ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ቆጵሮስ ርእሰ ብሔር ኣናስታሲያደስ
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 ጥቅምቲ 2022 ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ቆጵሮስ ርእሰ ብሔር ኒኮስ ኣናስታሲያደስ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ምስ ቅድስቲ መንበር ዘሎ ድልዱል ርክብ ከምኡ እውን ነቲ ዘሎ ምትሕብባር ንምድንፋዕን እዚ ኸኣ ብፍላይ ስደተይናታት ኣብ ምእንገጋድ ኣብ ዝግበር ሰብኣዊ ጻዕሪ ብፍሉይ ዝምልከት ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ዕለት 24 ጥቅምቲ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንወግዓዊ ምብጻሕ ንዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ቆጵሮስ ርእሰ ብሔር ኒኮስ ኣናስታሲያደስ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበር ቆጵሮስን ዘሎ ሰናይ ክሌኣዊ ዝምድናታት ቅዱስነቶም ብምምስጋን ኣብ ከም ምቕባል ስደተይናታትን ስደተይናታት ምእንጋድን ኣብ ዝብል ሰብኣዊ ኣገልግት ክልቲአን ሃገራት ዘካይድኦ ምትሕብባር ከደልድላ ስንድዋት ምዃነን ከም እተረጋገጸ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ዛዕባ ኣብ መርሓ ግብሪ ዘሎ ናይ ቆጵሮስ ምጥርናፍን ኵነታት ዞባ መዲትራኒያን ሃገራትን ብሰፊሕ ከም እተመያየጡ ኣመላኺቱ፥ ርእሰ ብሔር ኣናስታሲያደስ ካብ ቅዱስነቶም ምስ ተሰናበቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡ ኣፍሊጡ።
ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ቆጵሮስ ርእሰ ብሔር ኣናስታሲያደስ ቅዱስ ኣዶ “ንኣባጊዑን ሽታ መጓስኡን ዚፈልጥ ሕያዋይ ጓሳ ኢየሱስ” ዘርእስቱ ቅብኢ ከም ዝለገሱሎምን ቅዱስነቶም ባዕሎም እውን ነዚ ቅዱስ ምስሊ እዚ ንኽህብዎም ዝደለዩ፥ “ንስኹም ንህዝብኹም ብቐረባ ብልቢ ትፈልጥዎም ብምዃንኵም ነዚ ብምስትውዓል እዩ” እንክብሉ ምስ ገለጹሎም፡ ኣስዒቦም እውን ዝተፈላለዩ ሰነዳት ር.ሊ.ጳ. ከም ዝለገሱሎምን ርእሰ ብሔር ኣናስታሲያደስ እውን ብወገኖም ንቕዱስነቶም ኣብ ጥንታዊ ቆጵሮስ ህዝቢ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ብብሩር ዝተሰርሐ ባህላዊ ጽዋዕ ገጸ በረኸት ከም ዘቕረቡሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።