ድለ

2022.09.26 Partecipanti all'Incontro della Comunita' cattolica Shalom 2022.09.26 Partecipanti all'Incontro della Comunita' cattolica Shalom 

መንፈስ ምህዞ ኣደንፍዑ መሃዝቲ ኩኑ! ር.ሊ.ጳ ንመንእሰያት ማሕበር ሻሎም

ንመንእሰያት ወንጌል ዝሰብኩ መንእሰያት ይኹኑ! ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ቅድሚ 40 ዓመት ኣብ ብራዚል ዝጀመረ ሻሎም ዝብል ምንቅስቃስ ኣብ ማሕበረሰብ ቫቲካን እውን ብምቋሙ ልዕሊ 1000 ዝኾኑ ኣባላቱ ምስ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ከምዝተራኸቡን ‘ውህበት ተልእኮ ስብከተወንጌሎም ወትሩ ከደንፍዑ ሓደስቲ መንገድታት ምምሃዞም ክቅጽሉ ሓደራ’ ከምዝበልዎም ተመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ብሻሎም ማሕበር ዝፍለጥ ምንቅስቃስ መንእሰያት ንመንእሰይ ብቋንቋኡ ወንጌል ዝሰብከሉ መንእሰይ ስለዝኾነ ንመን እሰያት ናብ ስብከተወንጌል መን እሰያት ንምል ኣኽ ንምስንዳው ብ1982 ዓም ኣብ ፎታለዛ እትበሃል ከተማ ብራዚል ሞይሰስ ሎሮ ደ ኣዘቨደ ፊልሆን ማርያ ኤሚር ኦከንዶ ኖጐይራ ዝበሃሉ ተመስረተ፤ ቀንዲ ዕላማኡ ከኣ መንእሰያት ኣሰር መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምስዓብ ዘርኢ ለውጥን ሃነጽቲ ሰላምን ንምግባር ነበረ። እዚ ቅድሚ ኣርባዓ ዓመታት ኣብ ንእሽቶ ከተማ ብራዚል ዝጀመረ ምንቅስቃስ ናብ መላእ ዓለም ኣብ ሓጺር እዋን ተዘርጊሑ ብ2007 ዓም ብጳጳሳዊ ቤትምኽሪ ምእመናን ቅድስት መንበር ተፈላጥነት ረኺቡ ዓለምሓቆፍ ማሕበር ምእመናን ክኸውን ተወሲኑ።

ማሕበር ሻሎም ሎሚ ከም ሎሚ ኣብ 33 ሃገራት ተተኺሉ 1,500 ተል እኮ ስብከተ ወንጌል ዝተኣንገቡ ማሕበራትን ል ዕሊ 10,000 ገዳማውያን ማሕበራት ል ኡኻት ኣለውዎ። ኣባላት እዚ ማሕበር ኣብ ነፍስወከፍ ሓሙሽተ ዓመት ናብ ሮማ መንፈሳዊ ንግደት ናይ ምፍጻም ልማድ ኣለዎም፤ ነዚ ከኣ ብፍሉይ መንፈስ ኣብ ቅድሚ ር.ሊ.ጳ ወፈያ ተል እኮ ስብከተወንጌሎም ብምሕዳስ እዮም ዝፍጽምዎ።

ኣብ ናይ ሎምዘመን ርክቦም ቅዱስነቶም ንመሥረቲ እቲ ማሕበር ፍሉይ ምስጋና ምስ ኣቅረቡ ንቤተክርስትያን ንቅድሚት ከም እትደፍእ ዝገብራ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ብምዃኑ ብፍላይ ካቶሊካዊ ምንቅስቃስ ሻሎም ኣብ ግዜ መሥዋዕቲ ቅዱስ ቊርባን ኣብ ከተማ ፎርታለዛ ከምዝውለድ ዝገበረ ብዘይምኽንያት ከምዘይኮነ ገሊጾምሎም። እዚ ዘረጋግጸልና ንቤተክርስትያን ከም እትህሉን ንቅድሚት ገጻ ከም እትግስግስን ዝገበራ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ እዩ ኢሎም።

ኣብቲ ርክብ ካብ ሓሙሽተ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ምስክርነቶም ምስ ሃቡ ቅዱስነቶም ኣብዚ ሸበድበድ ዝመል ኦ ዓለምና ከመይ ገቢርካ ምሕዝነት ምስ እግዚኣብሔር ከም እትፈጥርን ነቲ ምሕዝነት ከም እት ዕቅቦን በዚ ከኣ ንካል ኦት ጐረባብትና ብመል እኽቲ ወንጌል ክነብርህ ከም እንኽ እል ምናዳ ከኣ ምስ ድኻታት ዘሎ ዕርክነት ኣገዳስነቱን ኣድላይነቱን ንሻሎም ማሕበረሰብ ንህልውን መጻኢ ኩነታቶም ወሳኒ ከምዝኾነ ገሊጾምሎም።

ብከመይ ክንነብር ክንምስክር ክንሰብኽ ንኽ እል እትብል ሕቶ ብሓንቲ መን እሰይ ምስ ቀረበቶም ‘ብ ኢየሱስ ንበሩ ኣብ ኢየሱስ ንበሩ ኣብ ፍቅሩ ንበሩ፤ ኣብ ዘሎና ኣሎና ኣብ ዝኾነ ኩነት ንልብታት ሰባት ክትንክፍ ዝኽ እል እዚ ጥራይ እዩ፤ ርግጽ እዩ መደባት ሓንጺጽካ ንመንእሰያት ምውዳብ ኣድላዪ እዩ እንተኾነ ንመን እሰያት ጽን ቢልካ ምስማዖም ብግዲ ዘድሊ ኣብ ር እሲ ምዃኑ ንመን እሰያት ምዝርራቦምን ተመኲሮታት ምሳኦም ምክፋልን ሓጋዚ ምዃኑ ምስ ገለጹ መን እሰያትን ጒብዝናን ክንብል እንከሎና ናይ ኣካል ወይውን ሥጋዊ ጒብዝና ዘይኮነ መንፈሳዊ ጒብዝና ብመንፈስ ወትሩ መን እሰያትን ጐበዛትን ምዃን ከምዘድሊ ገሊጾም፤ መንእሰይ መንእሰይ ቢልካ ምድግጋም ሓደጋ ኣባታዊ ዕብለላ ከስ ዕብ ስለዝኽ እል ምጥንቃቅ ከምዘድሊ ድሕሪ ምሕባር ቤተክርስትያንና ኣብነታውያንን ኣብ ደረጃ ቅድስና ዝበጽሑ መን እሰያትን ብዙሓት ከምዘለውዋ ከም ኣብነት ብፁዕ ካርሎ ኣኩቲስን ቅዱስ ፕየርጆርጆ ፍራሳቲ ቅዱስ ገብር ኤል ዘሕዝንት ድንግል ማርያም ቅድስት ተረዛ ዘኢየሱስ ሕሻን ወዘተ ብምጥቃስ ኣብነቶም ክኽተሉ ሓደራ ቢሎምዎም።

ምስ ድኻታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክህልወና ዘለዎ ዕርክነት ብዝምልከት ንዝቀረበሎም ሕቶ ከኣ ኣብነት ቅድስት ተረዛ ዘካልኩታ ብምጥቃስ ‘ኣብቶም ብኩሉ ዝተገለሉ ድኻታት’ ገጽ ኢየሱስ ርኢኻ ምኽኣል ከምዘድሊ ኣዘኻኺሮም።

ቅዱስነቶም ብሓፈሻ ምንቅስቃስ ሻሎም ከም ስሙ ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን ስለዘመልክት እዚ ሰላም እዚ እቲ ምስ እግዚኣብሔር ዝዓረቀና ስለዝኾነ ምስ ገዛእ ር እስኹምን ምስ ብጾትኩምን ዕርቂ ብምግባር ናብ ኩሎም እትረኽብዎም ሰባት ክተመሓላልፍዎ ዘሎኩም ሰላም ምዃኑ ወትሩ ኣይትዘንግ ዑ ምሳኹ ከኣ ቀንዲ ካቶሊካዊ ባህሪ ናይዚ ምንቅስቃስ እዚ ንቤተክርስትያን ጽን ቢልካ ምስማዕ ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ቀንዲ ሕመረት ምንቅስቃሶም ቅዳሴ ስግደትን ኣምልኾን ቅዱስ ቊርባንን ንስሓን ክኸውን ሓደራ ብማለት ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበትዎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
27 Sep 2022, 23:34