ር.ሊ.ጳ. ናብ ካዛኪስታን ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተን ሰላምን ንምድንፋዕ
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 መስከረም ናብ ካዛኪስታን ንሓዋርያዊ መገሻ ክነቕሉ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዕለት 9 መስከረም ኣብ ዘውጸኦ መገልጺ ሓቢሩ፡ ቅዱስነቶም ኣብዚ መበል 38 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣብቲ ኣብ ኑር ስሉጣን ኣብ ዝካየድ ሻብዓይ ጒባኤ መራሕቲ ዓለምን ሃይማኖታትን ክሳተፉን ኣብታ ሃገር ንዘሎ ውሑድ ግና ከኣ ውዕዉዕ ካቶሊክ ህብረተሰብ ኣብ እምነት ከጽንዑ ምዃኖም የመላኽት።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 13 – 15 መስከረም ኣብ ካዛኪስታን ዘካይድዎ ምብጻሕ ብሓገዝ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ዓለም ሰላም ንምድንፋዕ ዝሃቀነ ከም ዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፡ ካዛኪስታን ቅዱስ ኣቦና ምብጻሕ ዘካይዱላ መበል 57 ሃገር ከም እትኸውን ኣፍሊጦም።
እዚ ምብጻሕ እዚ ኣብ ኣሰር እቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ድሕሪ እቲ ዕለት 11 መስከረም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ኣብ ልዕሊ ማንታ ግንብታት ድሕሪ ዝተፈጸመ ዘስካሕክህ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ነዊሕ ከይጸንሑ ናብ ካዛኪስታን ምብጻሕ ዘካየዱ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ከም ዝኾነ እውን ኣዘኻኺርም፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብቲ ዘካየድዎ ምብጻሕ እውን ኣብ ካዛኪስታን ኣብ መንጐ ካዛክን ሩሲያውን ኡክራይናውን ካልኦት ካብ ዝተፈላለያ ባህልታት ዝተዋጽኡን ናይ ዝተፈለለያ ሃይማኖታት ሰዓብቲ ዝንበር ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ኣድኒቖም ከም ዝነበሩ እውን ብሩኒ የዘኻኽሩ።
ኣብ ኣሰር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ
ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቅድሚ ሕጅ ኣብ ካዛኪስታን ምብጻሕ ዘካየዱ እንኰ ር.ሊ.ጳ. ከም ዝኾኑ ናይቲ ዘካየድዎ ምብጻሕ መሰረታዊ መልእኽቱ እውን ባዕሎም ከም ዝገለዎ፥ “ሃይማኖታት ናይ ግጭት ቦታ ክዀና ኣይክእላን” ዝብል ከም ዝነበረ የዘኻኽሩ።
ሻብዓይ ጒባኤ መራሕቲ ሃገራትን ሃይማኖታትን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ በርገሳውያን ሰበ ስልጣንን ናይ ሃይማኖታትን ኣቢያተ ክርስትያንን መራሕቲ ዝቐረበሎም ዕድመ ብምቕባል ኣብቲ ኣብ ኑር ሱልጣን ኣብ ዝካየድ ሻብዓይ ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ መራሕቲ ሃገራትን ሃይማኖታትን ክሳተፉ እዮም። ኣብቲ ካብ ዕለት 13 – 15 መስከረም ኣብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ኣብታ ቀደም ኣስታና ሎሚ ኑር ሱልጣን ተባሂላ ኣብ እትጽዋኦ ርእሰ ከተማ ካዛኪስታን ክእንገዱ እዮም። ኣብቲ ዓውደ ጒባኤ መራሕቲ ሃገራትን ሃይማኖታትን መደረ ከስምዑ እዮም። ብሓባር ምስ ኮሎም መራሕቲ ናይ ጽሞና ጸሎት ከካይዱን ምስ ነፍሲ ወከፍ መራሕቲ ሃይማኖት ክራኸቡን ከም ዝኾኑን ኣብዚ ጒባኤ እዚ ኣብ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ክሳተፉ ከም ዝኾኑን ኣብ ፍጻሜ እቲ ዓውደ ጒባኤ ኵሎም መራሕቲ ሃይማኖት ናይ ሓባር መግለጺ ከውጽኡ ትጽቢት ከም ዘሎ ብሩኒ ኣፍሊጦም፥ እዚ ጒባኤ መራሕቲ ሃገራትን ሃይማኖታትን ኣብ 2003 ዓ.ም. ዝጀመረ ኮይኑ ኣብ ርእሰ ከተማ ካዛኪስታን ኣብ ነፈሲ ወከፍ ሰለስተ ዓመት ዝካይድ ከም ዝኾነን እቲ ናይ መወዳእታ ማለት ሻድሻይ ጒባኤ ኣብ 2018 ዓ.ም. ከም እተኻየደን ብምኽንያት ለብዒ ኮቪድ 19 ድማ እቲ ሻብዓይ ዓውደ ርክብ ኣብ 2022 ዓ.ም. ካብ ዕለት 13 – 15 መስከረም ክካየድ እዩ።
ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ኣብ ካዛኪስታን ውሑድን ውዕዉዕን
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ካዛኪስታን ኣብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ኵሉ ዘስምዕዎ መደረታት ብቋንቋ ጣልያን ከም ዝኸውንን ትርጒም መደረታቶም እውን ክቐርብ ከም ዝኾነን ቅዱስነቶም ንማሕበረሰብ ካቶሊክ ኣብ ካዛኪስታን መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑ እዮም። ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ኣብ ካዛኪስታን ውሑድ ግን ውዕውዑ ክፍሊ ሕብረተሰብ ከም ዝኾነን ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ካቶሊካዊ ማሕበርሰብ 1 ሚእታዊ ዝሽፍን ኮይኑ እቲ ሰብዓ ሚእታዊ ሱናዊ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና እቲ 26 ሚእታዊ ብቐንዱ ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ሰዓብቲ ዝርከብዎም ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሰዓብቲ ዝውክል ከም ዝኾነ ብሪኒ የመላኽቱ።
ኣብዚ ሓዋርያዊ መገሻ እዚ ቅዱስነቶም ብናይ ጳጳሳዊ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ከምኡ እውን ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ክስነዩን ናይ ዝተፈላለያ ዜና ማዕከናት ልኡካን ጋዜጠይናታት ከምቲ ልሙድ ኣብዚ ጒዕዞ እዚ ከሰንይዎምን ኣብ ምምላሶ ምስቶም ዘሰንይዎም ጋዜጠይናታት ቃለ መሕትት ከካይዱ ትጽቢት ድማ ይግበር ዝበሉ ብሩኒ ኣስዒቦም፥ እቶም ዘሰንይዎም ጋዜጠይናታት ልዕሊ ሰብዓ ከም ዝኾኑን ኣፍሊጦም።