ስለሰላም ሃገረ ኡክራይና ንምጽላይ ኣይንሰልቹ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ገሊኦም ጋዜጠኛታት ነታ ቅዱስነቶም ሰንበት ሰንበት ተቀልቂሎም ሰላምታ ዘቅርቡላን ዘስተምህሩላን ጸሎት ዝመርሑላን መስኮት ሓዋርያዊ ኣዳራሽ መንበረ ጴጥሮስ መስኮት ሰላም ቢሎም ሰምዮማ። ምኽንያቱ ከኣ መላእ ዓለም ደኺሙን ረብሪቡን እንክዝሕትል ቅዱስነቶም ግን በታ መስኮት ተቀልቂሎም ስለሰላም ንጸሊ ብማለት ከይተሓለሉ ክጽልዩን ከጸልዩን ምናዳ ውግእ ኡክራይና ካብ ዝውላዕ ከይዘከርዋ ኣይሓለፉን። ምሳኡ ከኣ እቲ በብክፋል ሳልሳይ ውግእ ዓለም ዝበልዎ ዘሎና ኩነታት እንተስ ብውግእ ሓድሕድ እንተስ ብፈጠርቲ ራዕዲ ዕለት ዕለት ውግእን ወረ ውግእን ሞትን ጥፍኣትን እንክውረ ንሶም ግን ስለ ኩሉ ንጸሊ እንክብሉ ብመንፈስ ቅርበቶም ብምግላጽ ቃል ምጽንናዕ ብምሃብን ይቅጽሉ። ኣብ ናይ ትማሊ ሰንበት ፍጻሜ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር እውን ኣብ መቃዲሾ ካብ ዝወረድ መቅዘፍቲ ፍንጀራ ፈጠርቲ ራዕዲ ጀሚርካ ብምኽንያት በዓል ሃሎዊን ኣብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ኮርያ ሰውል ብጽቅጥቅጥ ዝሞቱ ብምዝካር ስለኩሎም ክንጽሊ ምስ ኣዘኻኸሩ። ነታ ከይትለምድዋ ሓደራ ብማለት ዝምሕጸንዋ ውግእ ዳርጋ ዝለምድናያ ንመስል ስለዘሎና ኣይትረስዑ እንክብል ኣዘኻኺሮም።
ሓዋርያ ግብረ ሠናይ!
ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ወትሩ ከምዝገብርዎ ኣብ ፍጻሜ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ነቶም ኣብ ቅርዓት ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ብዝተፈላለይ ቋንቋታት ሰላምታ ኣብ ዘቅረቡሉ ኣብ ከተማ መድዪን ሃገረ ኮሎምብያ ብፅዕናኣ ንዝተኣወጀ መስራቲት ናኣሽቱ ደናግል ብሥራተ ገብርኤል እናተ ማርያ በርኒስ ድዩክ ሄንከር ብምዝካር እዛ ኣብ 95 ዕድሜኣ ብ1993 ዓም ንሰማይ ዝበረረት ንነዊሕ እዋን መብራህቲ እምነትን ሓዋርያ ግብረሠናይን ብምዃን ከምዘገልገለት ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ከም ልማዶም ከኣ ነዛ ኣብነት ሕይወት ክርስትና ዝኾነ ብጣቅዒት ነሞጉሳ ቢሎም ሠናይ ምሳሕ ብምምናይ ኣሰናበትዎም።