ድለ

2018.10.12 bambina che prega con rosario 2018.10.12 bambina che prega con rosario 

ንሃገረ ኡክራናን ንኩለን ብውግእ ዝሳቀያ ሃገራትን ብጸሎተ መቊጸርያ ናብ ማርያም ነማዕቊብ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት 16 ጥቅምቲ 2022 ዓም ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምስ ኣዕረጉ ንጽባሕ ሰሉስ ስለሰላም መላእ ዓለምና ብሕጻናት ዝዓርግ ጸሎተ መቊጸርያ ክንሳተፍ ዓዲሞም። እዚ መደብ እዚ በታ ኪርኸ ኢን ኖት እትሳቀ ዘላ ቤተክርስትያን ዝበሃል ኣገልግሎት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝተሰናደወ ምዃኑ እንክፍለጥ ቅዱስነቶም ምስዚ ብምትሕሓዝ ብፅዕናኦም ዝተኣወጀ ክልተ ሰማዕታት ካህናት ካልኣይ ውግእ ዓለም እውን ዘኪሮም።

ዜና ቫቲካን!

ኣብ ሃገረ ኡክራይናን መላእ ዓለምናን ዚካየድ ዘሎ ውግኣትን ኣዕናዊ ሳዕቤናቱን ልዕሊ ግን ኣደራዕ ናይዚ በዚ ግርጭታት ዚኽሰት ጸገማት ተሰኪሞም ዚሳቀዩን ሕይወቶም ንከድሕኑ ዝቃለሱ ዘለው ሕዝብታት ከምዘሻቅሎም ዝገለጹ ቅዱስነቶም ሎሚ እውን ደጊሞም ስለኦም ክንጽሊ ይዕድሙ። ምናዳ እቲ ብእትሳቀ ዘላ ቤተክርስትያን ዝበሃል ኣገልግሎት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ተሰናድዩ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ሕጻናት ስለ ሰላም መላእ ዓለም ጸሎተ መቊጸርያ ንከዕርጉ ንጽባሕ ሰሉስ ዕለት 18 ጥቅምቲ ተመዲቡ ኣብ ዘሎ መደብ ክንሳተፍ ከምዚ ክብሉ ተማሕጺኖም።

“ንኩሎም እቶም ኣብዚ መደብ ጸሎት ዝሳተፉ ሕጻናት ብልቢ አመስግን! ንሕና እውን ምሳኦም ንሕበር እሞ ነቲ ዝሳቀ ዘሎ ህዝቢ ሃገረ ኡክራይናን ናይተን ኩለን ብውግእን ዓመጽን ሕሰምን ዝሳቀያ ሃገራትን ብጸሎተ መቊጸርያ ናብ ማርያም ነማዕቊብ!”

እታ ሕሰም ትብል ቃል ብፍላይ ሎሚ ተዘኪሩ ንዝውዕል ዓለምለኸ ዕለተ ምንጻግ ሕሰም ትምልከት ምዃና እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ሓደስቲ ብፁዓን ከም ልቢ ክርስቶስ ዝኾኑ ጓሶት ነፍሳት ነበሩ!

ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ጸሎቶምን ኣስተምህሮኦምን ነቶም ብ1943 ዓም ብሰማዕትነት ዝተቀትሉ ኣባ ጁሰበ በርናርዲን ኣባ ማርዮ ጊባውዶን ዝበህላኡ ቆምስን ምኽትል ቆሞስን ኣማስያኡ ኣብ ቦቨስ ዝበህላ ዞባ ኩነዮ ናይ ሃገረ ጣልያን ብፅዕናኦም ንዝተኣወጀ ዘኪሮም ኣብ ዝሓሰመ ግዜ ምስክርነት ቅርበት ምእመናኖም ዝሃቡ ብምዃኖም ኣብነቶም ክንክተል ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኸሩ።

“እቲ ሓደጋ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ኣብ ዝነበረ ግዜ ነቶም ሓደራ ዝተዋህብዎም ሕዝበ እግዚአብሔር ክሓድጉ ኣይደለዩን እኳ ደኣ ደሞም ክሳብ ምፍሳስ ብምጽናዕ ነቲ ካልኦት ዜጋታት ብናዚ ዝተቀንጸሉ ዝተበየነ ጽዋዕ ተሳቲፎም። ኣብነቶም ንዓና ንካህናት ከም ልቢ ክርስቶስ ጓሶት እንኾነሉ ወትሩ ኣብ ጐድኒ ሕዝና እንቆመሉ ሃረርታ ይፍጠረልና! ብጣቅዒት ሓጐስናን ሞጐስናን ነዞም ሓደስቲ ብፁዓን ንግለጽ ኢሎም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
17 Oct 2022, 13:13