ር.ሊ.ጳ. ፦ ውግእ ደው ክብልን ዘተ ክተባባዕን ጻውዒት የቕርቡ
ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮስ እቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ግጭትን ተኸሲቱ ዘሎ ኑክልየሳዊ ስግኣትን ወተሃደራዊ ወጥርን ስለ ዘተሓሳሰቦም ንብምሉኡ መደብ ጸሎት መልእከ እግዚኣብሔር ንዓዑ ብምፋይ፣ ነቲ ውግእ ደው ንምባል ሓያል ጻውዒት ኣቕረቡ። ንልዑላውነት ነፍሲ ወከፍ ሃገርን መሰላት ንኣሽቱ ጕጅለታትን ኣኽብሮት ዘይምህላውን፣ ስቓይ ናይቶም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ግዳያት ብፍላይ ከኣ "ዕሸላትን ቈልዑን" ምርኣይ ዘሕዝን ኢዩ፣ ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላለፉ።
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካይድ ዘሎ ውግእ ንመላእ ዓለም ሓደገኛ ዀይኑ ኣሎ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ቁጽሪ ግዳያት እናወሰኸ ብምኻዱ ከምኡውን ኑክልየሳዊ ሓደጋ ስለዘተሓሳሰቦም፣ ከምቲ ብ1 መስከረም 2013 ኣብ ሶርያ ንዝነበረ ሓንደበታዊ ኵነታት ምስ ተፈጥረ ዝገብርዎ፣ ነቲ ወትሩ ሰንበት ቃል ኣምላኽ ንምስትንታን ዝጥቀሙል ዝነበሩ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ብዛዕባ እዚ ዘሎ ህሉው ኩነታት ውግእ ዘተኰረ መልእኽቶም ንምምሕልላፍ ኣወፈይዎ። ቅዱስ ኣቦና ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ነዚ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽን ሞትን ደው ከብሎ ከምኡውን ንፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ "ንጽኑዕ ናይ ሰላም ውጥናት" ክፉት ክኸውን ቀጥታዊ ጻውዒት ኣቕረቡሎም። ቅዱስነቶም ነቲ ድሕሪ 24 ለካቲት ንእተወሰኑ ዞባታት ዶነትስክ ሉዋንስክ ዛፖሪዥያ ከማኡውን ከርሰን ዝበሃላ ኣርባዕተ ዞታት ዮክረይን ምውራረን ብጣዕሚ ኣጉሁይዎም ኢዩ። ቅዱስነቶም ልዑላውነትን ክብርን ነፍሲ ወክፍ ሃገን ከምኡ ውን መስለኣት ነኣሽቱ ክፍላት ሕብረተሰብን ክኽበር ጻውዒቶም ኣቕሪቦም።
እቲ ኣብ ዩክረይን እተኻየደ ውግእ ኣዝዩ ኸቢድን ኣዕናዊ ከምኡውን ዘስግእ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ብዙሕ ሻቕሎት ኣስዒቡ ይርከብ ኣሎ። በዚ ምኽንያት እዚ ሎሚ ንብምሉኡ እቲ ቅድሚ መልኣከ እግዚኣብሔር እንገብሮ ዝነበርና ግዜ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ክውፍየልኩም እደሊ ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ እዚ ኣብ ደቅሰብ ዝወረደ ዜስካሕክሕን ዘይሕሰብን በሰላ ኣብ ክንዲ ዚሓዊ ደሙ ኻብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ ዘሎ፣ እዚ ኸኣ እናኣስፋሕፍሐ ክኸይድ ይኽእል እዩ ክብሉ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዘለዎም ስግኣት ከም ዝገለጹ ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ገሊጹ።
ናይቶም ግዳያት ስቓይ
"ቅዱስ ኣቦና ወሲኾም፣ “ኣብዚ ቐረባ ኣዋርሕ በቲ ዝፈሰሰ ወሓይዝ ደምን ንብዓትን ይሳቐ ኣለኹ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ግዳያት ብፍላይ ከኣ ቈልዑን ዕሸላትን ከምኡውን ብሰንኪ እቲ ንብዙሓት ሰባትን ስድራ ቤታትን ግዳም ሓደር ከም ዝዀኑ ዝገበረን ሰፊሕ ዞባታት ቍርን ጥሜትን ከም ዘስግእ ዘስዓበን ብዙሕ ዕንወት እጕሂ ኣለኹ። ንኸምዚ ዝበለ ተግባራት ምኽኑይ ክኸውን ዘይካልን ወይ ፈጺሙ ኪኸውን ዘይግባእን እዩ" በሉ።
ዓለም ብኸም እኒ ቡቻ ኢርፐን ማሪዩፖል ኢዝዩም ዛፖሪዥያ ዝኣመስሉ ዞባታት ከምኡውን ካልእ ክግለጽ ዘይከኣል ስቓይን ፍርህን ዘለዎ ቦታታት ገይራ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ዩክረይን ትመሃር ምህላዋ ዘሕዝን ኢዩ ። ደቅሰብ እንደገና ንኣቶማዊ ስግኣት ይቃለሱ ምህላዎምከ ? ትርጕም ኣልቦ ዶ ኣይኮነን?
ኣጽዋራትኩም ስቕ ኣብልዎ
"ገና እንታይ ክኸውን ኢዩ? ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ “ውግእ ፍታሕ ዘይኰነስ ጥፍኣት ጥራይ ምዃኑ ስለ እተረዳእና ካብ ሕጂ ንደሓርከ ኽንደይ ደም ክፈስስ ኣለዎ ?" ክብሉ ሕቶኦም ኣቕረቡ ።
ብስም ኣምላኽን ብስም እቲ ኣብ ኣብ ነፍስወከፍ ልባትና ዘሎ ትርጉም ሰብኣውነትን ነቲ ውግእ ብኡንብኡ ደው ኬብሎ ኸም ብሓድሽ ደጊመ እልምኖ ኣሎኹ ። ነቲ ኣጽዋር ስቕ ኣብልዎ፣ ሓይሊ ናብ ዘየድልዮ ፍታሕ ክመርሕ ዝኽእል ዘተ ንምጅማር ድማ ዕድላት ነናዲ የግዳስ ብፍትሕን ርትዕን ዘሰማምዕ ምቅርራባት ይገብር። ንቕዱስ ዋጋ ህይወት ወድሰብ ንሉዓላውነትን ክብርን ነፍሲ ወከፍ ሃገር ከምኡውን ንመሰላት ህዳጥ ዝኾኑ ሕብረተሰብ ከምኡውን ንሕጋዊ ጕዳያት ኣብ ምኽባር እተመስረተ እንተ ዀይኑ ጽኑዕን ድልዱልን ክኸውን ኢዩ።
ብኑክልየሳዊ ወጥሪ ኬጋጥም ዚኽእል ሓደጋ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ መሰረታዊ ስርዓታት ኣህጉራዊ ሕጊ ዚጻረር ተወሳኺ ስጕምትታት ብምውሳዶም ኣብዚ ቐረባ መዓልትታት እተፈጥሩ ከበድቲ ኵነታት ኣጕህይዎም ይርከብ ኣሎ ። ቅዱስነቶም “ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ብኑክልየሳዊ ወጥሪ ኬጋጥም ዚኽእል ሓደጋ ስለ ዚውስኽ፣ ኣብ መላእ ዓለም ክትቆጻጸሮ ዘይከል ዕንወት ዜስዕብን ከበድቲ ሳዕቤናት ከይህሉ ይፈርህ ኣሎኹ።" ክብሉ ስግኣቶም ገሊጾም።
ይግባይ ናብ ፑቲንን ዜለንስኪን
ድሕርዚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቀጥታዊ ይግባይ ኣቕረቡ፣ “ቅድሚ ኹሉ ናብ ፑቲን ጥራይ ዘይኰነስ ናብ ዜለንስኪን ናብ ኩሎም መራሕቲ እዘን ሃገራትን እውን ይግባይ እብል ኣሎኹ። እቲ ዘቕረብክዎ ምሕጽንታ ብቐዳምነት ንፕረዚደንት ፈደራላዊት ሩስያ ውግእ ደው ከብል እንክኸውን፣ እዚ ድማ ንህዝቡ እውን ስለ ዘፍቅሮም ዓመጽን ሞትን ከቋርጽ ኢየ ዝተማሕጸንክዎ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ብሰንኪ እቲ ኣብ ዩክረይን ዘጋጥም ዘሎ ዘስካሕክሕ ስቓይ ህዝቢ ዩክረይን ስለ ዝጐሃኹ ንፕረዚደንት ዩክረይን እውን ንጽኑዕ ዝኾነ ናይ ሰላም ውጥናት ክፉት ክኸውን ብምትእምማን ጻውዒት ኣቕረብኩሉ። ንዅሎም ቀንዲ ጸሓፍቲ ኣህጉራዊ ስርዓታትን ፖለቲካውያን መራሕቲ ሃገራትን ነቲ ቐጻሊ ውግእ ደው ንምባል ኣብ ሓደገኛ ወጥሪ ከይኣተው ከልዉ ከምኡውን ዝርርብ ንምግባር ዝግበር ተበግሶታት ንምድንፋዕን ንምድጋፍን ዝከኣሎም ኵሉ ኽገብሩ እምሕጸኖም ኣሎኹ ።” ድሕሪ ምባል “በጃኹም እቶም መንእሰያት ወለዶ ነቲ ጽላለ ዝዀነ እተበከለ ኣየር ውግእ ዘይኰነስ ጥዑይ ናይ ሰላም ኣየር ከስተንፍሱ ሕደግዎም!” ክብሉ ምሕጽንታኦም ኣቕረቡ
ዲፕሎማስያዊ ምስርሓት ምጥቃም
"ድሕሪ እቲ ንሸውዓተ ወርሒ ዝቐጸለ ጽልኢ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ዘሕዝን ፍጻመ እዚ ደው ንምባል ንዅሉ ስነ ሜላዊ ክልያዊ ርክብ (ዲፕሎማስያዊ ርክብ) መስርሓት እንተላይ ነቲ ገና ዘይተጠቕምሉ መሳርሒታት ክጥቀሙሉ ኣለዎም ። ውግእ ንባዕሉ ጌጋን ራዕድን እዩ! ኣብ ምሕረት እቲ ልቢ ክቕይር ዝኽእል ኣምላኽን ከምኡውን ኣብቲ እናታዊ ኣማላድነት ናይታ ንግስቲ ሰላም ዝኾነት እመቤትናን እምንቶ ኣሎና፣ ብፍላይ ድማ በቶም ኣብ ቤተ መቕደሳ ኣብ ፖምፐይ መቝጸርያ ዘዕርጉ ዘለዉን ኣብ ብዙሕ ክፍልታት ዓለምን ተኣኪቦም ዝምህለሉ ዘልዉ እሙናንን ብመንፈሳዊ መዳይ ዕርቀ ሰላም ክመጽእ ተስፋ ኣሎና።” ክብሉ ቅዱስነቶም መልእኽቶም ከም ዘመሓላለፉ ኣገልግሎ ዜና ቫቲካን ገሊጹ።