ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ እቶም ኣብ ናይጀሪያ ግዳያት ኣዕናዊ ምዕልቕላቕ ማይ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 ጥቅምቲ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ብዘጋጠመ ብርቱዕን ኣዕናውን ምዕልቕላቕ ማይ ልዕሊ 600 ዜጋታታ ዝሰኣነት ሃገረ ናይጀሪያን ስለ እቶም ህይወቶም ዝሰኣኑን ኣልቦ ንብረት ዝተረፉን ማይሰይቲ ዝወረዶምን ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ኣብ ናይጀሪያ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ብርቱዕ ዝናም ብዝፈጠሮ ኣዕናዊ ምዕልቕላቕ ማይ፥ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬትን ትሕተ ቅርጽን ኣባይትን ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኽፋል ዝዓነወላ ሃገርን ህዝብን እናሕሰቡ፥ እቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ ንእግዚኣብሔር ኣወኪፎም ነቲ ዝተጐድአ ህዝቢ ጸሎቶም ኣረጋጊጾም፥ ኵሉ ምእንቲ እቶም በቲ ኣዕናዊ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ህይወቶም ዝሰኣኑን ኣብ ስቓይን መከራን ዝርከቡ ክጽሊ ዓዲሞም፥ “እዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን እዚኣቶም ናይ ምቅርራብን ምትሕግጋዝን ተመክሮ ክገብሩን ደገፍ ማሕበረሰብ ዓለምን ከስተማቕሩ ተስፈይና ምዃኖም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ናይጀሪያ ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይ
ብመሰረት ቤት ጽሕፈት ጒዳያት ምሕደራ ህጹጽ ኩነታት ናይጀሪያ፥ እቲ ዝተኸስተ ምዕልቕላቕ ማይ ካብተን 36 ግዝኣት ናይጀሪያ ኣብተን 31 ዕንወት የውርድ ከም ዘሎን ንልዕሊ 2 ሚሊዮን ሰባት እውን ከም ዝጸለወን ልዕሊ 600 ሰባት ከም ከም ዝቐተለን ካልኦት ልዕሊ 1. 4 ሚሊዮ ድማ ካብ መረበቶም ከም እተመዛበሉን ክፍለጥ እንከሎ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ገለ ግዝኣታት ገና ንዝተወሰነ እዋን ዝቕጽል ምዃኑን ሰበ ስልጣን እታ ሃገር በቲ ዝወረደ ሓደጋ ዝተሓስዩ ከባቢታት መግብን ካልእ ህጹጽ ረድኤትን ክዕድል እውን እንተጀመረ እቲ ምዕልቕላቕ ማይ ሓገዝ ንምክፍፋል ንዝግበር ጻዕሪ ኣጸጋሚ ይገብሮ ምህላዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኣብ ኣፍሪቃ እታ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ሃገረ ናይጀሪያ ኣብ ሕርሻ ዝያዳ ጽግዕተይና ክትከውን እንከላ፡ እቲ ኣዕናዊ ውሕጂ ሰፊሕ ተሓራሲ መሬት ሕርሻ ትሕተ ቅርጽታት ከም ዘዕነወን ጽርጊያን መራኸቢ መገድታት ኩሉ ስለ ዘዕነወን እዚ ዅሉ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቀረብ መግቢ ከተዓናቕፍ ይኽእል ንዝብል ስግኣት የግድዶ ምህላዉ ናይ ናይጀሪያ ምንጪ ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።