ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ መንጐ ኣዘርበጃንን ኣርመኒያን ሰላም ክህሉ ጸልዮም ር.ሊ.ጳ. ኣብ መንጐ ኣዘርበጃንን ኣርመኒያን ሰላም ክህሉ ጸልዮም 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ መንጐ ኣዘርበጃንን ኣርመኒያን ሰላም ክህሉ ጸልዮም

ሰላም ዝከኣል፡ ናይ ወግእ ኣጽዋር ኣሊኻ ዘተ ምስ ዝጅመር ምዃኑ ኣይንረስዕ! ከምኡ እውን ምእንቲ ዝሳቐ ዘሎ ዝህቢ ዩክረይንን ውግእ ኣብ ዝካየደለን ሃገራት ኵለን ሰላም ክወርድ ጸሎትና ሓደራ ኣይነቋርጽ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸክሶ ዕለት 18 መስከረም ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ነቶም ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ለጊሶም ምስ ኣብቁዑ፥ መሪሖም ብሓባር ጸሎተ መላኣከ እግዚኣብሔር ምስ ደገሙ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መንጐ ኣዘርበጃንን ኣርመንያን ብዝተኻየደ ውግእ ግዳያት ንዝኾኑ እባይቲ ስድራ እናሓሰቡ ምእንታኦም ንጸልይ” ቢሎም፡ ዘተን ሰላምን ክህሉ ጻውዒት ምስ ኣቕረቡ፡ ኣስዒቦም እውን ኵሉ ሰብ ምእንቲ ዩክረይንን ብኲናት ዝደምያ ምእንቲ ዘለዋ ሃገራት ክፍሊ ዓለም ጸሎት ኣይነቋርጽ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መንጐ ኣዘርበጃንን ኣርመንያን ኣብ ቀረባ እዋን ዝተባርዐ ውግእ ዘስዓቦ መጒዳእቲ እናሓሰቡ ንግዳያት ኣባይቲ ስድራ መንፈሳዊ ቅርበቶም ኣረጋጊጾም፡ ክልቲኦም ወገናት ስምምዕ ሰላም ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ከኽብሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥

ሰላም ዝከኣል፡ ናይ ወግእ ኣጽዋር ኣሊኻ ዘተ ምስ ዝጅመር ምዃኑ ኣይንረስዕ! ከምኡ እውን ምእንቲ ዝሳቐ ዘሎ ዝህቢ ዩክረይንን ውግእ ኣብ ዝካየደለን ሃገራት ኵለን ሰላም ክወርድ ጸሎትና ሓደራ ኣይነቋርጽ!

ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ ኢጣሊያ ዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናምን ምዕልቕላቕ ማይን

ቀጺሎም ኣብ ኢጣሊያ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብብርቱዕ ዝናብን ነዚ ስዒቡ ብዝተኸስተ ዘሰንብድ ምዕልቕላቕ ማይ ዝተሃስየ ዞባ ማርከ ጠቒሶም፡ ነቲ ናይቲ ከባቢ ህዝብን ህይወቶም ንዝሰኣኑን ዝተጐድኡን ኣባይቲ ስድራን ብጸሎት ቀረባ ምዃኖም ኣረጋጊጾም፡ ነቲ ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ጐይታ ሓይሊ ክህቦ ንጸልይ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ካዛኪስታን ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት

ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ካብ ዕለት 13 – 15 መስከረም ኣብ ካዛኪስታን ዘካይድዎ መበል 38 ሓዋርያዊ መገሻን ኣብቲ ምብጻሕ እውን ኣብ ሻብዓይ ናይ ኵለን ሃይማኖታት መራሕቲ ዓውደ ጒባኤ ምስታፎም ዘኪሮም፡ ብዛዕባ እዚ ምብጻሕ እዚ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ረቡዕ ናይ ዝልግስዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣርእስቲ ከምዝኸውን ገሊጾም ንዅሎም ዝተባርከ ሰንበት ተመንዮም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከም እተፋነዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

19 Sep 2022, 14:36