ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ጽንዓት ስደተይናታት ነቶም ንዅሉ ብማዕረ ዝሓቑፍ ዓለም ክህሉ ንዝደልዩ ዘተባብዕ እዩ! ር.ሊ.ጳ.፥ ጽንዓት ስደተይናታት ነቶም ንዅሉ ብማዕረ ዝሓቑፍ ዓለም ክህሉ ንዝደልዩ ዘተባብዕ እዩ! 

ር.ሊ.ጳ.፥ ጽንዓት ስደተይናታት ነቶም ንዅሉ ብማዕረ ዝሓቑፍ ዓለም ክህሉ ንዝደልዩ ዘተባብዕ እዩ!

ንስደተይናታት ንዋታውን መንፈሳውን ሓገዝ ንኽረክቡ ብዓብይ ናይ ፍቕሪ ስራሕን ጓሳዊ ብልሕን ስሌኦም ይግደስ ነይሩ፡ ሎሚ እውን ስደት እቲ ዓቢይ ብድሆ እዩ። ስለዚህ ኣክንዲ ምንጻግ ሕውነት ኣክንዲ ዘይምግዳስ ምትሕብባር ህጹጽ ኣገዳሲ ምዃኑ የጉልሕ!

ዕለት 9 ጥቅምቲ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ንናይ ስካልብሪኒያን ማሕበር ልኡካነ ወንጌል መስራቲ ጆቫኒ ባቲስታ ስካላብሪኒ ከምኡ እውን ንሳሊዚያናዊ ቀማሚ መድሃኒት ሓው ኣርተሚደ ዛቲ ቅድስና ከም ዝኣወጀት ዝዝከር ኮይኑ፡ ቅዱስ ኣቦና ዓለማውያን ምእመናንን ውፉያንን ዝርከብዎም ናይ ስካላብሪኒ ማሕበረሰብ ኣባላት ዕለት 10 ጥቅምቲ ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጒባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቶም ዓለማውያን ምእመናን ካህናትን ደናግልን ደቂ ማሕበር ስላካላብሪኒያን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ሎሚ ንቅዱስ ስካልብሪኒ ምጥማት ማለት፥ “ኣክንዲ ምንጻግ ሕውነት ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን ቀረባ ምዃን ኣብ ልዕሊ ዘይምግዳስን” ክህሉ ዝጽውዕ ህልው ኣብ ዓለም ዝረአ ዘሎ ስደት ዘቕርቦ ማእለያ ዘይብሉ ብድሆታት ምጥማት ማለት እዩ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣክንዲ ምንጻግ ሕውነት ኣክንዲ ዘይምግዳስ ምትሕግጋዝ!

ቅዱስ ስካላብሪኒ ብህይወት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢጣልያናውያን ብቐንዱ ናብ ደቡብን ሰሜንን ኣመሪካ ይስደዱ ከም ዝነበሩን ነዞም ዝስደዱ ዝነበሩ ቀረባ ብምዃን ነቲ ከም ስደተይናታት ዘጋጥሞም ዝነበረ ጸገም ንምብዳህ ዝነበሮ ዓሚዩቕ ወንጌላዊ ባህርይ ንሱ ድማ ንስደተይናታት ብዓይኒ ክርስቶስ ብምጥማት ዝነበሮ ኣገልግሎት ንእዋናዊ ዓለም ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥

ንስደተይናታት ንዋታውን መንፈሳውን ሓገዝ ንኽረክቡ ብዓብይ ናይ ፍቕሪ ስራሕን ጓሳዊ ብልሕን ስሌኦም ይግደስ ነይሩ፡ ሎሚ እውን ስደት እቲ ዓቢይ ብድሆ እዩ። ስለዚህ ኣክንዲ ምንጻግ ሕውነት ኣክንዲ ዘይምግዳስ ምትሕብባር ህጹጽ ኣገዳሲ ምዃኑ የጉልሕ!

ቢሎም ሓልዮትን ቅርበትን እግዚኣብሔር ብኣጠማምታና ክሰፍሕ ቅዱስነቶም ተማሕጺኖም ጭቡጥ ቅርበትን ምቅርራብን ነስፍሕ ሓደራ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ብሓባር ንምጉዓዝ ስጒምትኻ ምስ ናይቶም ትሑታትንን ድሕሪት ዝተጠንጠኑን ስጒምቲ ምርኻብ

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ካልእ ብኣጽኖዖት ዝገለጽዎ ሓሳብ፥ “ኣብ መንጐ ስደተይናታትን ኣአንገድቲ ሃገራት ማዕረ ርክብ” ዝብል ክኸውን እንከሎ ምኽንያት ኣብ ብዙሕነት ዘሎ ሃብቲ ዝገልጽ እዩ፥

ፍርያም እውን እዩ፥ ጽንዓት ስደተይናታት ነቶም ዝበለጸ ዓለምን ንዅሉ ዝሓቁፍ ንናይ ኵሉ ረብሓ ዝግደስ ዓለም ንምህናጽ ንዝደልዩ ዓቢይ ድርኾት እዩ!

ብዝተፈላለየ ቅልጣፈ ምስጓም ወይ ምጉዓዝ ፋይዳ የብሉን ዝቕድምን ዝጥንጠንን ይፈጥር፡ እቲ ኣብ መንጐ ዝቐደመን ዝደሓረን ዘሎ ፍልልይ ድማ የስፍሕ፥ ስለዚ ምስቶም ድሕሪት ዝተረፉን ዝተረስዑን ሓቢርካ ምጉዓዝ የድሊ፥ እዚ ናይ ጥበብ ሕጊ እዩ፡ ክንጓዓዝን ክንነግድን እንኰሎና ኣሰር ናይቶም ዝነኣሱ ኢና እንስዕብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብዘይንጽል መገዲ ንስደተይናታት ቀረባ ምዃን

ንስደተይናታት ኣብ ምግልጋል ዝለዓለ መሃዝነት ምጥቃምን ካብቲ “ዝተሓንጸጸ ውጥን ወይ ኣገባብ” ወጻኢ ምዃን ከፍርሓና የብሉን። ናይ ስካላብሪኒ መንፈሳዊ መስህብ ሎሚ ብልግስን ሞሳን ኣካላውን ቁጠባውን ጸጋታት ከይቆጠብካ ስደተይናታት ከይተነጸሉ ተወሃሂዶም ክነብሩ ኵለንትናዊ ምሉዕ ዕብየቶም ዝግደስ መገዲ ዳግማይ ክተባባዕ ዝድርኽ እዩ፥

ልክዕ ከም ሓደ ናይ ሙዚቃ ጒጅለ ዘቕርቦ ውሁድ ጥዑም ቅንያይት፡ ብዙሕ ድምጽታት ግን ከኣ ዝተወሃሃደ፥ ልክዕ ከምኡ ርክብ ብዙሕነት ሃብቲ ምዃኑ ክስተማቐር ዝገብሩ ናይ ውስጠ ባህልታት ርክብ መጋበርያ ንዅን፡ ሓደስቲ መገድታት ንኸነርህው ተጸዊዕና ኢና!

እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ሞዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

11 Oct 2022, 16:21