ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ግዳያት ህቦብላን ኣብ ኢንዶነዢያ ዝተፈጸመ ግብረ ቅትለትን ይጽልዩ
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 2 ጥቅምቲ 2022 ዓ.ም. ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ምስ ኣዕረጉ፥ ኣብ ኵባን ፍሎሪዳን ብዘጋጠመ ህቦብላ ሁራካነ ያን ግዳያት ከምኡ እውን ምእንቲ እቶም ኣብ ኢንዶነዢያ ድሕሪ ዝተኻየደ ግጥም ኵዕሱ ስዒቡ ብዝተፈጥረ ግጭት ዝሞቱን ዝተጎድኡን ጸሎቶም ከም ዘዕረጉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣኣ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ነቶም ብዘጋጠመ ብርቱዕ ህቦብላ ዝተጐድኡ ህዝብታት ኵባን ፍሎሪዳን ቅርበቶም ከም ዘረጋገጹን ዕለት 28 መስከረም ኣብ ገማግም ወሽመጥ ፍሎሪዳ ብዘጋጠመ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ብውሕዱ 50 ሰባት ከምዝሞቱን ንሳቶም እውን ካብ ፍሎሪዳን ኵባን ምዃኖም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
እግዚኣብሔር ነቶም ግዳያት ኣብ ቤቱ ክቕበሎምን ነቶም ኣብ ስቓይ ዝርከቡ ምጽንናዕን ተስፋን ይሃቦም ንናይ ረድኤትን ምትሕግጋዝን ጻዕርታት ይባርኽ!
ኢንዶነዢያ
ከምኡ እውን ኣብ ኢንዶነዥያ ኣብ ናይ ስፖርት ሜዳ ግጥም ኵዕሶ ይካየደሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ዝተፈጥረ ዕግርግር ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይትን ጠቒሶም፥
ኣብ ኢንዶነዢያ ማላግን ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ኩዕሶ ብዝተላዕለ ግጭት ህይወቶም ዝሰኣኑን ማህሰይቲ ንዝወረዶምን እጽሊ!
ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ኣብ ምብራቓዊ ጃቫ ኣብ ዝርከብ ማላንግ ናይ ስፖርት ሜዳ ካንጁሩሃን ናይ ስፖርት ደገፍቲ ነቲ ናይ ስፖርት ሜዳ ድሕሪ ምውራሮም ሓይሊ ጸጥታ ነቲ ዝተፈጥረ ሁከት ንምቁጽጻር ዘንብዕ ጋዝ ከም ዝፈነወን ነዚ ስዒቡ ብዝተፈጥረ ዕግርግር ብውሑዱ 125 ሰባት ከም ዝሞቱን ኣስታት 180 ዝኾኑ ድማ ፎኪስን ከቢድን ማህሰይት ከም ዘጓነፎም ካብ ኢንዶነዢያ ዝወጸ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ጆኮ ዊዶዶ ጠንቂ እቲ ዝተፈጸመ ሁከትን ነቲ ሁከት ዝግ ንምባል ዝተወሰደ ስጒምትን ጒዳይ መርመራ ክሳብ ዝካየድ ኵሉ ዓይነት ናይ ስፖርት ግጥም ንግዚኡ ደው ክብል ትእዛዝ ከም ዝሃቡ ኣፍሊጡ።
ስዓቡኒ
ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ “ሰዓቡኒ” ብዝብል ኣርእስቲ ንታሪኽ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተወፈየ ናይ ምስማዐ ርእየት ምርኢት በቆጻጽራ ሮማ ካብ ሰዓት 9 ክሳብ ሰዓት 11 ምሸት ኣብ ገጽ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽቐርብ ዝተበገሰ ፍልዩ መደብ ዘኪሮም፥
ነቶም ዛዕባ ታሪኽ ህይወት ቅዱስ ጴጥሮስን ተልእኾኡን ዝተወፈየ ጉዕዞ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንዘሰናደዉ ኵሎም አመስግን!
እንክብሉ ዘስምዕዎ ቃለ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።