ፍርዲ ሞት ፍትሒ ዘይኮነ ሕነ ምፍዳይ ስለዘስዕብ ካብ ዓለምና ክውገድ ንጸሊ! ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ መ
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ነቲ ብቋንቋ እስፓኒሽ ብርእየት ማለት ብቪድዮ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ቅድሚ ንጸሎት ምዕዳሞም እዚ ኣብ ዘመንና ኣብ መብዛሕትኤን ሃገራት ተሪፉ ኣብ ገሊኤን ግን ገና ዝፍጸም ዘሎ ናይ ሞት መቅጻዕቲ ብዘይ ምንም ነግፈረግ ኩልና ኣይፋል ቢልና ክነወግዶ ዘሎና ኢሰብኣውን ኢሞራላውን ተግባር ምዃኑ ብምግላስ ንኩሎም ሰብ ጽቡቅ ድላይ ነዚ ጻውዒት እዚ ኣቅርቦም።
ብብርሃን ወንጌል ዘይፍቀድ ጉዳይ!
ቅዱስነቶም ብሓባር ንኩሎም ሰብጽቡቅ ድላይ እኳ እንተዓደሙ ብቀንዱ ግን ነቶም ንሶም ዝመርሕዎምን ብሓደ ወንጌል ዚኣምኑ ካልኦት ክርስትያንን ሕጊ ወንጌል ተኸቲሎም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ክርትያን ነዚ ብሞት ምቅጻዕ ዝብል ሕጊ ካብ ኩሉ ክመሖ ብመንፈስ ተሓባቢሮም ኪቃለሱ ይጽውዑ። ቀንዲ ምኽንያት ክገልጹ ከኣ ብመቅጻዕቲ ሞት ሕነ ምፍዳይ እምበር ፍትሒ ኣይርከበን ዝገደደ ከኣ ሰንሰለታዊ ዝኾነ ሕነ ምፍዳይ ከስዕብ ይኽእል ኢሎም። ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘመልክቶ ክሳብ ሕጂ 170 ዝኾና ሃገራት ዓለምና ካብ ቅዋማተን ብሞት ምቅጻዕ ንዝብል ዓንቀጽ ኣወጊደን። እዚ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሠርተ ዓመታት ዝተረኽበ ዓወት ኮይኑ ገና 55 ዝኾና ሃገራት ዓበይቲ ገበናት ንዝፈጸሙ እሱራት ብሞት ይቀጽዓ ኣለዋ። እንተኾነ ብብርሃን ወንጌል እንክምልከት እዚ ፈጺሙ ዘይፍቀድ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም እቲ ኣይትቅተል ዝብል ትእዛዝ እግዚአብሔር ንንጹሕ ይኹን ንበደለኛ ንኩሉ ኩሉ ከምዝምልከት ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ኣብ ዝኾነ ኩነኔ ወይ ፍርዲ ናይ ተስፋ መስኮት ክህሉ ኣለዎ። ብሞት ምቅጻዕ ነቶም ዝተበደሉ ፍትሒ ኣየውጸኣሎምን እኳ ደኣ ሕነ ምፍዳይ የለዓዕል። ንዝኾነ ፍርዳዊ ስሕተት ክትእርመሉ ዘይከኣል ሓንሳእ ምስ ኮነ ዘይምለስ እውን እዩ። ብካልእ ወገን ከኣ ብሞራላዊ መንገዲ እንክንምልከቶ ነቲ ቀንዲ ትዕድልቲ ዝኾነ ሕይወት ንክተዕኑ ምንም ብቊዕ ምኽንያት ክርከብ ኣይከኣልን። ወዲሰብ ክሳብ እታ መወዳእታ ሁመት ሕይወቱ ክንሳሕን ክልወጥን ከምዝኽእል ከኣ ኣይንረስዕ ኢሎም።
ምልክት ተስፋ!
ኣብ ዓለምና ሎሚ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ‘ንመቅጻዕቲ ሞት ኣይፋል’ ዝብል ዕለት ዕለት እናዓበየ ብምምጻኡ እዚ ንቅዱስነቶም ምልክት ተስፋ ከምዝኾነን ማሕበረሰብና ከኣ ነቲ ዝበደለ ካልኣይ ዕድል ናይ ምሃብ ልማድ ከተኣታቱ ከምዚ ክብሉ ኣዘካኺሮም።
ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ካብ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ክሳብ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 መንግሥታት ካብ ቅዋማቶም መቅጻዕቲ ሞት ከወግዱ ብግህዶ ጻውዒት ከምዘቅረቡ ዝዝከር እዩ። ቅዱስነቶም እውን ብ2018 ኣብ መዝገበ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ነዙይ ብዝምልከት ምምሕያሽ ብምግባር ኣብ ቁ.2267 ፍርዲ ሞት ቅቡል ኣይኮነን ዝብል ሓረግ ከምዝሰዂዑ ይዝከር።