ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስግኣት ኑክለሳዊ ኵናት ደው ክብል ይጽልዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስግኣት ኑክለሳዊ ኵናት ደው ክብል ይጽልዩ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስግኣት ኑክለሳዊ ኵናት ደው ክብል ይጽልዩ

ካልኣይ ጒባኤ ኣብ ዝተኸፍተሉ ህሞት እውን ዓቢው ስግኣትን ውጥረትን ነይሩ እዩ፥ እንተኾነ ግን መገዲ ሰላም እዩ ዝተመርጸ” እንክብሉ ወትሩ መገዲ ሰላም ክምረጽ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 9 ጥቅምቲ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ሓሳቦም ናብቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዝርአ ዘሎ ስግኣት ኑክለሳዊ ኵናትን ውጥረትን ዓመጽን ግጭትን ገይሮም እዚ ዅሉ ጸገም እውን ይሃሉ ወትሩ መገዲ ሰላም ክንመርጽ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ንብጹዕ ኣቡነ ጆቫኒ ባቲስታ ስካላብሪኒ ከምኡ እውን ንሳሊዝያናዊ ሓው ኣርተሚደ ዛቲ ቅድስና ንኽእውጁ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ፈጺሞም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ብጋሴ ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ዝዝኸረሉ እዋን ምዃኑን ነቲ ኣብቲ እዋን እውን ንመላእ ዓለም ስግኣት ዝነበረ ኑክለሳዊ ኵናት ክንርስዕ የብልናን” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ስለምታይ ኢና ካብ ታሪኽ ኣንክዲ እንመሃር ዘይንምሃሩ ንኸውን? ካልኣይ ጒባኤ ኣብ ዝተኸፍተሉ ህሞት እውን ዓቢው ስግኣትን ውጥረትን ነይሩ እዩ፥ እንተኾነ ግን መገዲ ሰላም እዩ ዝተመርጸ” እንክብሉ ወትሩ መገዲ ሰላም ክምረጽ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

ጸሎት ንታይላንድ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ሓሳቦም ናብ ታይላንድ ኣቕኒዖም፥  ዕለት 7 ጥቅምቲ ኣብ ታይላንድ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ገጠራዊት ከተማ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ መውዓሊ ሕጻናት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ግዳያት ስለ ዝኾኑ ሕጻናት ጸሎቶም ከም ዘዕረጉን ንኣባይቲ ምዉታት ሕጻናት ጸሎቶምን ቅርበቶምን ገሊጾም ከም ዝነበሩ ዝዝከር ኮይኑ፥ ነቲ ዝተፈጸመ ዓመጽ “ዕቡድ ተግባር” እንክብሉ ገሊጾም፥ ኣብ ታይላንድ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣብ እትርከብ ሓውሲ ከተማ ኡታይ ሳዋን ሓደ ወዲ 34 ዓመት ነበር ኣባል ሓይል ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ተኣፋፍያን ዕሸላት ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ መውዓሊ ሕጻናት ብዝፈጸሞ ዘስካሕክሕ ትርጒም ኣልቦ መጥቓዕቲ 22 ሕጻናትን ክልተ መምህራንን ከም እተቐትሉ ድሕሪ እዚ ቕትለ ንጹሓን ሕጻናትን ክልተ መምሃራንን ናይታ ገጠራዊት ከተማ ኣባላት ማእከል ምሕደራ ዝኾኑ ክልተ ሰባት ቀቲሉን ናብ ቤቱ እናተመልሰ እንከሎ ካልኦት ሸውዓተ ሰባት ድሕሪ ምቕታል ኣብ ቤቱ ምስ በጽሔ በዓልቲ ቤቱን ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ሕጻን ወዱን ድሕሪ ምቕታል ርእሰ ቅትለት ከም ዝፈጸመን ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን፥ ቅዱስነቶም “ብዓሚቕ ስምዒት ህይወት እቶም ዝተቐትሉ ንኣቦ ብፍላይ ድማ ነቶም ህጻናትን ስድራ ቤቶምን ሓደራ እብል” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ማሪያ ኮስታንዛ ፓናስ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መወዳእታ ሓሳቦም ናብታ “ኣባል ማሕበር ደናግል ካፑችን ክለር፥ እናቴ ማሪያ ኮስታንዛ ፓናስ” ገይሮም፥ “ኣብ ቀረባ እዋን ቤተ ክርስቲያን ብጹዕና ክትእውጀላ እያ፥ እዛ ኣገልጋሊት እግዚኣብሔር ኣብ እግዚኣብሔር እሙናትን ተቐበልቲ ብጻዮምን ክንከውን ትሓግዘና” ቢሎም፥ ቅድስቲ ድንግል ማርያም “ብኣብነት ቅዱሳን ህያው ናይ ወንጌል መሰኻኽርን ምእንቲ ክንከውም ክትሕግዘና ናብኣ ንመለስ በማላድነታ ንጸልይ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

10 Oct 2022, 16:24