ድለ

2022.10.17 Partecipanti al Capitolo Generale dell'Ordine Cistercense 2022.10.17 Partecipanti al Capitolo Generale dell'Ordine Cistercense 

ድኽነት ተኣፋፊ ኩነት ደቂሰባት ኮይኑ ብቀዳምነት ምስ እግዚኣብሔር የተኣሳስረና! ር.ሊ.ጳ

መነኮሳን ሲታውያን ብጀነራል ካፒቶል ዝፍለጥ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበሮም ኣብ ዘካይዱሉ ፍጻሜ ምስ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ተራኪቦም፤ ቅዱስነቶም ብዛዕባ ኣድልላይነት ብማሕበር ንኢየሱስ ገሊጾም ነፍስወከፎም ከከም ዓቅሞም ንካልኦት ንምሕጋዝ ልቦም ክኸፍቱ ብምንም ተኣምር ጸላኤ ሠናያት ተስፋኦም ክሰርቅ ከፍቅዱ ከምዘይብሎም ኣዘኻኸሩ።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ሰላምንታን ምስጋናን ሠናይ ምንዮትን ምስ ኣቅረቡ መነኮሳን ሲታውያን ካብቶም ሽልማት ቤተክርስትያን ዝኾኑ ገዳማውያትን ገዳማውያትን ብዳዊቶምን ኣስተንትኖኦምን ንመላእቢቤተክርስትያን ዝድግፉን ስለመላእ ዓለም ለይትን መዓልትን ዝጽልዩን ዝጾሙን ዝጋደሉን ሓደ ማሕበር ገዳማውያን ኮይኖም ኣብቲ ከም ማሕበር ኣሕዋት ንኢየሱስ ብሕብረት ንምስዓብ ዝገብርዎ ጒዕዞ ብቀንዱ ኢየሱስ መራሒኦም ኮይኑ ንሶም ከኣ ሰዓብቱ ኮይኖም እቲ ብማሕበር ምንባር ምሳኡ ተወሃሂድካ ምንባር ኮይኑ በዚ ከኣ ንኣኡ ጽን ቢሎም ክሰምዑን ክእዘዝዎን ትሑዛት ምዃኖም ገለጹ።

መንፈሳዊ ጒዕዞ ምንኩስና ሽሕ’ኳ ብማሕበር ዝንበርን ዝግበርን እንተኾነ ናይ ነፍስወከፍ መነኮስ ኩነት እውን ኣብ ግምት ዚኣቱ ቀንዲ ጒዳይ ምዃኑ ምሉእ ማሕበር ክርድኦ ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ ንምስማር ከኣ ቅዱስነቶም ከምዚ ክብሉ ተማሕጸኑ።

ነፍሲወከፍ መነኮስ ነዚ ጒዕዞ እዚ ዓቅሙ ብዝኾነት ስጒምቲ በታ እንኮን ዘይትድገምን ዝኾነት ታሪኹ ክፍጽማ ኣለዎ፤ እንተኾነ ንውልቁ ዘይኮነ ምስ ማሕበር ከምዘሎ ብምዝካር ብሕብረት ምስ ማሕበር ክገብሮ ዘለዎ ጒ ዕዞ እዩ። እታ ማሕበር እውን ከምቲ 12 ሓዋርያት ዝገበርዎ ማለት ምስ ኢየሱስ ኣብ ዝጐዓዙሉ ኣብ ዝነበሩሉ ኩሎም ብሓባር ደድሕሪ መምህሮም ምሳኡ ጠቢቆም ዝነበርዎ ነፍስወከፍ መነኮስ ከማኡ ክገብር ኣለዎ፤ ንሳቶም ኣይኮኑን ዝመረጽዎ ወይ ምረጸና ዝበልዎ ባ ዕሉ እዩ ሓሪዩ መሪጹ ዝጸዎዖም፤ ብሓባር ክትጐ ዓዝ ቀሊል ኣይነበረን ከመይ ዝተፈላለዩ ነበሩ፤ ነፍስወከፍ ነናቱ ኣነነትን ጒድለትን ነበሮ፤ እንተኾነ ን ኢየሱስ ብሓባር ይስ ዕቡ ምሳኡ ከኣ ብሓባር ይነብሩ ነበሩ። ንሕናውን ከማኣቶም ኢና፤ ብሕብረት ብሓደ ምጒዓዝ ቀሊል ኣይኮነን፤ ስለዚ እዚጉጐይታ ከም ማሕበር ብሓባር ክነብርን ደድሕሪኡ ክንጐዓዝን ምሳኡ ክንነብርን ዝሃበና ጸጋ ከደንቅነና ብሓጐስ ክመልኣናን ኣለዎ፤ ከም ዘሎና ብማሕበር ብፍጽምና ክትነብር ዘይከኣል እዩ፣ ፍሹማን ኣይኮናን ነፍስወከፍ ነናቱ ድኻምነት ኣለዎ እንተኾነ ደድሕሪኡ ክንስ ዕብ ብሓባር ክንጐዓዝ ምስቲ መምህርናን ጐይታናን ዝኾነ ክንነብር ዝተጸዋዕና ኢና። ነዚ ንምግባር ንካል ኦት ልብና ክንከፍት ምስ ቤተክርስትያን ከኣ ብሕብረት ክንጐዓዝ የድሊ ኢሎም።

ንካልኦት ልብኻ ምኽፋትን ኣብ ቤተክርስትያን ብሓድነት ምጒዓዝን!

ቅዱስነቶም ሓደ ካብቲ ቀንዲ ግድል ገዳማዊ ናብራ ብሓድነት ምጒዓዝ ምዃኑ ምስ ገልጹ ነዚ ቀንዲ መጋበሪ ዝበልዎ ከኣ ቀጻሊ ለውጢ ከምዘድሊ ዓዚ ለውጢ እዚ ከኣ ዕለት ዕለት ንካልኦት ልብኻ ብሓዲስ ምኽፋትን ንክትረኽቦም ቀዳማይ ስጉምቲ ምውሳድን ሽሕ’ኳ ዋጋ ዘኽፍል እንተኾነ እንኮ መንገዲ ማሕበራዊ ሕይወት ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ብዘይካ ቀጻሊ ለውጢ ውህደትን ሓድነትን ልየቦን፤ እዚኣ ከኣ ብግዲ ፍረ መስቀል ኢየሱስ ክርስቶስን ሥራሕ መንፈስ ቅዱስን ስለዝኾነ ኣብ ነፍስወከፍ መንኮስን ኣብ ማሕበርን ብግዲ ተድሊ፡ ንፍልልይ ዋጋ ዝህብ ተል እኮ ብግዲ የድሊ ኢሎም።”

ንብዙሕነት ዋጋ ዝህብ ተል እኮ!

እዚ ፍልልይ እዚ ካብቲ ዝደቀቀ ግላዊ ፍልልያት ሓሊፉ ማሕበር ሲታውያን ንዝተፈላለየ ጾታት ንምግልጋል ናይ ደቂ ተባዕትዮ ደቂኣንስትዮን ገዳማት ምኽፋቱን ነንሕድሕዱ ክተሓጋጋዝን ክመላላእን ዘለዎም ምንዮት ብምግላጽ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ባህላዊ ፍልልያትን ብዙሕነትን ከማ ኣብነት ኤስያዊ ኣፍሪቃዊ ላቲን ኣመሪካዊ ሚሜን ኣሜሪካውን ኤውሮጳውን ባህልታት እውን ተማላላእቲ ምዃኖም ክግንዘቡ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኸርዎም።

“ሎሚ ከም ሎሚ ተመኲሮ ርክብ ዝተፈላለዩ ባህልታት ናይ ዘመንና ምልክት እዩ፤ ኣብ ማሕበርኩም ዝረኤ ርክብ ብዙሕነት ባህሊኸስ ዓቢ ኣበርክቶ እዩ፤ ፍልይ ብዝበለ ሃብታም ኮይኑ ምኽንያት ብዝሒ ጸዋዕታ ሕይወት ኣስተንትኖ ኮይኑ ንስኹም ነዚ ሃብቲ ብዙሕነት እዚ ብላዕሊ ላዕሊ ጥራይ ዘይኮነ ብ ዕምቈት ኣብ ጸሎትን መንፈሳዊ ዘተን ብተግባር ከም ዝንበር ትምስክሩ፤ እዚ ከኣ ውህደት ቅኒት ሕይወትኩም ዕምቈት ከምዝህልዎ ገቢሩ ፈርያን ጸጋይን ይገብሮ፤ ብዝበለጸ ናብ እግዚኣብሔር ንምቅራብ ከኣ መንፈስ ድኽነት ሓጋዚ እዩ ኢሎም።”

መጠን ድኻታት ዝኾናሉ መጠኑ ተኣዘዝቲ እግዚኣብሔር ንኸውን!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ቃሎም ካብተን ዝፍጽመወን ሰለስተ መብጸዓታት ዓታ ናይ ድኽነት ብዝበለጸ ናብ ኣምላኽ ከም እተቅርቦም እዚኣ ከኣ ንዋታዊ ድኽነትስ ይኩን መንፈሳዊ ድኽነት ኮይና መጠን ድኻታት ዝኾናሉ መጠኑ ናብጉጐይታ ከም እንቀርብን ተኣዘዝቱ ከም እንኸውንን ገሊጾም፤ ጐይታ ብመንፈስ ድኻታት እዮም ከመይ መንግሥቲ ኣምላኽ ናታቶም እያ ዝብሎ እውን ብከንቱ ከምዘይኮነ ክግንዘቡ ምናዳ ከኣ ኣብቲ ከም ቀውዕን ጸደይን ሕይወት ዝገልጽወን ሽምግልናን ጉብዝናን ኣብ ተስፋ መነኮስ ተፈታተንቲ ስለዝኾነ ጸላኤ ሠናያት ተስፋ ኦም ክሰርቅ ብምንም ተኣምር ከፍቅዱ ከምዘይብሎም ብምዝኽኻር ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበትዎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
18 Oct 2022, 14:55