ድለ

ር.ሊ.ጳ. ዝሰርዕዎ ኣዋጅ ቅድስና

ስካላብሪኒ ብዓቢ ራእይ ንሓንቲ ዕንቅፋት ዘይብላ ዓለምን ቤተ ክርስትያንን ብሃንቀውታ ይጽበይ ነበረ፥ ሓደ`ኳ ስደተይና ዘይኮነላ ዓለምን ቤተ ክርስትያንን፡ ሳሊዚያናዊ ሓው ኣርተሚድ ዛቲ ብወገኑ ሕያው ኣብነት ምስጋና እዩ ዝነበረ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 9 ጥቅምቲ 2022 ዓ.ም. ንመስራቲ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ስካላብሪኒያኒ ብጹዕ ጆቫኒ ባቲስታ ስካላብሪኒን ንኣባል ማሕበር ሳሊዝያን ቀማሚ መድሃኒት ሓው ኣርተሚደ ዛቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብናይ ቅድስና ጒዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ማርቸሎ ሰመራሮ ተዓጂቦም ኣብ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ቅድስና ከም ዝኣወጁ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዞም ክልተ ቅዱሳት ከም ኣብነት ናይታ ሓንቲ ኵላዊት ንዅሉ እትሓቁፍ ዘይትንጽል ቤተ ክርስቲያን ዝነበሩ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ምዃኖም ዘኪሮም፥ “ኵላትና ኣመንቲ ከመይ ጌርና ብትሕትና ኣብ ህይወትናን ኣብ ቤተ ክርስትያንን ህላወ እግዚኣብሔር ኣብኣን ወትሩ ኣመስገንቲ ክንከውን ይምህሩና” ነዚ ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ክኸውን እንከሎ፥ ኣብ ናይ ዕለት 9 ጥቅምቲ ምንባብ ኣሞርኵይዞም፥ ብዛዕባ እቶም ዓሰርተ ለምጻማት ናብ ኢየሱስ ምሕረት ብኣውያት ድሕሪ ምልማኖም ዝተፈወሱ ካብኣቶም እቲ ሓደ እሞ ሳምራዊ ጥራሕ ስለ ምፍዋሱ ከምቲ ምሕረት ክልምን ዓው እናበለ ዝሓተቶ ካብኡ ብዝለዓለ ዓውታ ንኣምላኽ ከም ዘመስገነ ኣዘካኺሮም፡ ካብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ምእመናን ብሓባር ምጉዓዝን ብሓባር ምምስጋንን ኽመሃሩ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣገዳስነት ብሓባር ምጉዓዝ

ለምጺ ካብ ካልኦት ዝንጽል ሕማም ምዃኑን በዚ ሕማም እዚ ዝተጠቕዑ ኣብ ወሰን ማሕበራዊ ይኹን ሃይማኖታዊ ሕይወት ዝነብሩ፡ በዚ ሕማም እዚ ምስ ዝተጠቐዐ ጥራሕ ሓቢሮም ንኽነብሩ ዘገድድ ሕማም እውን ምዃኑ ገሊጾም፥ ኣብ ከምዚ ዓይነት ምንጻል እዚ ዝህልው ምትሕብባር ንኸነስተንትን ትርጒም ዘለዎ ጒዳይ እውን እዩ፥ ገዛእ ርእስና ከም ሓጥኣን ናይ እግዚኣብሔር ኣቦ ዓቢይ ምሕረት ዘድልዮም ገርና ከነለልይ እንተ ኺኢልና፡ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ዳግማይ ክንሓብር ንኽእል። “ኵላትና ተኣፋፍያን ፈውሲ ዘድልዮም ምዃንና ነስተውዕል፥”

እምነት ኵሉ ግዜ ካብ ገዛእ ርእስና ሓሊፍና ናብ ኣምላኽን ናብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንስጉም ኣብ ውሽጥና ተዓጺና ከይንተርፍ ይላበወና። እምነት ፈውስን ይቕረታን ከም ዘድልየና ብቐጻሊ ክንኣምንን ኣብ ድኻም ናይቶም ኣብ ቀረባ ዘለዉ ሰባት ክንካፈልን ንርእስና ልዑላን ገይርና ክይንጥምት ይዕድመና።

“ብሓባር ምጉዓዝ እምነ ኩርናዕ ቤተ ክርስቲያን ብምዃኑ ኣብ ሓድሕድናን ኣብ ገዛእ ህይወትናን ኣብ ውሽጢ ስድራናን ናይ ስራሕ ቦታን ከምኡ እውን እንነብሮ ወንጌል ኣብ ምግልጋል ብሓቂ ክንሰምዕን ንዅሉ እንሓቑፍ ንማንም ናይ ዘይምንጻል ብቕዓት ዘለዎም ምዃንና ገዛእ ርእስና ንሕተት” ቢሎም፥

ስደተይናታት ምንጻል ወይ ምግላል ገበን እዩ፡ ኣብ ቅድሜና እናረኣናዮም ክሞቱ ዝገብሮም ብምዃኑ። ሎሚ ኣብ ዓለም ዝዓበየ መካነ መቓብር ባሕሪ ኮይኑ ኣሎ። ስደተይናታት ምግላል ዘሕምም እዩ፥ ሓጢኣት እዩ፡ ገበን እዩ!

ንኣምላኽ ምምስጋን ምምሃር

ካብቶም ዝተፈወሱ ዓሰርተ ለምጻማት እቲ ሓደ ጥራሕ ንኣምላኽ ክውድስን ከመስግንን ክምለስ እንከሎ እቶም ካልኦት ግና መገዶም ይቕጽሉ፥ “ናይ ምምስጋን ጉዕዞ ምጅማር” ምስ ኢየሱስ ርክብ ንምምስራት ናብ ኢየሱስ ክምለስ ዝመረጸ ሳምራዊ እውን ምንባሩ ኣዘኻኺሮም፥ እቲ ሳምራዊ ካብቲ ዝተቐበሎ ጸጋ ፈውሲ ኢየሱስ ዝዓበየን ዝበለጸን ምዃኑ የስተውዕል እሞ ናብኡ ይምለስ” ቢሎም መብዛሕቲኡ ግዜ ንዅሉ ነገራት እንኮላይ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ኣፍኵስና ስለ እንርእዮ እቲ ሳምራዊ ዝገበሮን ዘስተውዓሎን ንዓና ዓቢይ ትምህርቲ እዩ።” ናይ ምምስጋን ክእለት፡ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ከም ዘሎን ኣገዳስነት ካልኦትን ኣባይቲ ስድራናን ኣፍልጦ ንኽንህብ የኽእለና፥

ስለዚ በጃኻትኩም ነዘን መፍትሕ ዝኾና ቃላት ኣይንረስዕ!

ክልተ ናይ እምነት ቅዱሳን

ቅዱስነቶም፥ ነፍሲ ወከፍና እዞም ክልተ ቅዱሳን ሰባት፥ “ሓቢርና ምጉዓዝን ምምስጋንን ኣገዳሲ ምዃኑ” የዘኻኽሩና። ክልቲኦም ህይወቶም ንሓንቲ ንዅሉ እትሓቁፍን ዕንቅፋት ዘይኮነት ቤተ ክርስቲያን ኣወፈዩ፥ ቅዱስ ስካላብሪኒ ንስደተይናታት ኣዚዩ ዝግደስ ቅዱስ ዛቲ ድማ ንሕሙማን ኣዚዩ ዝሓልይ፥ ናይ ካልኦት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣቝሳል ናቶም ዝገበሩ” እያቶም እንክብሉ ገሊጾም፥

ስካላብሪኒ ብዓቢ ራእይ ንሓንቲ ዕንቅፋት ዘይብላ ዓለምን ቤተ ክርስትያንን ብሃንቀውታ ይጽበይ ነበረ፥ ሓደ`ኳ ስደተይና ዘይኮነላ ዓለምን ቤተ ክርስትያንን፡ ሳሊዚያናዊ ሓው ኣርተሚድ ዛቲ ብወገኑ ሕያው ኣብነት ምስጋና እዩ ዝነበረ።

ሎሚ ኣብ ኤውሮጳ ስደት ክሳብ ክንደይ ስቓይ ዘስዕብ ምዃኑ ንርእይ ኣሎና ብኵናት ምኽንያት ካብ ዩክረይን ዝስደዱን ዘለዉ ንመልከት፥ “ምምስጋን ከነማዕብልን ብዘይ ፈላላይ መናድቕ ብሓባር ክንጓዕዝን” መታን ኣኽእሎቱ ክህልወና በማላድነት እዞም ክልተ ቅዱሳን ንጸልይ እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

10 Oct 2022, 16:20