ር.ሊ.ጳ. ንካሪታስ ስፐይን፥ ፍቕሪ ልዕሉ ዅሉ ኣገዳሲ ባህርይ እዩ!
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መበል 75 ዝኽሪ ዓመት ቅዋመ ጨንፈር ካሪታስ ስፐይን ካብ ስፐይን ጨንፈር ካሪታስ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ልኡካን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን፥ “ካሪታስ ዝብል ስም ነቲ ካብቲ ደረት ኣልቦ ዝኾነ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝተወልደ ኣድላይ ባህሪ ፍቕሪ” ምዃኑ ዘዘኻኽር ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ንኣባላት እቶም ናብ ሃገረ ቫቲካን ዝመጹ ልኡካን ካሪታስ ስፐይን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ብዛዕባ እቲ ን75 ዓመት ዘገልግል ዘሎ ንሕብረተሰብ ስፐይን ካብ እምነትን ስነ ሓሳባትን ሓሊፉ ብዘይ መን ካበይን ዝህቦ ኣኽብሮትን ሓገዝን ኣመስጊኖም፡ ስለ ኣገልግሎቶም ኣመስጊኖም ካሪታስ ነቲ ፍቕሪ ዝኾነ ኣምላኽ ኣርኣያን ኣምሳልን ዝገበረ ንደቅሰብ ነዚ ፍቕሪ እዚ ዘንጸባርቕ ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ምዃኑ እውን ኣዘኻኺሮም፥
ሱታፌ ምስ ኣምላኽን ኣብ ንሓድሕድናን
እቲ መለኮታዊ መገዲ ፍቕሪ ንዕዮ ካሪታስ ንቕድሚት ዘሰጒም ከም ዝኾነን ከምቲ ክርስቶስ ምስ ኣምላኽን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንራኸብ ዝጽውዓና ካሪታስ ነዚ ሓድነት እዚ ንምህናጽ ዝገብሮ ጻዕሪ ሓድሓደ ግዜ መሰናኽላት ክገጥሞ ከም ዝኽእል ኣዘኻኺሮም፡ ፈለማ ነቶም ዘገልግሉ ንምትብባዕ ክእለቶም ንምምዕባል ከምኡ እውን ወትሩ ኣብ ውጽኢት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብቲ ነሕዋትናን ኣሕትናን ዘድልዮም ኵሉ ቀረባ ንምዃን ዝገብርዎ ጻዕሪ እቲ ዘድሊ ሓድነት ንምድፋዕ ከጋጥሞም ዝክእል ብዙሕ ብድሆታት ማእለያ ዘይብሉ ምዃኑ ገሊጾም፡ ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ክመሓየሽሉ ዘኽእሎም መገዲ ንኽረክቡ ዓቕምና ድሩት እኳ እንተኾነ ብምሕጋዝ ከምኡ እውን ንኻልኦትን ንኣምላኽን ግልጺ ብምዃን ምዉቕ ኣቀባብላ ክግበረሎም ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ገዛእ ርእስኻ ምሃብ
“እቲ ዓቢይ ብድሆ ንቤተ ክርስቲያን ከምስጢረ ኣካል ክርስቶስ ገርካ ንምርኣይን ምቕባልን ዝግበር ጻዕሪ እዩ። ካሪታስ ኢድ ክርስቶስ ነቶም እተሸገሩ ከም ዝዝርጋሕ ዘርእይ፡ ነቶም መከራ ዘሕልፉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንኸነገልግል ክጽውዓና እንከሎ ድማ ኢደ ክርስቶስ ንኽንከውን እዩ ዝጽውዓና። ኰሎም ነቶም ሓገዝና ዘድልዮም ሰባት ቀረባ ክትኰኑ ክርስቶስ ዘቕርበልኵም ጻውዒት ምላሽ ምሃብ ከም ናይ ሓቂ ጸዋዕታ ክትርእይዎ ኣለኵም” እንክብሉ ምዒዶም፡ ከምቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ነቲ ዝወደቐ ሰብ ኪሕግዞ ቀረባኡ ዝኾነ ኢየሱስ ዝገበሮ ንግበር ሓደራ እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ሓቢሩ።