ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ባሕረይን፥ ነጋዲ ሰላምን ዘተ ኣብ መንጐ ምብራቕን ምዕራብን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ባሕረይን፥ ነጋዲ ሰላምን ዘተ ኣብ መንጐ ምብራቕን ምዕራብን 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ባሕረይን፥ ነጋዲ ሰላምን ዘተ ኣብ መንጐ ምብራቕን ምዕራብን

እቲ ካብ ዕለት 3 – 6 ሕዳር ቅዱስነቶም ኣብ ባሕረይን ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ መገሻ ሓጺር እውን እንተዀነ ዝክረ ነገራቱ ኣዚዩ ጽዑቕ ከም ዝኾነን ብዙሕ ክሌኣዊ ርክባት ከካይዳዱን መደረታት ዘቕርቡሉን ከም ዝኾነን፥ ናይቲ ጉዕዞ ጭርሖ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ሰናይ ፍቓድ ንዘለዎም ሰባት (ሉቃ. 2,14) ዝብል ኮይኑ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዕለት 6 ጥቅምቲ ምሸት ናይቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 3 – 6 ሕዳር ኣብ ወሽመጥ ፋርስ ዘካይድዎ ወግዓዊ መገሻ ዝክረ ነገራቱ ከም ዝሓበረን ናይቲ ናይ ዘካይድዎ መገሻ ትእምርቱን መርሕ ቃሉን፥ ካብ ሉቃስ ወንጌል ዝተወስደ፥ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ሰናይ ፍቓድ ንዘለዎም ሰባት ዝብል ኮይኑ ቅዱስነቶም ኣብዚ ናይ ባሕረይን ጉዕዞኦም ኣዋሊን ማናማን ክበጽሑን ምስ ንጉስን ኣብ ምስሪ ምስ ናይ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል-ጣይብ ክራኸቡ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ካብ ዕለት 3 – 6 ሕዳር ቅዱስነቶም ኣብ ባሕረይን ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ መገሻ ሓጺር እውን እንተዀነ ዝክረ ነገራቱ ኣዚዩ ጽዑቕ ከም ዝኾነን ብዙሕ ክሌኣዊ ርክባት ከካይዳዱን መደረታት ዘቕርቡሉን ከም ዝኾነን፥ ናይቲ ጉዕዞ ጭርሖ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ሰናይ ፍቓድ ንዘለዎም ሰባት (ሉቃ. 2,14) ዝብል ኮይኑ ዕላማኡ እውን ኣብቲ ብውግእን ምፍልላይን ዝቖሰለ ዓለም፥ ኣገዳስነትን ሕጹጽነትን ሰላም ንምቅላሕን ናይ ኵሉ ሰብ ሕልና ንሰላም ንምንቕቓቕሕ ዝብል እዩ፡ ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ወሽመጥ ፋርስ ሓዋርያዊ መገሻ ዘካየዱ ናይ መጀመርታ ር.ሊ.ጳ. ክኾኑ እዮም፡ ዕለት 4 ሕዳር ኣብ መንጐ ምብራቕን ምዕራብን ንሰብኣዊ ሓባራዊ ህይወት ዝውፈ “ጽርሓ ዘተ ባሕሬን” ብዝብል መጸውዕ ኣብ ዝፍለጥ መደብ ክሳተፉን መደረ ከስምዑን ምዃኖም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ክሌኣዊ ርክብ ምስ ንጉስ ዘባሕረይን

ቅዱስነቶም ዕለት 3 ሕዳር ንጐሆ በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት 09.30 ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ባሕረይን ክነቕሉ እዮም። በቆጻጽራ ባሕረይን ሰዓት 16.45 ደቓይቕ ኣብ ሳኪር መዓርፎ ነፈርቲ ክኣትዉን ንኽብሮም ድሕሪ ዝቐርበሎም ወግዓዊ ኣቀባብላ ንኽብሪ ናይ ባሕረይን ንጉስ ሓማድ ቢን ዒሳ ኣል ካሊፋ ሰዓት 17.30 ኣብ ቤተ-ንጉስ ዘባሕረይን ምብጻሕ ከካይዱን ኣስዒቦም ናይ ባሕረይን ሰበ ስልጣናትን ናይ በርገሳውያን ማሕበራት ወከልትን ናይ ሃይማኖታት መራሕትን ክራኸቡን መደረ ከስምዑ ምዃኖም የመላኽት።

ጸሎት ምእንቲ ሰላም

ዕለት 4 ሕዳር በቆጻጽራ ባሕረይን ሰዓት 10.00 ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ነቲ ኣብ ንጉሳዊ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ኣጸደ ኣል ፊዳ ዝካየድ “ናይ ባሕረይን ዓውደ ዘተ” መደብ መዕጸዊ ክሳተፉን መደረ ከምስዑን ምስቶም ዓርክን ሓውን ቢሎም ዝገልጽዎም ኣብ ምስሪ ናይ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህሪ ኣህመድ ኣል - ጣይብ ብግሊ ክራኸቡን እዮም፡ ኣስዒቦም ሰዓት 16.30 ምስ ዓቢይ ናይ ምስልምና ሃይማኖት ቤተ ምኽሪ ክራኸቡን መደረ እውን ከስምዑ እዮም። ቅዱስነቶም ናይ ዕለት 4 ሕዳር ውዕሎኦም ኣብ ካቴድራል ቅድስተ ማርያም ዘዓረብ ኣብ ዝካየደ  ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መደብ ናይ ሓባር ጸሎት ምእንቲ ሰላም ብምስታፍ ክዛዝሙ እዮም። ዕለት 5 ሕዳር ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ውዕሎ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ብሔራዊ ናይ ስፖርት ሜዳ ባሕረይን ሰዓት 08.30 መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም ድሕሪ ቀትር ሰዓት 17.00 ኣብ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ልቢ ምስ መንእሰያት ክራኸቡ እዮም።

ኣብ ርእሰ ከተማ ማናማ

ዕለት 6 ሕዳር ኣብ ርእሰ ከተማ ማናማ ምብጻሕ ካካይዱን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ልቢ ምስ ጳጳሳትን ገዳማውያንን ኣባላት ውፉያት ማሕበራትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ኣብ ዓውዲ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘገልግሉን ክራኸቡን ቃለ ምዕዳን ክልግሱ እዮም፡ ናብ ኣዋሊ ተመሊሶም ልክዕ ሰዓት 12.30 ኣብ ሳኪር መዓፎ ነፈርቲ ንኽብሮም ብዝግበረሎም ስነ ስርዓት ወግዓዊ ስንብታ  ናብ ሮማ - ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ መንበሮም ክፋነዉን በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት 17.00 ሮማ ዓለም ሓቆፍ ፊውሚቺኖ መዓርፎ ነፈርቲ ክኣትዉ እዮም።

ናይቲ ጒዕዞ መርሕ ቃልን - ትእምርትን

ናይቲ ቅዱስነቶም ዘካይድዎ ዓለም ሓቆፍ መገሻ መርሕ ቃልን ትእምንርትን፥ ሉቃስ ወንጌል ዘቕርበልና ኣብ ታሪኽ ልደት ዘእግዚእነ ብመላእኽቲ ዝተዘመራ ቃላት፥ ሰላም ከኣ ኣብ ምርዲ ሰናይ ፍቓድ ንዘለዎም ሰባት (ሉቃ. 2,14) ዝብልን እቲ ትእምርቲ ድማ፥ ናይ ንጉሳዊት ሃገረ ባሕረይን ቅድስቲ መንበርን ሰንደቕ ዕላማ ሕብሪ ዘለዎ ብመልክዕ ዝተኸፍታ ክልተ ኣእዳው ዝተቐብአን እዚ እውን ህዝብታት ብዘይ ጽልእ ብመንፈስ ክፉትነት ንሓድሕዶም ንኽራኸቡ ዘለዎም ተወፋይነት ዘመልክት ኮይኑ፡ ፍረ ናይቲ ምስ ኣሕዋት ዝግበር ምርካብ በቲ ኣብ ማእከል እተን ክልተ ኣእዳው ተሳኢሉ ዘሎ ጨንፈር ኣውሊዕ ዘመልክት ህያብ ሰላም እዩ። ቅዱስነቶም እቲ ናይ ባሕረይን ዓለም ለኻዊ መገሻኦም ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘኣረብ ከም ዘወከፍዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመላኽት።

07 Oct 2022, 16:01