ድለ

2022.10.21 ር.ሊ.ጳ. ንመራሕቲ ትካላት ንግዲ፥ ውህበታት ናይ ሓባር ረብሓ ንምድንፋዕ ተጠቀሙሉ! 2022.10.21 ር.ሊ.ጳ. ንመራሕቲ ትካላት ንግዲ፥ ውህበታት ናይ ሓባር ረብሓ ንምድንፋዕ ተጠቀሙሉ! 

ር.ሊ.ጳ. ንመራሕቲ ትካላት ንግዲ፥ ውህበታት ናይ ሓባር ረብሓ ንምድንፋዕ ተጠቀሙሉ!

ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ቁጠባዊ ህይወት ክሳተፍ መሰል ኣለዎ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከከም ዓቕሙ ኣብ ምዕባለ ናይ ገዛእ ራሱን ሃገሩን መላእ ሰብኣዊ ስድራ ቤትን ኣበርክቶ ናይ ምግባር ግዴታ ኣለዎ . . . እዚ ኣብ ምትሕግጋዝን ፍትሕን ዝጸንዐ ግዴታ እዩ። እዚ እውን ንኹሉ ሰብ ቁጠባዊ ምዕባለ ንምምጻእ ዝድርኽ ብሉጽ መገዲ እዩ!

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ጥቅምቲ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ነቶም ንመበል 27 ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ንኸካይዱ ንዝተኣከቡ ኣካየድቲ ስራሕ ዓለም ሓቆፍ ክርስቲያናዊ ማሕበር መራሕቲ ትካላት ንግዲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣባላት ናይዚ ማሕበር ኵሎም እቲ እግዚኣብሔር ዝሃቦም ህያባት ተጠቂሞም ዝያዳ ሓልዮትን ንዅሉ ዝሓቁፍን ቁጠባ ንምፍጣር ክዓዩ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ንተሳተፍቲ መበል 27 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣካየድቲ ስራሕ ዓለም ሓቆፍ ክርስቲያናዊ ማሕበር መራሕቲ ትካላት ንግዲ ተቐቢሎም፥ መራሕትን ኣካየድቲ ዕዮ ንግዲ ወትሩ “ዓወት ውህበት እግዚኣብሔር” ምዃኑ ክዝክሩ ኣተሓሳሲቦም፡ ከም ነጋዶ ዘለዎም ክእለት ነቶም ኣዚዮም ኣብ ድኽነት ዝርከቡ ንምሕጋዝን ኣብ ለውጢ ጽልዋ ንምፍጣርን ዝቐንዐ ክኸውን ከም ዘለዎም ኣመልኪቶም፥ ለውጢ ትብዓት ይሓትት፥ “ትብዓት ኣብ ህይወትና ዘሎ መለኮታዊ ጸጋ ንምርዳእ ንኽንመምዮን ዝድግፍና እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ዓለም ለኻዊ ማሕበር ክርስቲያን ነጋዶ ተልእኾኡ ፥ “ኣብ ኣኽብሮትን ምኽባር ሰብኣዊ ክብርን ዝተመስረተ ቁጠባ ተጣበቕቲ” ዝብል ክኸውን እንከሎ ኣብ ርእሲ እዚ እውን ትርጉም ናይ ሓባር ረብሓ ምድንፋዕ ዝብል ምዃኑ የመላኽት።

ንሓባራዊ ረብሓ ሓድሽ ቁጠባ

እቶም ተጋባእያን ኣብ ዘካይድዎ ዓውደ ጒባኤ ሓቢሮም ዘሕልፍዎ መዓልታት፡ ኣብ ህይወቶምን ኣብ ቤቶምን ኣብ ንግዳዊ ዕዮታቶምን ኣብ መዓልታዊ ርክባቶምን፡ “ንጸጋን ጥበብን እግዚኣብሔር ክነቕሑ” ብዝተማሕጸነ ጸሎት መደረኦም ዘበገሱ ቅዱስነቶም፥ ናይቲ ናይ መበል 27 ዓለም ለኻዊ ዓውደ ጉባኤ “ንሓባራዊ ረብሓ ዝኣመተ ሓድሽ ቁጠባ” ዝብል መርሕ ቃል ጠቒሶም፥

ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ቁጠባዊ ህይወት ክሳተፍ መሰል ኣለዎ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከከም ዓቕሙ ኣብ ምዕባለ ናይ ገዛእ ራሱን ሃገሩን መላእ ሰብኣዊ ስድራ ቤትን ኣበርክቶ ናይ ምግባር ግዴታ ኣለዎ . . . እዚ ኣብ ምትሕግጋዝን ፍትሕን ዝጸንዐ ግዴታ እዩ። እዚ እውን ንኹሉ ሰብ ቁጠባዊ ምዕባለ ንምምጻእ ዝድርኽ ብሉጽ መገዲ እዩ!

ስለዚ ንዅሉ ዝሓቁፍ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምዕባለን ክብርን ዘዕቢ “ሓድሽ ቁጠባ” ዝብል ሓሳብ የድሊ፡ ነፍሲ ወከፍ ሞያ መራሕቲ ንግድን ሰብ ሃብትን ልምዓት ናብ ኵሉ ሰብ ብፍላይ ድማ “ኣዚዮም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡን ዝተሓረጉን” ንኽበጽሕ ከም መጋበርያ ክጥቀሙሉ ምዒዶም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ስራሕ ከም መጋበርያ ክብሪ

ኣብቲ ለበዳ ኮቪድ - 19 ኣዚዩ ከቢድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ተወሸብን ምፍንታትን ዕጽዋ ኣብ ቤትን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እቶም ኣብ ኣገልግሎት መውሃቢ ዝዓዩ ኣገልግሎት ኣብ ምቕራብ ዝፈጸምዎ ተወፋይነት ቅዱስነቶም ብምዝካር፡ ነቶም ኣብ ወሰን ህልውናን ወሰናስን ከተማታትን ሕብረተሰብን ዘለዉ፡ እቶም እዚዩ ትሑት ኣብ ዝበሃል ዕዮ ዝተዋፈሩ ስደተይናትትን ዝሓቁፍ መደብ ሓገዝ ውሑስ ምግባርን በዚ ኣገባብ እዚ ስራሕ ከም መጋበርያ ክብሪ ክርአን ክንበርን ኣለዎ፡ ስራሕ ብገዛእ ርእሱ ኣብ መንጐ ኣስራሕን ሰራሕተይናን ዝግበር ንግዳዊ ምልውዋጥ ጥራይ ዘይኮነስ፥ “ብኣርኣያን ኣምሳልን እግዚኣብሐር ሰራሕተይና” ናይ ምፍጣርና መግለጺ እዩ። እዚ ኣብ መንጐ ምስልናን ንኣምላኽ ምምሳልን ስራሕን ዘሎ ምትእስሳር እውን ኣብ ቁጠባ ሓልዮት ውሁድ ክኸውን ይጠልብ። ሰራሕተይናን ስራሕን ንምክንኻን ይድርኽ፥

ሓልዮትን ምሉእ ሰብኣዊ ክብሪ ንምኽባር ኣበርክቶ ዝገብር ስራሕ ንመጻኢ ወለዶታት ዘላቒ መጻኢ ንምርግጋጽ ክሕግዝ እዩ። እዚ ማዕቅን ክንክን እዚ ድማ ቅድሚ ኵሉን ልዕሊ ኵሉን ንስራሕተይናታት ዘጠቓልል እዩ!

ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ናብ መጻኢ ምጥማት

ኣብዚ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣሲዚ ካብ ዕለት 22 – 24 መስከረም ዝተኻየደ “ናይ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ቁጠባ” ዓውደ ኣኼባ ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ ናይ ስነ ቁጠባ ሊቃውንቲ መንእሰያትን መንእሰያት ሰብ ትካላትን ምሁራትን ተኣኪቦም ዛዕባ “ሓድሽ ቁጠባ” ከም ዘስተንተኑ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብምዝካር፥ መንእሰያት ብዙሕ ግዜ ከም ዝግለሉ ኣመልኪቶም፡ ናይ መሃዝነት ኒሖም ነቲ “ወንጌላዊ - ሓድሽ ቁጠባ” ንምምዕባል ዝሕግዝ ክኸውን ኣለዎ” ቢሎም  “እቶም መንእሰያት ኣብ ፍጻሜ ዓውደ ኣኼባኦም ኣብ ዝኸተምዎ ውዕል ገለ ገለ ዓበይቲ ነጥብታት፥ “ንሰላም እምበር ንውግእ ዘየገልግል ቁጠባ፡ ንሰኣዊ ፍጥረት ዘገልግል፡ ንማንም ዘይጥንጥን ቁጠባ” ዝብል ጠቒሶም፥ ምናልባት ኣብዚ እዋን እዚ ብቢሊዮናት ዝቑጸሩ መንእሰያት ናይ መጀመርያ ደሞዞም ክረኽቡ ዘብቅዖም ናይ ስራሕ ዕድል ክረኽቡ ዝቃለሱ ከም ዘለዉ ገሊጾም፥ ስለዚ መራሕቲ ንግድን ሰብ ሃብትን ነዚ ሓባራዊ ረብሓ እዚ ዝዓለመ “ሓድሽ ቁጠባ” ቅርጺ ንምትሓዝ “ምስ መንእሰያት ሓድሽ ምሕዝነት ከጽንዑ” እተሓሳሲቦም ዝለገስዎ ቃል ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

22 Oct 2022, 16:03