ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ሊጡርጊያ ዓለማዊ ኮይኮነ ናብ እግዚኣብሔር ዝጥምት ክኸውን ኣለዎ! ር.ሊ.ጳ.፥ ሊጡርጊያ ዓለማዊ ኮይኮነ ናብ እግዚኣብሔር ዝጥምት ክኸውን ኣለዎ! 

ር.ሊ.ጳ.፥ ሊጡርጊያ ዓለማዊ ኮይኮነ ናብ እግዚኣብሔር ዝጥምት ክኸውን ኣለዎ!

ናብ ሱር ምምላስ ማለት ንድሕሪ ምምላስ ማለት ዘይኮነስ ሓቀይና ትውፊት ክመርሕ ምፍቃድ ማለት እዩ፡ ናይ ሊጡርጊያ መምሃራንን ሊቃውነትን “ትውፊትን ባህልን” ፈላልዩ ናይ ምርኣይ ብቕዓት ዘለዎ ክኸውን ይግባእ

ዕለት 1 መስከረም ቅዱስ ኣቦን ኣር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ኢጣልያ ብሔራዊ ናይ ሊጡርጊያ መምሃራንን ሊቃውንትን ማሕበር ኣባላት ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱን፡ ቅዱስነቶም ሊጡርጊያ ናብ ዕለታዊ ህይወት ዘቕርብ ናብ ምስጢረ ክርስቶስ ዘቐንዐ፡ ዓለምዊ ከይኮነ ናብ እግዚኣብሔር ዝጥምት ክኸውን ከም ዘለዎ የተሓሳስቡ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም እቲ መበል 50 ዓመት ቅዋመ ናይ ኢጣሊያ ናይ ሊጡርጊያ መምሃራንን ሊቃውንትን ማሕበር ምስቲ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ስርዓተ ቅዳሴ ህዳሴ ዝተበገሰሉ ኣዋን ዝተኣሳሰረ እዩ፡ . . . እቲ ኣብ ስርዓት ቅዳሴ ዝተኣታተወ ህዳሴ ኣብ ግብሪ ኣብ ምውዓሉ ገለ ገለ ጸገማት ነይሩ እዩ ሎሚ ግና እቲ ተሓድሶ ኣብ ዝዓሞቐ ተቐባልነት ኣብ ዝረኸበሉ እዋን ተበጺሑ ኣሎ፣ እዚ ኪደት ሕዳሴ ንግዜ ጥራሕ ዝምልከት ዘይኮነ ውዕዉን ዕጉስን ክንክን መንፈሳውን ጓሳውን ርድኢት ዝሓትት እውን ብምዃኑ ናይ ሊጡርጊያ ቲዮሎጊያ ሲኖዳዊ ቅዲ ክህልዎ ይግባእ! ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሊጡርጊያዊ መጽናዕቲ

ናይ ሊጡርጊያ ሊቃውንትን መምሃራንን እቲ ኣብ ሊጡርጊያ ዘካይድዎ መጽናዕቲ ካብ ናይ “ህዝቢ ትጽቢታትን ድሌታትን ፈጺሙ” ክፍለ ከምዘይብሉ ቅዱስነቶም እዘኻኺሮም፡ እተሓሒዞም “ንማሕበረሰብ ክርስቲያን ምስማዕ መተካእታ የብሉን” ቢሎም፥ ሊጡርጊያን ዝግበር ህዳሴ ኵሉ ናብ ህዝበ እግዚኣብሔር ዝበጽሕ ከኸውን ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፥ ካብ ጒስነትን መንፈሳውን መዳያቱ ክፍለ የብሉን፡ ኣብዚ ድማ ናይ ቲዮሎጊይ ሊቅ ኣባ ሮማኖ ጓርዲኒ፥ ስርዓተ ሊጡርጊያ ንህዝቢ ዝበጽሕን ብህዝቢ ዝብጻሕን ክኸውን ኣለዎ  ዝበልዎ ጠቒሶም፥

ኣብ ትውፊት ዝሰረተ ምዕባለ

ናብ ሱር ምምላስ ማለት ንድሕሪ ምምላስ ማለት ዘይኮነስ ሓቀይና ትውፊት ክመርሕ ምፍቃድ ማለት እዩ፡ ናይ ሊጡርጊያ መምሃራንን ሊቃውነትን “ትውፊትን ባህልን” ፈላልዩ ናይ ምርኣይ ብቕዓት ዘለዎ ክኸውን ይግባእ፥ ሎሚ እቲ ዓቢይ ፈተና ኮይኑ ዘሎ ከም ትውፊት ተመሲሉ ዝቀላቐ ድሑርነት እዩ እንክብሉ ኣጠንቂቖም፥ ሊጡርጊያዊ መጽናዕቲ “ብጸሎትን ብህያው ተመክሮ ናይታ እተብዕሎ ቤተ ክርስቲያንን ዝተቐብአ ክኸውን ኣለዎ . . . ኵሉ ሊጡርጊያ ብፍላይ ከኣ ሊጡርጊያዊ መጽናዕቲ ልክዕ ናብቲ ገዛእ ራሱ ዝሃበና ምስጢረ እግዚኣብሔር ጽባቐን ዕብየትን ንምብዓል ዝቐንዐ ስለ ዝኾነ ብኽፉት ኣእምሮ ንጸሎት ብዝዕጸፋ ኣብራኽን  ክፍጸም ድማ ኣለዎ” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 Sep 2022, 16:17