ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ካዛኪስታን፥ ወሳኒ ግደ ሃማኖታት ኣብ ዓለም ሰላምን ምርድዳእን ንምሕናጽ!

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 14 መስከረም ኣብ ካዛኪስታን ርእሰ ከተማ ኑር - ሱልጣን ኣብ ዝተኻየደ ሻብዓይ ጒባኤ መራሕቲ ዓለምን ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ነቲ ጽምኢ ሰላም ዓለምን ኣብ ልቢ ሰብ ብኑባሬ ንዘሎ ጽምኢ ኢትኣላውነትን መልሲ ንምሃብ ሃይማኖታት ብምሕዝነት ክዓብያ ኣገዳሲ እዩ ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ዓመት ዝካየድ ናይ ክልተ መዓልቲ ኣኼባ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ መራሕቲ ሃይማኖት ዝሳተፍሉ ኮይኑ ናይ ለምዘበን ዓውደ ኣኼባ ሃይማኖታት ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ - 19 ዝመጽእ መንፍሳውን ማሕበራውን ምዕባለ ብኸመይ ከተባብዑን ከዕብዩን ከም ዝኽእሉ ኣብ ዝብል መሰረተ ሓሳብ ዝዝትይ ኮይኑ ኣብቲ ዓውደ ጒባኤ ካብ 50 ሃገራት ዝመጹ ልዕሊ 100 ተጋባእያን ይሳተፉ ከምዘለዉን እዚ ጒባኤ እዚ ብናይ ሃይማኖታትን ባህልታትን በረገሳውን መንግስታውን ዘይመንግስታውን ወከልቲ ዝቖመ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ካዛኪስታን፥ ወሳኒ ግደ ሃማኖታት ኣብ ዓለም ሰላምን ምርድዳእን ንምሕናጽ!
ር.ሊ.ጳ. ኣብ ካዛኪስታን፥ ወሳኒ ግደ ሃማኖታት ኣብ ዓለም ሰላምን ምርድዳእን ንምሕናጽ!

ብኢታእላው እተማረኸ

ቅዱስነቶም ኣብ ካዛኪስታን ዘካይድዎ ዘለዎ ምብጻሕ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ካሲም ጆማርት ቶካየቭ ብዘቕረብሎም ዕድመ መሰረት ክኸውን እንከሎ ኣብቲ ዓውደ ጒባኤ ብውልቆም ንኽሳተፉ ዘካይድዎ ዘለዎ ምብጻሕ እውን ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ዘስምዕዎ መደረ፥ ንዅሎም ተጋባእያን፥ ብስም እቲ ከም ደቂ ሓደ መንግስተ ሰማይ ዝጥርንፈና ሕውነት መሰረት፡ ዝኸበርኵም ኣሕዋተይን ኣሓተይን ብዝብላ ቃላት ኣበጊሶም፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ደረት ሰገርናን ዝማርኸናን እቲ ዘይነጽት ምስጢር ሃይማኖታት ፍጡራት ምዃንና የዘኻኽራና . . . ከሃሊ ኵሉ ዘይኮኑ . . . ናብ ሓደ ዕላማ ዝጓዓዙ ኢና” ምስ በሉ ኣስዒቦም፥ “ሃይማኖታት ወትሩ ኣብ ሰብኣዊ ርክባት ተመርኵሰን ክራኸባ ተስፋ ከም ዘለዎም ገሊጾም፥ “እዚ ከኣ ኣብ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ልባዊ ዘተን ነቲ ዘይሓልፍ ክብሪ ነፍሲ ወክፍ ሰብ ምኽባርን ሓባራዊ ምትሕብባርን” ዝጠልብ እዩ ከም ዝበሉ የመላኽት።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ካዛኪስታን፥ ወሳኒ ግደ ሃማኖታት ኣብ ዓለም ሰላምን ምርድዳእን ንምሕናጽ!
ር.ሊ.ጳ. ኣብ ካዛኪስታን፥ ወሳኒ ግደ ሃማኖታት ኣብ ዓለም ሰላምን ምርድዳእን ንምሕናጽ!

ሓቀይና ሃይማኖት

ቅዱስነቶም ነቶም ውሩይን ፍሉጥን ካዛኪስታናዊ ገጣምን ኣቦ ዘመናዊ ስነ ጽሑፍን ካዛኪስታን ዝኾኑ ኣባይ (1845 – 1904 ዓ.ም.) ጠቒሶም ጽሑፋቶም ዓሚቝ ሃይማኖታዊ ተወፋይነት “ክቡር ነፍሲ ናይ ህዝቢ ካዛኪስታን” ዘንጸባርቕ እዩ። ኣባይ መንፈሳውነት ንምኹስኳስ ብዛዕባ ህይወትን ትርጒም ህይወትን ንዝለዓል ናይ መወዳእታ ህይወትን ዝምልከት ሕቶታት ብተደጋጋሚ ብኸመይ ከም ዝመለስዎ ከምኡ እውን ከም ዝገልጽዎ “”ንህያውነት መንፈስን ኣእምሮን ንጹር” ይገብሮ። ከምኡ እውን እቶም ናይ እምነት ሰባት ብኻልኦት ሰባት ናይ ነፍስን ቀልብን ህላወ ንጹር ኣብነትን ከምኡ እውን ናይ ሓቀይና ሃይማኖት ዘንጸባርቝ” ክኾንዎም እዮም ዝደልዩ።

ደረት ሰገርን ቅዱስ ዋጋ ሕውነትን ምድላይ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ዘመናውያን ተቕዋማት ከማኡ እውን ዲሞክራስያውያን ሃገራትን ዘጋጥሞም ዘሎ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክኣ ምድራዊ ማሕበራዊ ቁጠባዊ ስነ ምህዳራዊ ግን ከኣ ብመሰረቱ መንፈሳዊ ቅልውላው ንምብዳህ ክወስድዎ ዘለዎም ውሳኔታትን ስጒምትታትን ከነቓቕሕን ከብርህን ይክኽል። ምኽንያቱ እቶም ዝረኣዩ ዘለዉ ቅልውላዋት ኣብ መንጎ ህዝብታት ንዝህሉ ጸጥታን ስምምዕን ዝጐድእ ስለ ዝኾነ። ስለዚህ ሃይማኖት የድልየና ኣሎ፡ ነቲ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ብኑባሬ ዘሎ ጽምኢ ሰላምን ደረት ኣልቦነትን ምላሽ ንምሃብ።

ናይ ሃይማኖት ናጽነት

ቀጺሎም ቅዱስነቶም ኣገዳስነት ናይ ሃይማኖት ናጽነት “ንሓቀይና ሰብኣውን ውሁዳዊ ምዕባለ ወሳኒ ቅድመ ኵነት” እዩ ቢሎም፡ ነጻ ኮይኑ ዝተፈጥረ ነፍሲ ወከፍ ሰብ “ንናይ ገዛእ ርእሱ እምነት ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ምስክርነት ናይ ምሃብ መሰል ኣለዎ፡ ብዘይ ተጽዕኖን ግብረ መስድዕን ብጠመቓዊ ትምህርታት ኣእምሮ ብዘይ ምዕብላል መገዲ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ . . . ኣብ ድህር ለበዳ ኮሮና ተህዋስ ኣብ ዘሎ ዓለም ከመይ ጌርና መንፈሳውን ማሕበራውን ደገፍ ከነቕርብ ከም እንኽእል ንኽንጥምት እቲ ናይቲ ዓውደ ጒባኤ መርሕ ቃል የዘኻኽረና ቢሎም . . . ሃይማኖታት ብፍሉይ መገዲ ብሓባር ናብ ዝዓበየ ሓባራዊ ዕላማ ብሓባር ክዓያ” ቅዱስነቶም ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ካዛኪስታን፥ ወሳኒ ግደ ሃማኖታት ኣብ ዓለም ሰላምን ምርድዳእን ንምሕናጽ!
ር.ሊ.ጳ. ኣብ ካዛኪስታን፥ ወሳኒ ግደ ሃማኖታት ኣብ ዓለም ሰላምን ምርድዳእን ንምሕናጽ!

ተቓላዕነትን ሓላፍነትን

ለበዳ ኮቭድ - 19 ንዅሉ ሰብ “ኣብ ሓደ ጀልባ” ከም ዘእተዎን ነቲ ሓባራዊ ተቓላዕነትናን ደለይቲ ሓገዝ ምዃንና ኣቃሊዕዎ እዩ” ቢሎም ብሰንኪ እቲ ለበዳ ኮሮና ተህዋስ ዘጋጠመና “ሓያል ናይ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ስምዒት” ብምንኣድ ግን እዚ ስምዒት እዚ ከነባኽኖ ከም ዘይብልና ኣጠንቂቕዕም፡ ኣብዚ ሃይማኖታት “ኣብ መንጐ እቲ ንሰብኣዊ ስድራ ቤት ዝያዳ ንምብትታን ሓደጋ ዘቃልዕ ከቢድ ብድሆታት ንምብዳህ ኣብ ምትብባዕ ሓድነት ግድን ቅድመ ግንባር ክኾና ተጸዊዐን” እየን ክም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብዚ እዋን እዚ ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ተቓላዕነትና ከይንርስዕ ክንሕግዞም ኣብ መለኮታዊ ንእንኣምን ናኣትና ዕማም እዩ። . . . ብሓደ ቃል ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮና ተህዋስ ዝተቐልቀለ ናይ ሓባር ተቓላዕነት ስምዒት ንኽንቀሳቐስ ከነቓቕሓና ይግባእ . . . ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገበርናዮ ዘይኮነስ ብዝያዳ ትሕትናን ኣርሒቕካ ብምጥማትን . . .

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ካዛኪስታን፥ ወሳኒ ግደ ሃማኖታት ኣብ ዓለም ሰላምን ምርድዳእን ንምሕናጽ!
ር.ሊ.ጳ. ኣብ ካዛኪስታን፥ ወሳኒ ግደ ሃማኖታት ኣብ ዓለም ሰላምን ምርድዳእን ንምሕናጽ!

ቢሎም ቀጺሎም፥ ኣምነቲ “ንሰብኣውነት ንኽከናኸኑ” ተጸዊዖም እዮም - ናይ ሕብረት ስነ ጥበባውያን መሰኻክር ናይቲ ዶባት ሰገር ዝኾነን ብሄራዊ ሃገራውን ሃይማኖታውን ምትእስሳራትና ዝሰግር ምትሕብባር ክዀኑ ኣለዎም። ድኻታትን ማንም ቍልሕ ዘይብሎም ሸለል ዝበሃሉ ረዳኢ ዘይብሎም - ኮታ ነቶም ብሓፈሻዊ ሸለልትነት ንዝሳቐዩ” ኣብቲ ዘለዎ ቦታ ተረኺብና ኣብራኽና ዓጺፍና ብምስማዕ ኢና እንጅምር፥”

እቲ ኣነ ዝሓስቦ ዘለኹ ናብ ዝዓበየ ትኩረትን ምትሕግጋዝን ዝወስድ መገዲ ጥራይ ዘይኮነስ ንሕብረተሰባትና ናብ ፈውሲ ዝወስድ መገዲ እዩ። ከመይሲ ድሕንነትን ማዕርነትን ምጉዳል ዘንጸባርቖም ለብዕታትን ካልኦት ዓበይቲ ክፍኣትን ክሰፍሕ ዝገብር ድኽነት ስለ ዝኾነ እዩ።

ብድሆታት ሰላም

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ዘጒልሕዎ ዓለም ለኻዊ ብድሆት፥ ብድሆ ሰላም ክኸውን እንከሎ፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ብመራሕቲ ሃይማኖት ዘተ ዝተገብረሉ ጒዳይ እውን እንተኾነ ምርጫ ኲናትን ሓድሕዳዊ ግችት ንዓለምና የሳቕያ ከም ዘሎ ኢና እንዕዘብ ዘሎና። እዚ ድማ ናይ ዘመንና ሰባት ኣብ ኣኽብሮትን ሓላፍነትን ዘተ ንኽዋፈሩ ክድረዅ እንተድኣ ኮይኖም ብንጥፈት ንኽጥርነፉን ንሰላም ንምውፋይ ዓበይቲ ሃይማኖታት ንቕድሚት ክብላ” ዝሓትት እዩ፥

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ካዛኪስታን፥ ወሳኒ ግደ ሃማኖታት ኣብ ዓለም ሰላምን ምርድዳእን ንምሕናጽ!
ር.ሊ.ጳ. ኣብ ካዛኪስታን፥ ወሳኒ ግደ ሃማኖታት ኣብ ዓለም ሰላምን ምርድዳእን ንምሕናጽ!

እግዚኣብሔር ሰላም እዩ። ኵሉ ግዜ ኣብ መገዲ ሰላም እምበር ኣብ መገዲ ውግእ ኣይመራሓናን። እምበኣር ንግርጭታት ብቕዓት ብይዘብሉ መገዲ ስልጣን ብብረትን ምፍርራሕን ዘይኮነስ በቲ እንኮ ብሰማይ ዝተባረኸን ንሰብ ዝበቕዕ መገዲ ማለት ብምርኻብ ብዘተን ትዕግስትን ዝግበር ድርድርን ምፍታሕ ከም ዘድሊ ንምጽናዕ ርእሰና ነወፍይ። ብፍላይ ንመእሰያትን መጻኢ ወልዶታትን ኣብ ግምት ከኣትዉ ኣንተድኣ ኮይኖም . . . ንውግኣ ኣጽዋር ኣይፋል ክበሃል ነጽዋር ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ንሕንጸትን ትምህርትን ክውዕል ጻውዒት አቕርብ!

ሕውነታዊ ምቅብባል

እቲ ሳልሳይ ብድሆ “ሕውነታዊ ተቐባልነት” ዝብል ምዃኑ ዝገለጹ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ መዓልታዊ ዝተወልዱን ዘይተወልዱን ስደተይናታትን ኣረጋውያንን ዝሕደጉን ወይ ዝድርበይኑ ስለ ምንታይ እዩ ከምዚ ዓይነት ምንጻግን ምድርባይ ንጓሕፍን . . . ኵሉ ሰብ ቅዱስ እዩ፥ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝተቐደሰ ምዃኑ ምዝኽኻር ናይ ኵለን ሃይማኖታት ዕማም ምዃኑ ኣዘካኺሮም እቲ ንዅሉ ፍጥረት ዝሓልይ ኣምላኽ ከምቲ ንሱ ገይሩ ዝርእዮም ገርና ክንራዮም ኣብ ኣቶም ድማ ወጅሂ ሓውን ሓብትን ክንርኢ ከም ዝዕድመና ከነስተውዕል ግዴታና እዩ።”

ኣጋይሽ ናይ ምቕባልን ናይ ርህራሄን ስነ ጥበብ ዳግማይ ንርከቦ። ከምኡ እውን ምሕፋር ንመሃር እውን። በቲ ነሕዋትናን ኣሓትናን ዘጋጥሞም ጸገም ክንሓፍርን ንዅነታቶምን ንዕጨኦምን እንከፋሎ ካብ ርህራሄ እተወልደ ሕፍረት ከነስተማቕር እንከሎና እዩ። እዚ መገዲ ርህራሄ እዩ። እዚ እዩ ዝሓሹ ሰባትን ኣመንትን ዝገብረና

ናይ ሓባር ቤትና ምኽንኻን

“ናይ ሓባር ቤትና ክንከናኸን፥” ንዅላትና ዘጋጥመና ናይ መወዳእታ ብድሆ፥ “ንናይ ሓባር ቤትና ምሕብሓብ” ዝብል እዩ። ንተፈጥሮኣዊ ከባቢ ካብቲ ብብከላን ምዝመዛ ዕንወትን እነስዕቦ መጒዳእቲ ምክልኻል ዝብልን እዩ፡ ምዝመዛ ዝብል ኣተሓሳስብ ኣከመይ ጌሩ ናይ ሓባር ቢትና የዕንዎ ከምዘሎን “ናብ ግርደት ናይቲ ፈጣሪ ዚደልዮ ኣኽብሮትን ሃይማኖታውን ራእይ ዓለም” ይመርሕ ከም ዘሎ ኣመልኪቶም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብሓባር ንቕድሚት ምጒዓዝ

ኵሉ ሰብ “ጒዕዞ ናይተን ሃይማኖታት ብዕርክነት እናተለለየ ምእንቲ ክኽወን ብሓባር ንቕድሚ ክኽየድ “ ኣተባቢዖም፡

እቲ ኵሉ ዝኽእል . . . ብቐጻሊ ዘተን ብብርህው ቅንዕናን ዕላማን ክፉትን ሕውታውን ዕርክነት ከነማዕብል የኽእለና። ደጋውን ጥምዓውን መልክዕ ዝመልኦ ናይ ሓሶት ምጥርናፍ ፈጺምና ኣይንዓምም። እንታይ ደኣ ንናይ ገዛእ ርእስና መንነት ብጽኑዕ ዓቂብና ብትብዓት ካልእነትን ንሕውነታዊ ርክብን ክፉት ምዃን እዩ ዘድሊ። በዚ መገዲ እዚ ጥራይ ኢና ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ጽሉም ግዜ ብርሃን ፈጣሪ ከነውርደሉ እንኽእል

እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

14 Sep 2022, 16:34