ድለ

2022.10.20 Partecipanti al Capitolo Generale dei Missionari di Marianhnhill 2022.10.20 Partecipanti al Capitolo Generale dei Missionari di Marianhnhill 

ንህልው መነባብሮን መጻእን ቤተክርስትያን ምእመናን ሓላፍነቶም ይዛይድ! ር.ሊ.ጳ

ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ማርያንሂል ዝበሃሉ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ቅድሚ ሚእቲ ዝተገደሙ መበል 17 ሓፈሻዊ ጉባኤኦም ኣብ ሮማ ድሕሪ ኣካዪዶም ምስ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ከምዝተራኸቡ ተመልኪቱ። ቅዱስነቶም ኣብ ዝሃብዎም ማዕዳ ‘ኣብ ኩሉ ተግባራቶም መግለጺ ዝርከቦ ቀጻሊ ሓዋርያውን ግብረተልእኯኣውን ለውጢ ክኲስኲሱ እዚ ከኣ ኣብ ኲስኰሳ ጸዋዕታ ክህነትስ ይኹን መንፈሳውነት ምእመናን ከዘውትሩ ሓደራ’ በልዎም።

ዜና ቫቲካን!

ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ካብ ኣውስትርያ ኣህጉር ኤውሮጳ ናብ ደብብ ኣፍሪቃ ዝተላእኩ ልኡኽ ስብከተ ወንጌል ኣባል ባሕታውያውን ትራፒስት ዝኾኑ ኣባ ፍራንክ ፕፈረር ነዛ ቅድሚ ቊሩብ ግዝያት መበል ሚእቲ ዓመት ምሥረታኣ ዘብዓለትን መበል 17 ሓፈሻዊ ጉባኤኣ ኣብ ሮማ ኣብዘን ዕለታት እዚኤን ዝዛመትን ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ማርያንሂል መሥረቱ።

ቅዱስነቶም ንኣባላት እታ ማሕበር ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ `ኣብ ናይ ሎሚ ቤተክርስትያን ብቀንዲ ዘድልዩ ሲኖዶሳውነት ከማኡ እውን ኣገልግሎት ቤተክርስትያን ንውሉደ ክህነትን ምእመናንን ብማዕረ ስለዝብጽሖም ምእመናን እጃሞም ከበርክቱ ጻውዒት ዝቀርበሉ እዋን ምዃኑ ዘክሩ። ንመነባብሮን መጻእን ቤተክርስትያን ምእመናን ሓላፍነቶም ክዛይድ ኣለዎ።’ ምስ በሉ ናብ ትምህርትን መንፈስን መሥራቲ ማሕበሮም ሚእቲ ዓመት ንድሕሪት ምልስ ቢሎም ከምዚ ክብሉ ሓደራ በልዎ።

“ናብቲ ብዂሪ ዕላማን ቀንዲ ሓሳባትን መሥራቲኹም ንድሕሪት ምልስ በሉ እሞ ነቲ ንሱ ዘበገሶ ሓድነት ተኣማንነት ወንጌላውያን ምኽርታትን ብርቱዕ መንፈሳዊ ቅንኢ ስብከተ ወንጌል ንኣህዛብ ከማኡ እውን ንመንግሥቲ ክርስቶስ ኣብ ቅድስናን ፍትሕን ጽድቅን ዘዕበዮን ጉዳያት ጸኒዕኩም ንበሩ። ህልው ናብራን መጻእን ቤተክርስትያን ሓላፍነት ምእመናን ስለዝኾነ ሓላፍነቶም የዕዝዙ በልዎም።”

ህልው ናብራን መጻእን ቤተክርስትያን!

ተጋባእቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ማርያንሂል ከም መሪ ተማ ጉባኤኦም ዝተጠቅምዎ ሓረግ ‘ምድግጋፍ! እንኮ መንፈስን እንኮ ዕላማን ክህልወና ዝተጸዋዕና’ ዝብል ነበረ። ቅዱስነቶም ነዚ መሪሕ ተማ እዚ ምስቲ መላእ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብዚ ወርሓትዚ እተካይዶ ዘላ ሲኖዶሳውነት ብምትሕሓዝ ‘ሓባራዊ ጒዕዞ ቤተክርስትያን ዘመላክት ኮይኑ ምስቲ ሰፊሕ ተሳትፎ ኩሎም ዝተጠመቁ ምእመናን ኣብ ሕይወትን መጻእን ቤተክርስትያን ብምትሕሓዝ ኣብ ርክብ ሓድሕድን ንምእመናን ጽን ቢልካ ብምስማዕ ኣብ ዝግበር መመያ ዓቢ ኣበርቶ ኣለዎ። ጽን ቢልካ ብምስማዕን ብምስትንታንን ነቲ መንፈስ ቅዱስ ንቤተክርስትያን ዘወፍዮ ሕዳሴን ምኽርን ልብኻ ንምኽፋት ሓጋዚ እዩ’ ምስ በሉ ኣድላይነቱ ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

“ናይዚ ሲኖዶሳዊ ጒዕዞ እዚ መሠረታዊ ጒዳይ ኣብ ኩሉ ኣተሓሳስባ ቤተክርስትያን እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ምእመናን ኣብ ሕይወትን መጻእን ቤተክርስትያን ሓላፍነቶም ኣብ ምስታፍ ምትጋሆም እዩ ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ኣብ ልኡካነ ወንጌል ማርያንሂል ምልስ ብምባል ብመሠረቱ ታሪኽ ማሕበሮም ካብ ዝምሥረት ጀሚሩ ስብከተወንጌል ንደቂኣባት ብምስፋሕ ጸዋዕታ ደቂኣባት ምስ ሓባራዊ ሰብኣዊ ምዕብልና ማሕበረሰብ ብምድንፋዕ ንሓባራዊ ሠናይ ጉዳይ ሓላፍነት ንምክፋል ነበረ። እዚ ከኣ ካብ ኲስኰሳ ክህነትን መንፈሳውነት ምእመናንን ክሳብ ዝጭበጥ መደባት ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮ ንምሕንጻጽ ነበረ። እዚ ከኣ ድምጺ መንፈስ ቅዱስ ጽን ቢልካ ብምስማዕ ነዚ ሎሚ ሲኖዶሳውነት ቤተክርስትያን ሓቢርካ ንምጒዓዝን ነንሕድሕድካ ጽን ቢልካ ንምስማዕን ነበረ። ብዓንዱ ርእሱ ግን እቲ ብመጀመርያ ጽን ቢልና እንሰምዖ ናይ መንፈስ ቅዱስ ክኸውን ኣለዎ ብማለት ነዚ ኣብነት እዚ ሃብዎም።

ካብዚ ዘሎናዮ ቦታ ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቅ ኣብ ማእከል ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ነዊሕ ናይ እምኒ ሓውልቲ ኣሎ። ኣበምኔት ፕፋረር ካብ ታሪኽ ከመይ ዝበለ ዓቢይ ሓውልቲ ከምዝሠርሔ ትፈልጡ ኢኹም። እዚ ንመዋዕል ዝጸንሕ ሓውልቲ ንምልዓል ጸጸኒሕካ እቲ ዘልዕል ገመዳት ከይነድድ ማይ ምንጣብ የድሊ። ሎሚ እውን ከም ወትሩ ኣምሳል ናይዚ ዝኾነ ዓበይቲ ነገራት ንምህናጽ ነጥቢ ማይ መንፈስ ቅዱስ የድሊ። እዚ ከኣ ንዝቃጸል ኣእዳውና ከዝሕል ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ከም ከውሒ ተሪር ዝኾኖ ልብታትና ንምልስላስ እዩ። ነዚ ከኣ ብፍቅሪ እዩ ዝገብሮ። ስለዚ ደረቅ ልቢ ወይውን ዕጽው ልቢ ኣይሃልወና። ከመይ ቅርበት ብዘለዎ ፍቅርን ልስሉስ ቃላትን ገቢሩ መንፈስ ቅዱስ ንልባትና የለምልሞ። ነዛ ጥዕምቲ ለውሃት እዚኣ እምነየልኩም እንክብሉ ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበትዎ።

ብድምጺ ንምክትታል!
21 Oct 2022, 12:50