ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ‘ህቦብላ ዓመጽ’ ኣብ ዩክረይን ደው ይበል! ር.ሊ.ጳ.፥ ‘ህቦብላ ዓመጽ’ ኣብ ዩክረይን ደው ይበል! 

ር.ሊ.ጳ.፥ ‘ህቦብላ ዓመጽ’ ኣብ ዩክረይን ደው ይበል!

እቲ ዝርአ ዘሎ ህቦብላ ዓመጽ ደው ክብልን ብፍትሒ ብሰላም ሓቢርካ ምንባር ዳግማይ ክህነጽን ንቶም ዕጫ ውግእ ኣብ ኢዶም ዝሓዙ መንፈስ ቅዱስ ልቦም ይቐይሮ!

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ጥቅምቲ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዩክረይን ኲናት ካብ ዝበገስ ኣትሒዙ ብቦምብታት ሩሲያ ዝወረደ ከቢድ መጥቓዕቲ ኣደዳ ስቓይ ንዝኾኑ ኩሎም እጽልይ፡ መራሕቲ ሃገራት ኵናት ኣይፋል ቢሎም ፍትሓዊ ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ሓለፋ ክብሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ሃገረ ቫቲካን

ነቶም ኣብዚ ሰሙን እዚ ኵናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ሩሲያ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዪክረይን ብዝፈጸመቶ ከቢድ መጥቓዕቲ ንዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት እጽልይ ቢሎም፥ መራሕቲ ሃገራት ማሕበረሰብ ዓለም ኵናት ነጺጎም ፍትሓዊ ሰላማዊ ናብራ ሓንጐፋይ ቢሎም ክሓቝፉን ናብ ሰላም ዝመርሕ መገዲ ዘተ እውን ሓለፋ ክብሉ ተማሕጺኖም፥

ኣብዚ ቅንያት እዚ ልበይ ምስ ህዝቢ ዩክረይን ብፍላይ ድማ ምስ ነበርቲ ናይተን ብቦብታትን ናይ ዝነደዳ ዞባታት እዩ ዘሎ!

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሰሙን ኣብ ዩክረይን ውግእ ካብ ዝጅመር ንመጀመርታ ግዜ ዝኸበደ መጥቓዕቲ ቦምብታት ከም ዘጋጠመን፡ መጥቓዕቲ ሚሳይላት ሩሲይ ኣብ ማእከል ርእሰ ከተማ ኪየቭ ኣብ ዝተፍላለየ ከተማታት፥ ኣብ ሊቪ ድኒፕሮ ክሃርኪቭ ከም እትፈጸመን ህይወት ሓያሎ ሰባት ከም ዘሕለፈን ኣብ ህይወትን ንብረትን ብዙሕ ኪሳራታት ከም ዘስዓበ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ዜና ዩክረይን ጠቒሱ የመላኽት።

ኣልባብ ክልወጥ

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ “ናይቶም ዝሳቐዩ ኵሎም ቃንዛ ኣብ ውሽጠይ ተሰኪመዮ ኣለዅ፡ ብኣማላድነት ኣደ ኣምላኽ ቅድስቲ ድንግል ማርያን ድማ ጸሎት ገይረ ናብ እግዚኣብሔር የቕርቦ”፥ እግዚኣብሔር ዓውያት ናይቶም ዝጸውዕዎ ዝሰምዕ እዩ!

እቲ ዝርአ ዘሎ ህቦብላ ዓመጽ ደው ክብልን ብፍትሒ ብሰላም ሓቢርካ ምንባር ዳግማይ ክህነጽን ንቶም ዕጫ ውግእ ኣብ ኢዶም ዝሓዙ መንፈስ ቅዱስ ልቦም ይቐይሮ!

እንክብሉ ዘስምዕዎ ቃል ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

12 Oct 2022, 15:55