ንሃገረ ኡክራናን ንኩለን ብውግእ ዝሳቀያ ሃገራትን ብጸሎተ መቊጸርያ ናብ ማርያም ነማዕቊብ! ር.ሊ.ጳ
ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት 16 ጥቅምቲ 2022 ዓም ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምስ ኣዕረጉ ንጽባሕ ሰሉስ ስለሰላም መላእ ዓለምና ብሕጻናት ዝዓርግ ጸሎተ መቊጸርያ ክንሳተፍ ዓዲሞም። እዚ መደብ እዚ በታ ኪርኸ ኢን ኖት እትሳቀ ዘላ ቤተክርስትያን ዝበሃል ኣገልግሎት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝተሰናደወ ምዃኑ እንክፍለጥ ቅዱስነቶም ምስዚ ብምትሕሓዝ ብፅዕናኦም ዝተኣወጀ ክልተ ሰማዕታት ካህናት ካልኣይ ውግእ ዓለም እውን ዘኪሮም።
ዜና ቫቲካን!
ኣብ ሃገረ ኡክራይናን መላእ ዓለምናን ዚካየድ ዘሎ ውግኣትን ኣዕናዊ ሳዕቤናቱን ልዕሊ ግን ኣደራዕ ናይዚ በዚ ግርጭታት ዚኽሰት ጸገማት ተሰኪሞም ዚሳቀዩን ሕይወቶም ንከድሕኑ ዝቃለሱ ዘለው ሕዝብታት ከምዘሻቅሎም ዝገለጹ ቅዱስነቶም ሎሚ እውን ደጊሞም ስለኦም ክንጽሊ ይዕድሙ። ምናዳ እቲ ብእትሳቀ ዘላ ቤተክርስትያን ዝበሃል ኣገልግሎት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ተሰናድዩ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ሕጻናት ስለ ሰላም መላእ ዓለም ጸሎተ መቊጸርያ ንከዕርጉ ንጽባሕ ሰሉስ ዕለት 18 ጥቅምቲ ተመዲቡ ኣብ ዘሎ መደብ ክንሳተፍ ከምዚ ክብሉ ተማሕጺኖም።
እታ ሕሰም ትብል ቃል ብፍላይ ሎሚ ተዘኪሩ ንዝውዕል ዓለምለኸ ዕለተ ምንጻግ ሕሰም ትምልከት ምዃና እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።
ሓደስቲ ብፁዓን ከም ልቢ ክርስቶስ ዝኾኑ ጓሶት ነፍሳት ነበሩ!
ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ጸሎቶምን ኣስተምህሮኦምን ነቶም ብ1943 ዓም ብሰማዕትነት ዝተቀትሉ ኣባ ጁሰበ በርናርዲን ኣባ ማርዮ ጊባውዶን ዝበህላኡ ቆምስን ምኽትል ቆሞስን ኣማስያኡ ኣብ ቦቨስ ዝበህላ ዞባ ኩነዮ ናይ ሃገረ ጣልያን ብፅዕናኦም ንዝተኣወጀ ዘኪሮም ኣብ ዝሓሰመ ግዜ ምስክርነት ቅርበት ምእመናኖም ዝሃቡ ብምዃኖም ኣብነቶም ክንክተል ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኸሩ።
17 Oct 2022, 13:13