ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኒውዮርክ ናብ ዝካየድ ዘሎ ጒባኤ ሓድነት ክርስቲያን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኒውዮርክ ናብ ዝካየድ ዘሎ ጒባኤ ሓድነት ክርስቲያን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኒውዮርክ ናብ ዝካየድ ዘሎ ጒባኤ ሓድነት ክርስቲያን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

“መጻኢ እምነት - ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ - ብክርስቲያናዊ ሓድነት እዩ ዝሓልፍ፡ ዋላ’ኳ ዘይቃዶ ዝመስል ፍልልይ ዘሎ እውን እንተመሰለ ፍቕሪ ካብ ዘይምርድዳእ ትሕይል

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከተማ ኒውዮርክ ብዝርከብ ኤጲስቆጶሳዊ ካቴድራል ቅዱስ ዮሓንስ ዘመለኮት ዝድገፍ ንመንእሰያት ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ውጥን ሓድነት መሰረት ናብ ዘበገስዎ ናይ ዓመት መደብ ማሕበራዊ ሕይወት፥ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ናብ ሓድነት ንዝገብሮ ጒዕዞ ዘተባብዕ እዩ ቢሎም ነቶም መንእሰያት ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ትሕትና ዝመልኦ መገዲ ሕብረተሰብኣዊ ሕይወት ምምራጽ ካብ ኣሽሓት ቃላት ንላዕሊ ክቡር ዋጋ ኣለዎ” ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ በቲ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብጳጳሳትን ዝድገፍ ዕለት ሸሞንተ መስከረም ናብ ዝተኸፍተ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተዋጽኡ መንእሰያት ኣባላት ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓደ ዓመት ናይ መጽናዕትን ጸሎትን ሕይወት መሰረት ብሓባር ከም ማሕበረሰብ ክነብርዎ ዝኾነ መደብ ጒዕዞ ሓድነት ክርስቲያን፥ “ጒዕዞ ተስፋን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ድሌት ሓድነት ዳግም ዘበራብር እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፍቕሪ ካብ ምፍልላይ ይብርትዕ

“መጻኢ እምነት - ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ - ብክርስቲያናዊ ሓድነት እዩ ዝሓልፍ፡ ዋላ’ኳ ዘይቃዶ ዝመስል ፍልልይ ዘሎ እውን እንተመሰለ ፍቕሪ ካብ ዘይምርድዳእ ትሕይል፡ እቶም ኣብዚ መደብ ጒዕዞ ሓድነት ዝሳተፉ ብሓባር ኮይኖም ክዓዩን ከጽንዑን ክጽልዩን ዝኾኑ መንእሰያት ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ባህልታትን ፖለቲካዊ ምርጫታትን ዋላ እውን ትምህርቲ ዝሓየለ ዘራኽብን ዘተኣሳስርን መሰረት እምነት ምዃኑ ይምስክሩ፡ ስለዚ ንሓድነት ኣሚቱ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ምእንታና ህይወቱ ንዝሃበ ክርስቶስ ምጥማት ይግባእ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ነዚ ዓይነት ርክብ ዝህቦ ድርኺት ኣመስጊኖም፡ ኣስዒቦም እውን ነቲ መደብ ንዘተባብዑ  “ሓወይን ዓርከይን ናይ ውህደት ኣንግሊካዊ ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ጁስቲን ወልብይ አመስግን” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

09 Sep 2022, 15:19