ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ሞንተነግሮ መራሔ መንግስቲ ኣባዞቪችን
ዕለት 10 ጥቅምቲ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ሞንተነግሮ መራሔ መንግስቲ ድሪታን ኣባዞቪች ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ስዒቡ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ኣብ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ዛዕባ ዝምድናታት ቅድስቲ መንበርን ሞንተነግሮን ግደ ማሕበረሰብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሞንተነግሮን ከምኡ እውን ህልው ኩነታት ምብራቓዊ ዞባ ባልካንን ሞንተነግሮ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ኣባል ንምዃን እተካይዶ ዘላ ጻዕርን ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ምምይጥ ከም እተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 ጥቅምቲ ናይ ሞንተነግሮ መራሔ መንግስቲ ድሪታን ኣባዞቪች ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ድሕሪ እቲ 25 ደቓይቕ ዝወሰደ ክሌኣዊ ርክብ ናይ ሞንተነገሮ መራሔ መንግስቲ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጒዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡን ኣብዚ ርክብ እዚ እውን ብዛዕባ ህልው ኵነታት ባልካንን ሞንተነግሮ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ኣባል ንምዃን እተካይዶ ዘላ ዕማምን ርክባት ምስ ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ከም እተመያየጡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥
ክሌኣዊ ዘተ
ነቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሞንተነግሮን ዝጸንሐ ሰናይ ክልተኣዊ ዝምድናታትን ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዘለዎም ዓውድታት ዘሎ ምትሕብባር ዝያዳ ንምምዕባልን ካብዚ ሓሊፉ እውን ማሕበረሰብ ካቶሊክ ኣብ ሕብረተሰብ ሞንተነግሮ ዘለዎ እወታዊ ኣበርክቶ ብወገን መንግስቲ ሞንተነግሮ ከም እተነኣደን ኣፍሊጡ፥ ብዛዕባ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጒዳያት ሞንተነግሮ ኣብ ዝምልከት ጒዳይ እውን ንዅሎም ኣብታ ሃገር ዝርከብ ናይ ፖለቲካ ተዋሳእቲ ዝሓቍፍ ዘተ ኣድላዪ ምዃኑን ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሃገራት ዞባ ባልካንን ምብራቓዊ ዞባ ባልካን ሞንተነግሮ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ኣባል ንምዃን እተሳልጦ ዘላ ዕማም ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ዘተ ምክያዱ ኣመላኺቱ።
ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት
ቅዱስ ኣቦና ንናይ ሞንተነግሮ መራሔ መግንስቲ ናይ 2022 ዓ.ም. መልእኽቲ ሰላምን ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱን ሰነዳትን ዕለት 27 መጋቢት ለብዒ ኮቪድ 19 ከቢድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ እዋን ውሸባን ምፍንታትን ንበይኖም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ፥ እግዚኣብሔር ካብቲ ለብዒ ንኸናግፈና ዝፈጸመዎ ስነ ስርዓት ጸሎት ብስእሊ ዘእርኢ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ዝተሓትመ መጽሓፍ ገጸ በረኸት ከም ዘቕረቡሎም መራሔ መግንስቲ ኣባዞቪች እውን ብወገኖም ኣብ ቀረባ እዋን ዝሕተምዋ መጽሓፎን ገጸ በረኸት ከም ዘቕረቡሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።