ድለ

2022.10.23 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሊዝበን ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት 2022.10.23 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሊዝበን ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሊዝበን ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት

ድሕሪ ነዊሕ እዋን ብፍላይ ከኣ ብሰንኪ ለብዒ ኮቪድ - 19 ነቲ “ኣብ መንጎ ህዝብታትን ኣብ መንጎ ወለዶታትን ዘሎ ሓሴት ዳግም ክንረኽቦ ኢና”

ዕለት 23 ጥቅምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ብኽልተ ካብ ፖርቱጋል ብዝመጹ ኣብ ሮማ ተመሃሮ መንበረ ጥበብ ተሰንዮም ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሊዝበ ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ንኽሳተፉ ኣብቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝርከብ ናይ መመዝገቢ ሰነድ ከም እተመዝገቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2023 ዓ.ም. ኣብ ፖርቱጋል ርእሰ ከተማ ሊዝበን ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ንኽሳተፉ ዕለት 23 ጥቅምቲ 2022 ዓ.ም. ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ብኽልተ ኣብ ሮማ ተመሃሮ መንበረ ጥበብ ደቂ ፖርቱጋል መንእሰያት ተሰንዮም ብወግዒ ክሳተፉ ምዃኖም ኣብቲ ናይ 2023 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ሊዝበን ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ናይ መመዝገቢ ሰነድ ስሞም ብምንባር ቀዳማይ ብምዃን መንእሰያት ንኽምዝገቡ ከም ዘተባብዑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ድሕሪ ነዊሕ እዋን ብፍላይ ከኣ ብሰንኪ ለብዒ ኮቪድ - 19 ነቲ “ኣብ መንጎ ህዝብታትን ኣብ  መንጎ ወለዶታትን ዘሎ ሓሴት ዳግም ክንረኽቦ ኢና” እንክብሉ ቅዱስነቶም መደብ ምዝገባ ተሳተፍቲ ብወግዒ ከም ዘበገሱን፥ “መንእስያት ኣሰር ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብምስዓብ ከምቲ ንሳ ንኸተገልግል እነኹልካ ዝበለት ህይወቶም ንኢየሱስ ንኸወፍዩ እነዅልካ ክብሉ እምሕጸን” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

24 Oct 2022, 16:40