ድለ

2021.10.15 Iria Tancon, pronipote di Giovanni Paolo I 2021.10.15 Iria Tancon, pronipote di Giovanni Paolo I 

ር.ሊ.ጳ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ክንዮ ቤላቤለው ሃንደበታዊ ሞቶም ብፅዕናኦም ስዒሩ!

ኣብ ዝሓለፈ ዜናና ገሊጽናዮ ከምዝነበርና ጽባሕ ሰንበት ዕለት 4 መስከረም 2022 ዓም ነፍሰኄር ር.ሊ.ጳ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማይ፡ ብፅዕናኦም ክእወጅ እዩ። ማዕረ ኣዋጅ ብፅዕና ቤትጽሕፈት ርክባት ቅድስት መንበር ንጉዳይ ሃንደበታዊ ሞቶም ብዝምልከት ጉጅለ መርመርትን ሊቃውንትን ኣብ ቫቲካን ኣጋቢኡ ነቲ ዝነበረ ጥርጠራታት ዘብርህ መግለጺ ከቅርቡ ምዃኖም ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ነፍሰኄር ር.ሊ.ጳ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ኣብ ታሪኽ ቤተክርስትያን ንዝሓጸረ ግዜ እኳ ደኣ ር.ሊ.ጳ 34 መዓልታት ብዝብል ቅጽል ይፍለጡ ከማኡ እውን ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ድርብ ስም ብምምራጽ ቀዳማይ ኮኑ። ነቶም ቅሚኦም ዝነበሩ ክልተ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ማለት ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23ን ቅዱስ ጳውሎስ 6ይን ክብሪ ንምሃብ ክልቲኡ ኣስማቶም ደሪቦም ዮሓንስ ጳውሎስ ተባህሉ እንተኾነ ድሕሪኦም ዝሰዓቡ እውን ነዚ ድርብ ስም ስለዝመረጹ ቀዳማይ ዝብል ቅጽል ተወሰኾ። ካልእ ምስ ታሪኾም ዝተኣሳሰር ከኣ እቲ ንዓመታት ብተወላዶ ሃገረ ጣልያን ተብሒቱ ዝነበረ ማለት

ካብ ር.ሊ.ጳ ክለመንት 7ይ 1532 ኣትሒዙ ተታሓሒዙ ዝመጸ ሰንሰለታዊ ስያሜ ጣልያናውን ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ መወዳእታ ብምዃን እቲኦም ድሕሪኦም ዝሰዓቡ ካብ ሃገረ ፖላንድን ጀርመንን ኣርጀንቲናን ኮኑ።

ቀንዲ መለለዪኦም “ፍሽኽታ ዘይፍለዮም ር.ሊ.ጳጳሳት” ትብል ኮይና ማዕረ ማዕረኡ ከኣ እቲ ሃንደበታዊ ሞቶም ብዙሕ ቤላቤለውን ምጥርጣራትን ብምፍጣር ንንውሕ ዝበለ እዋን ዝተፈላለየ ናይ ሓሶትን ፈጠራዊ ዝመስል ጽሑፋትን ከምዝወጽእ ገቢሩ።

ጉዳይ ብፅዕናኦም ካብዚ ኩሉ ውጽእ ብዝበለ መንገዲ ጽልዋኦም ትምህርቶም መንፈሳዊ ዕምቆትን ትምህርተ ንባበ መለኮታዊ መጽናዕቶምን ዘግህድን ዘነጽርን እዩ። ትማል ዓርቢ ክፍሊ ርክባት ቅድስት መንበር ምስቲ ነቲ ጉዳይ ብፅዕናኦም ዝከታተሉን ካብ ኣርጀንቲና ዝመጹ ካህን ከኣ ብኣማልድነቶም ብተኣምራት ሃንቲ ንእሽቶ ጓል ከምዝሓወየት ዝገለጹን ኮይኖም ጋዜጣዊ መብርሂ ተዋሂቡ። ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ክልቲ ንር.ሊ.ጳ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳቀድማይ ካብ ንእስነቶም ዝፈልጣን ደቂ ዓዶምን ከማኡ እውን ኣብ መንበረ ጴጥሮስ እንከለው ዝሕጋዛኦም ዝነበራ እቲቴ ማርገሪታ ማሪን ኣባል ደናግል ሕጻን ድንግል ማርያም ንሳን ጓል ማሕበረን እናቴ ቪንቸንሳ ታፋረልን ንሬሳ ቅዱስነቶም ዝረኸባን ከማኡ እውን ኣጐስማኦም ሊና ፐትሪ ጓል ሓውቶም ኣንቶንያ ኣኮኣ ዝኾኑ ቅዱስነቶም ዝሰዱላ ዝነበሩ ሓጸርቲ መልእኽታትን ብዛዕባ ቅዱስ ኣጎስጢኖስን ቅዱስ ቶማስን ዝከራኽርዎ ዝነብሩን ምኽሮምን ብዝምልከት  ምስክርነትን ክህባ ዕድል ከምዝረኸባ  እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ብድምጺ ንምክትታል!
03 Sep 2022, 17:09