሊጾም ምእንቲ እቶም ዝተቐትሉን ንጸሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቅርበት ር.ሊ.ጳ. ንደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝተኻእሎም መጠን ናብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ክበጽሑን ምስቲ ዝሳቐ ህዝቢ ክራኸቡን ብርቱዕ ድላይ ከም ዘለዎም ዝገልጽዎ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፥ እቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ኮንጐ ከካይድዎ ዝነበሮም ምብጻሕ ምስ ተሰጋገረ ብስሞም ቅርበት ቅዱስነቶም ንህዝብን ሃገርን ደ.ረ.ኮንጎ ንምርግጋጽ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ምብጻሕ ኣካይዶም ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።