ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ሆንዱራስ ርእሰ ብሔር
ዕለት 20 ጥቅምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዋ ናይ ሆንዱራስ ርእሰ ብሔር ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ርእሰ ብሔር ሆንዱራስ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢተን ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣካላት ከም እተራኸባ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ዕለት 20 ጥቅምቲ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዋ ናይ ረፓብሊካዊት ሆንዱራስ ርእሰ ብሔር ኢሪስ ዥዮማራ ካስትሮ ሳርሜንቶ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጒዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ከም እተራኸባ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥
ዝምድናታት ናይ ምድልዳል ድሌት
“እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ረፓብሊካዊት ሆንዱራስ ዘሎ ሰናይ ክሌኣዊ ዝምድናታት ዘዕግብን ዝያዳ ንምድንፋዕ ክሌኣዊ ድሌት” ምዃኑ ብክልቲአን ሃገራት ከም እተገልጸን ፥ እቲ ክሌኣዊ ርክብ ብማዕቅፍ ክሌኣዊ ስምምዓት ብምርግጋጽ ውሑስ ብምዃኑ ቅዱስቲ መንበርን ሆንዱራስን ሕጉሳት ከም ዝኾናን፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሆንዱራስ እትህቦ ክቡር ኣበርክቶ ብፍላይ ኣብ ዓውድታት ትምህርትን ህንጸትን ጥዕናን ከምኡ እውን ኣብ ጽላታት ግብረ ሰናይ ቆላሕታ ንስደተይናታትን ኣብ ቃልሲ ጸረ ድኽነትን ዝምስገን ምዃኑ ርእሰ ብሔር ሆንዱራስ ኣፍልጦ ብምሃብ ከም ዘመስገና ሓቢሩ፣
ቃልሲ ጸረ ድኽነት
ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ዛዕባ ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ኣብ ልዕሊ ናይ ሓባር ቤትና ዝፍጸም ምዝመዛን ሳዕቤናቱን ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት እውን ዘተ ምክያንዱን ምስ እዚ ብምትሕሓዝ እውን ቃልሲ ጸረ ድኽነትን ሓባራዊ ረብሓን ዕርቅን ንምድንፋዕ ዝግበር ተወፋይነት ብዘይ ሰጋእ መጋእ ምቕጻል ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ከም ተሰምረሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥
ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት
ቅዱስ ኣቦና ንናይ ረፓብሊካዊት ሆንዱራስ ርእሰ ብሔር ዕለት 27 መጋቢት ለብዒ ኮቪድ 19 ከቢድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ እዋን ውሸባን ምፍንታትን ንበይኖም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ፥ እግዚኣብሔር ካብቲ ለብዒ ንኸናግፈና ዝፈጸመዎ ስነ ስርዓት ጸሎት ብስእሊ ዘእርኢ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ዝተሓትመ መጽሓፍ ካልኦት ጳጳሳዊ ሰነዳት ገጸ በረኸት ከም ዘቕረቡሎም ርእሰ ብሔር ካስትሮ ሳርሜንቶ ብወገነን ንኡስ ሓወልቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ብዛዕባ ታሪኽ ህይወተን ዘዘንትው መጽሓፍን ብናይታ ሃገር ዕንጸይቲ ዝተሰርሐ መቝጸርያ ንቕዱስነቶም ከም ዝለገሳሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።