ር.ሊ.ጳ. ንማሕበራት ሕውነት ቅዱስ ቶማስ ዘኣኵይኖ፥ ተልእኾኹም ኣደነት መዳይ ዘለዎ እውን እዩ!
ዕለት 30 መስከረም 2022 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ኣባላት ሕውነት ማሕበራት ቅዱስ ቶማስ ዘኣኵይኖ ተራኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ናይቲ ማሕበር ኣባላት ትምህርቲ ኣብ ምኹስኳስ ዝፍጽምዎ ዕዮ፥ ንዕቤት መንፈሳውነት ምሕረት ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ጳጳሳዊ በዓል መሰል ማሕበራት ዓለማውያን ምእመናን ሕውነት ቅዱስ ቶማስ ዘኣኵይኖ መበል 60 ዓመት ቅዋሜ ምኽንያት ንናይቲ ማሕበር ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣብ ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ዝተደረኸ ትምህርቲ ኣብ ምስፋሕ እጃሞም ከበርክቱ ከም ኣተለባዉ ዝገለጸ ዜና ቫቲካን፥
ሓቛፊ መልእኽቲ
“ሓደ ካብቲ ኣዚዩ ክቡር ዝኾነ ናይ ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ትምህርቲ፥ ዓለማውያን ምእመናን ነቲ ንሳቶም እውን ዝውንንዎ ተልእኾ ወንጌል፥ ከም ደቂ ኣምላኽ ብጥምቀት ዘለዎም መሰላትን ግቡእነታትን ምፍላጥ” ዝብል ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ብዘነቓቐሖ መክሊት ኣቢሉ ናብ ነፍሲ ወከፍ ክውንነት ደቂ ሰባት ከመይ ገይሩ መገዱ ከም ዘርህው ምርኣይ ወትሩ ዘገርም ምዃኑ ቅዱስነቶም ገሊጾም፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኣስዒቦም፥ “ሎሚ ሕውነትኩም ከመይ ጌሩ ነቲ ናይ ካልኣይ ጒባኤ መልእኽቲ ሓቜይፉ ንባህልን መንእሰያትን ስድራን ንምውንጋል ዝተፈላለዩ ውጥናት ዘበገሰ ምዃኑን እዚ ኸኣ እቲ ማሕበር ዘቖሞም ኣባይቲ ትምህርትን መናብርተ ጥበብን ካልኦት ዝተፈላለዩ ትካላት ትምህርቲ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስኒት
እቲ ናይተን ማሕበራት ሕውነት ሓላዊ ቅዱስ ቶማስ ዘኣኵይኖ ዝነበሮ ታሪኻዊ ኵነታት፡ ብድሆታት ከም ዝነበሮን ኣብቲ እዋን እቲ እውን ናይ ግሪክ ፍልስፍናን ብፍላይ ከኣ ናይ ኣሪስትጥል ድርሳናት ፍልፍስና ኣዚዩ ይንበብን ይሰፍሕን ከም ዝነበረን ገሊጾም፡ ኢኣማናዊ ኣተሓሳስባኡ ምስ እምነት ክርስትና ዝጋጮ እዩ ብዝብል ፍርሒ ብዙሓት ክርስቲያን ከጽንዕዎ ፍቓደይናታት ከም ዘይነበሩ ኣዘኻኺሮም፥ እንተኾነ ግን “ቅዱስ ቶማስ ዝበዝሕ ጽሑፋቱ ኣሪስቶጥል ምስ ክርስቲያናዊ ራእይ ዘይገራጭው ምዃኑ ኣነጺሩ እዩ፡ ማለት ቅዱስ ቶማስ ኣብ መንጐ እምነትን ተራትዖን ባህርያዊ ስኒት ከም ዘሎ ከርኢ ክኢሉ እዩ” ኢሎም፡ እዚ ሃብቲ እዚ ጸንፈይናነትን ርእየተ ዓለማውነትን ንምስጋር ሓጊዙ እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ርክብ
ካልእ ቅዱስ ቶማስ ሓዲጉልና ዝሓለፎ ምስክርነት ምስ እግዚኣብሔር ዝነበሮ ዓሚቕ ርክብን እዩ፡ እዚ ድማ ንኣብነት ንኢየሱስ ኣብ ሓቀይና ህላወኡ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ዝነበሮ ስግደትን ኣምልኾን ዘረጋግጾ እዩ። መንፈሳውነቱ ምስጢረ እግዚኣብሔር ንምርካብ ክእለቱ ድማ ነዚ መንፈሳውነት እዚ ብጽሑፍ ቅርጺ ክህቦ ገይርዎ እዩ፡ ህላወ ጐይታ ኣብ ኵነታት ዓለም ንምምልካት እውን ጸሎት ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፡ ሎሚ ምስቲ ኣብ መቕደስ ዘሎ ኢየሱስ ከወሃሃድ ኣለዎ” ምስ በሉ ኣስዒቦም፥
መንፈሳዊ መስህብ ምንባር
እቶም ኣባላት ሕውነት ማሕበራት ቅዱስ ቶማስ ዘኣኵይኖ፥ “ብትምህርትን ብመደብ ሕንጸትን ኣቢሎም ብጭቡጥ ዝነብርዎ ናይ ማሕበሮም መንፈሳዊ መስህብ፥ ምምሃር ሓደ ናይ መፍነሳውነት ምሕረት ተግባር እዩ።” ትምህርቲ “ንነፍሲ ወከፍ ባእታ ህይወት ወዲ ሰብ ትርጒም ትረኻ የቕርብ። ፍልጠት ብምክፋል ወይ ክእለት ብምምዕባል ዘይጽንቀቕ እዩ። ምምሃር ዝብል ቃል ከም ዝሕብሮ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘሎ ብሉጽ ዝኾነ ነገር ንምውጻእ ዝሕግዝ እዩ፡” ምስ በሉ፥ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ማሕበራት ሕውነት ቅዱስ ቶማስ ዘኣኵይኖ ንሓለዋ ቅድስቲ ኣኖ ሕድሪ ኢሎም ነቲ ናይቲ ማሕበር መስራቲ ነፍሰ ሄር ሓው ኣኒባል ሓዋርያዊ ስራሕ ኣደኣዊ ጒድኑ ብምዝካር፥ “ማርያም ወንጌላውያን ክንከውን ትሓግዘና፥ bመለኮታዊ ለውሃት ኣቢልና ባህልን መንእሰያትን ኣባይቲ ስድራን ክንውንግል ትሓግዘና” ቢሎም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።