ድለ

2022.09.22 Canonici Regolari Premostratensi, in occasione del IX Centenario della Fondazione dell'Abbazia di Premontre 2022.09.22 Canonici Regolari Premostratensi, in occasione del IX Centenario della Fondazione dell'Abbazia di Premontre 

መንፈሳዊ ቅንኣት ተልእኮ ስብከተወንጌል ካብ ፍቅሪ ይውለድ! ር.ሊ.ጳ ንፕረሞንስትራተንሳውያን

መበል 900 ዓመት ምሥረታኡ ዘብዕል ዘሎ ማሕበር ፕረሞንስትራተንሳውያን ምስ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ዝተኸቡሉ ቅዱስነቶም ንታሪኽ ማሕበሮም ከስተንትኑን ከም ልኡካን ኣብ ቅዱስ ቊርባንን ወንጌልን ዝተመሥረተ ሕውነታዊ ናብራ እናነበሩ ናብ ብሩህ መጻኢ ከቋምቱ ከምዘተባብዕዎም ካብ ቅዱስ መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ፕረመንትረ ዝበሃል ኣብ ሃገረ ፈረንሳ ዝርከብ ገዳም ቅድሚ 900 ዓመታት ዝተመሥረተ ማሕበር መነኮሳን ብስም እቲ ቦታ ገዳም ፕረሞንትረ ማሕበር ፕረሞንስትራተንሳውያን ቆመ። ቀዳማይ መሥራቲ እቲ ማሕበር ቅዱስ ኖርበርት ኮይኑ ብ1120 ዓምፈ ነበረ። ምኔት ፕረሞንትረ ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ጀሚሩ ብኡ ንብኡ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ተዘርገሔ። ከም መበገሲ ሕጊ ማሕበር ገዳማዊ ሕጊ ማሕበር ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ብምስዓብ ምስ ገዳማውን ብመንፈስ ሲታውያን ዝተቀለሰ ናይ ኣስተንትኖን ስራሕን ሕይወት ዘወሃሃደ ነበረ።

እዞም ዓመት ምስ መመላእታ ነዚ መበል 900 ምሥረታ ማሕበሮም ዝዝክሩ ዘለው ትማል ሓሙስ ዕለት 22 መስከረም 2022 ዓም ምስ ቅዱስነቶም ኣብ ዝተራኸቡሉ ሎሚ ከም ሎሚ ብዙሕ ምድኻማት ኣብ ገዳማትን ገዳማዊ ሕይወትን ኣብ ዝረኣየሉ ዘመን ፕረሞንስትራተንሳውያን ብሓቂ ክዕምብቡ ምርኣይ ዓቢ ተስፋ ምዃኑ ብምግላጽ ኣብ ሕመረት ማህበሮም ተልእኮን ጽንዓትን ክኸውን ሓደራ ቢሎም።

ሕመረት ተልእኮ ማሕበር፥ ተልእኮን ጽንዓትን!

ቅዱስነቶም ናብ ታሪኽ ምሥረታ እቲ ማሕበርን ዝርጋሔኡን ምልስ ቢሎም ብኣድናቆት ድሕሪ ምትንታን እቲ ቅልጡፍ ዝርጋሔ እቲ ማሕበር ተልእኮኡ ንከነጽርን ጸኒዑ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ንክቅጽልን ከምዝሓገዞ ብምግላጽ እዚ ግን ኩሉ ጥጡሕን ጥዑምን ከምዘይነበረ እኳ ደኣ ብዙሕ ፈተናታትን ዘሕጒስ ግዝያትን ዝተፈራረቆ ምንባሩ ብምዝኽኻር ሎሚ እውን ኣንተኾነ ጽንዓት ሓደ ገዳምን ተልእኯኣዊ ምስፍሕፋሑን ኢድ ንኢድ ተታሓሒዙ ኣብ ሓደ ቦታ ጸኒዕካ ብምንባር ብስብከተ ወንጌል ናብ ኩሉ ዓለም ከምዝብጻሕ እዚ ከኣ ኣብዚ ዘመንና ዓቢ ተስፋ ምዃኑን ኣብ ከባቢና ናይ ገዳማውያንን ገዳማውያትን ህልውና ኣንጸባራቂ ተስፋ እዩ ኢሎም።

“ፍሉይ ውህበት ገዳማውያንን ገዳማውያትን ንክልቲኡ ኣጣሚሩ ዝሕዝ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም እዚ ከኣ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ሓደ ቦታ ጺኒዕካ ብምንባር ንገዳማዊ ሕይወት ምሕያል እንክኸውን በቲ ካልእ ወገን ከኣ መንፈስ ተልእኮ ስብከተወንጌል ተላቢስካ ናብ ኩሉ ክትበጽሕ ምኽኣል ዓቢ ጸጋ እዩ ኢሎም።”

በዚ ከምዚኸስ ገዳማውያንን ገዳማውያትን መንፈስ ስብከተወንጌል ኣብ ኩሉ ክስርጹ ጽውዓት ምዃኖም ኣዘኻኺሮም።

መንፈስ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል!

ብገዳማዊ ሕይወት ሓው ወይ ሓውቲ ክርስቶስ ምዃን ንተልእኮ ስብከተ ወንጌል ልብኻ ምኽፋት ኮይኑ ነዚ ከኣ በቲ ኣብ ገዳም ብዝዕምብብ ጸሎተ ሰዓታት ብምዝውታርን ኣብ ምንጪ ኩሉ ዝኾነ ቅዱስ ቊርባን ብምቅራብን ከምዝግበር ዝገልጹ ቅዱስነቶም ሓባራዊ ጸሎት ብሕውነት ብሓደ ንምንባር ዘኽእል ባህሊ እንከሥርጽ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ናባኻ ንዝመጹ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ናይ ምቅባል መንፈስ የደንፍዕ ኢሎም።

ፕረሞንስትራተንሳውያን ኣብ ታሪኾም ነዚ መንፈስ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል እንከወፍዩ ታሪኾም ብምሉኡ ካብ ፍቅሪ ዝመንጨወ ታሪኽ ትብዓትን ታሪኽ ርእሰ ወፈያን ኰይኑ ኣብ መሬታት ስብከተ ወንጌል ሓደስቲ ቀወምትን ጽኑዓትን ገዳማትን ማሕበራትን ብምምስራት ይቅጽሎ። ስለዚ ከኣ እዮም ቅዱስነቶም ንኣባላት እቲ ማሕበር ካብ ዝሓለፈ ንምምሃር ጥራይ ዘይኮነ ካብ ነንሕድሕዶም ንክመሃሩ እውን ታሪኽ ማሕበሮም ወትሩ ከጽንዕዎን ከስተንትንዎን ሓደራ ቢሎምዎም።

ቊጠባውን ማሕበራውን ባህላውን ኣበርክቶ ገዳማት!

ዕላማ ሓደ ገዳም ወትሩ መንፈሳዊ እኳ እንተኾነ ኣብ ነፍስወከፍ ገዳም ዝግበር ቊጠባዊ ንጥፈት ነቲ ፍሉይ ውህበት ናይቲ ገዳም ንምድንፋዕን ናብ ኣገልግሎት ስብከተ ወንጌል ንምውፋርን ዚዓለመ ክኸውን እምበር ንስለቊጠባ ክኸውን ከምዘይብሉ ዝገልጹ ቅዱስነቶም፣ ኣድላይነት ርእሰ ምርኰሳ ኣብ ግምት ብምእታው ንኩነታት ከባብን ነበርትን ኣብ ግምት ብምእታው ኣድማዒ ግብረ ተልእኮ መንፈሳዊ ጒስነትን ተኣማኒ ብሥራት ስብከተ ወንጌልን ክፈጥሩ ሓደራ ቢሎም።

“ናይ ሓንቲ ማሕበረ ገዳም ጽንዓትን ነዊሕ ተመኲሮን ንርሑቅ መጻኢ ዝኸውን ኣድማዒ ምርጫታት ንምግባር ዓቢ ኣበርክቶ ኣሎዎ። ርእሰ ምርኰሳ ከኣ ከም ማሕበራዊ ፍትሒ መሠረታዊ መምዘኒ እዩ ኢሎም።”

ሎሚ ከም ሎሚ ዓለምና ከም ሓንቲ ቊሾት ኮይኑ ብኩሉ እኳ ትራኸብ እንተመሰለት ገና ካብዚ መርበብ ርክብ ወጻኢ ዝኾኑ ከምዘለው ዘዘኻኸሩ ቅዱስነቶም ነዞም ካብ መርበብ ርክብ ወጻኢ ንዝኾኑ ብፍቅራዊ ምግባረ ሠናይ ክበጽሕዎም ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

“ብግቡእ ንብረት ገዳማት ምስ ምምሕዳር ክጠብቅ ዘለዎ ነቶም ካብ መርበብ መራኸቢ ብዙሓን ወጻኢ ዝርክቡ ከማኡ እውን ብሕሉፍ ድኽነትን ተኣፋፍነትን ካብ ማሕበረሰብ ዝተገለሉን ንክትበጽሖ ጽንኩር ኣብ ዝኾነ ቦታታት ንዝርከቡን ምሕጋዝ የድሊ። ገለ ገለ ጸገማት ብፍቅራዊ ምግባረ ሠናይ ጥራይ ክድግፉ ይኽእሉ። እዚ ከኣ ቀዳማይ ስጒምቲ ምስ ማሕበረሰብ ምውህሃድ እዩ ኢሎም።”

መብዛሕትኦም ኣባላት ፕረሞንስትራተናውያን ከም ጓሶት ነፍሳት ማለት ቆሞሳት ከም መማህራን ልኡካን ስበክተ ወንጌል ኮይኖም ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ነዚ ኢዮቤል 900 ዓመት ‘ምስ እግዚአብሔርን ሕዝበ እግዚአብሔርን ብሓባር’ ብዝብል መሪሕ ቃል እንከብዕሉ ነቲ ንገዳማቶም ከንቀሳቅሱ ዝገበርዎ ቊጠባውን ማሕበረሰባውን ባህላውን ንጥፈታቶም እውን ከም መሪሕ ሕይወቶም ክርእይዎን ከስተንትንዎን እንከዘኻኽሩ ብቀንዱ ግን ምስ ቅዱስ ቊርባን ተዋሃሂዶም ክነብሩ ከምዘለዎም ገሊጾምሎም።

ኣብ ቅዱስ ቊርባን ምንባር!

ቅዱስነቶም ኣብ ተመኲሮ ሕይወት ፕረሞንስትራተናውያን ሕመረት ኩሉ ቅዱስ ቊርባን ከምዝነበረን ከምዝኾነን ድሕሪ ምግላጽ ኩሎም ኣሕዋትን ኣሓትን ናይዚ ኣምልኾን ስግደትን ዘቅርብሉ ቅዱስ ቊርባን ሥጋ ክርስቶስ ብምውህሃድ ንገዛእ ርእሶም መይቆም ንካልኦት ከሙቁሉ ዝኽእሉ ውህደት ክህልዎም ከማኡ እውን ኣደ ክርስቶስን ኣደ ቤተክርስትያንን ዝኾነ ቅድስት ድንግል ማርያም ክትመርሖም እሞ ንመላእ ዘመደ ኣዳም ክሕግዙን እሙናት መሰኻክር ወንጌል ድሕነት ክኾኑን ትሓግዝኩም እንክብሉ ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበትዎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
23 Sep 2022, 11:47