ድለ

ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ካልኦት ሃይማኖታት መራሕቲ ብሓባር ኣብ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ካልኦት ሃይማኖታት መራሕቲ ብሓባር ኣብ ጸሎት ምእንቲ ሰላም 

ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ካልኦት ሃይማኖታት መራሕቲ ብሓባር ኣብ ጸሎት ምእንቲ ሰላም

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ መዕጸዊ ስነ ስርዓት ክሳተፉ ምዃኖም እውን ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተረኽቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ

 “ኣውያት ሰላም፡ ሃይማኖታትን ባህልን ኣብ ዘተ” ብዝብል ቅዉም ሓሳብ ካብ ዕለት 23 – 25 ጥቅምቲ ዝካየድ ናይ ለምዘበን ናይ ኵለን ሃይማኖታት መራሕቲ ምእንቲ ሰላም ናይ ሓባር ጸሎት መርሓ ግብሪ ዕለት 11 ጥቅምቲ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ጽርሓ ብወግዒ ከም ዝቐረበን ኣብቲ ኣብ ቅርዓት ኮሎሰዩም ኣብ ዝካየድ ጸሎት ኵለን መራሕቲ ሃይማኖታት ምእንቲ ሰላም ኣብ ናይ መዕጸዊ ስነ ስርዓት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ኵሎም ናይ ሃይማኖታት መራሕቲ ክሓብሩን ናብ ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ወከልትን ዝበጽሕ ጻውዒት ብሓባር ከቕርቡን ምዃኖም ናይቲ መደብ ናይ ሓባር ጸሎት ኵለን ሃይማኖታት ኣሰናዳኢ ናይ ማሕበር ቅዱስ ኤጂዲ ኣቦ መንበር ኢምፓሊያዞ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሮማ በቢ ዓመቱ ብካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂድዮ ዝውደብ ናይቲ ብዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ድላይ ዕለት 27 ጥቅምቲ 1986 ዓ.ም. ዝተበገሰ ዓመት መጸ ኣብ ኣዚሲ ዝካየድ ለምዘበን መበል 36 ዓመቱ ዘቑጽር ናይ ዘሎ ናይ ኵለን ሃይማኖታት መራሕቲ ምእንቲ ሰላም መደብ ናይ ሓባር ጸሎት ኣስተንፍሶ መሰረት ኣብ ሮማ ኣብ ቅርዓት ኮሎሰዩም ዝካየድ ምዃኑ ናይ ቅዱስ ኤጂዲ ማሕበረሰብ ኣቦ መንበር ማርኮ ኢምፓሊያዞ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ መዕጸዊ ስነ ስርዓት ክሳተፉ ምዃኖም እውን ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተረኽቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይቲ ዓውደ ርክብ መርሕ ቃል

እቲ ናይ ሰላም ዓውደ ርክብ ዕለት 23 ጥቅምቲ ዝጅመር ኮይኑ ኣብቲ ናይ መኽፈፍቲ ስነ ስርዓት ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላን ናይ ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ኤማኑኤል ማክሮን ናይ ኒጀር ርእሰ ብሔር ሞሃመድ ብዙም ናይ ኢጣልያ ብጹዓን ጳጳሳት ጒባኤ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ማተዮ ዙፒ ዝርከብዎም ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ክሳተፉ ከም ዝኾኑን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. መደረ ከስምዑ ምዃኖም ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም እተሓበረ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

12 Oct 2022, 16:05