ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ድሕነትና ዝተሰቕለ ኢየሱስ እዩ!

ናብ ምድሓንናን ዳግም ልደትናን ትንሳኤናን ዝወስድ መገዲ “ነቲ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ምጥማት እዩ።” ካብ መስቀል ክርስቲያን ጽልኢ ዘይኮነስ ፍቕሪ ዘይምግዳስ ዘይኮነስ ርህራሄ ኣይኮነን ሕነ ምፍዳይ ዘይኮነ ይቕረ ምባል እያቶም ዝመሃሩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 14 መስከረም ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት ኣርባዕተን ኣርብዓን ሓሙሽተን ደቓይቕ ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ ብናይታ ሃገር ጳጳሳትን ካህናትን ተዓጂቦም ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ክርስቲያን ካብቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስ፥ “ጽልኢ ዘይኮነስ ፍቕሪ፥ ዘይምግዳስ ዘይኮነስ ርህራሄ ሕነ ምፍዳይ ዘይኮነስ ይቕረ ምባል” እዩ ዝመሃር ዝብል ሓሳብ ዘስመሩሉ ስብከት ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ቀዳማይ ምንባብ ካብ ዘህልቁ ምዕ. 21 ካብ ፍቕዲ 4 – 9ን ካብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 3 ካብ ፍቕዲ 13 – 17 ዝተወስዱ ምንባባት ኣሞርኩይዞም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ “መስቀል ናይ ሞት ምልክት እኳ እንተኾነ ዕለት 14 መስከረም ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን በዓለ መስቀል እተብዕለሉ ዕለት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥ “ኢየሱስ ንዅሉ ሓጢኣትና ክፍኣት ዓለምን ብፍቕሪ ከም ዝሰዓሮ” ዘረጋግጽ ምልክት እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ዝቐትል መርዛም ተመን ዘድሕን ተመን

ቅዱስነቶም እቲ ኣብ ቀዳማይ ምንባብ ዝተገልጸ ዝቐትል ተመንን ዘድሕን ተመንን ተነጻጻሪ ምስልታት ጠቒሶም፥ እንከብርሁ፥ እስራኤላውያን ብምድረ በዳ ኣቢሎም ናብ ቅድስቲ መሬት ክጓዓዙ እንከለዉ ኣብ ኣምላኽን ኣብ ተስፋታቱን ዝነበሮም እምነት ኣጥፍኦም ብዝቐትሉ ኣትማን ከም እተነኽሱን፥ እዚ ኸኣ ኣብ ዕለታዊ ጒዕዞ ህይወትና ኣብ ውልቃውን ማሕበራውን ህይወት ኣብ ጐይታን ኣብ ነንሕድሕድናን ዘለና እምነት ዝፈሽለሉ ህሞት ብቐረባ ክንምርምር ዝሓትተና ቃል እዩ። ብተወሳኺ እውን ነዚ ታሪኽ እዚ ምስቲ ካዛኪስታን ዘሕለፈቶ መሪር እዋን ኣተሓሒዞም፥ ዓመጽ ኣምላኽ የለን ዝብል ባህልን ስደትን ከምኡ እውን ኣብ ውልቃዊ ናጽነትን ሰብኣዊ ክብርን ዝተፈጸመ መጥቓዕትን ዘዘኻኽር እዩ። ሰላም ሓንሳብ ንሓዋሩ ኣይርከብን እዩ፡ ካዛኪስታን ብሕውነትን ዘተን ምርድዳእን እናዐበየት ክትቕጽል እንተኾይና ብወገን ኵሉ ተወፋይነት ይድሊ፥

ግናኸ ቅድሚኡ እውን እንተኾነ ኣብ ጐይታ ዘሎና እምነት ከነሕድስ የድሊ። ንላዕሊ ክንጥምት ናብኡ ከነተኵር ካብቲ ኵላውን ዝተሰቕለን ፍቕሩ ክንመርሃ የድልየና!

ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ጠመተና ኣብ ኢየሱስ ምንባር

ቅዱስነቶም ኣብቲ ናይ ዕለቱ ምንባብ ዝተነግረ ‘ዘድሕን ተመን’ ዝብል ካልኣይ ምስሊ ጠቒሶም፥ ኣምላኽ ነቲ ሰብኡትን ኣንስትን ኪስዕብዎ ዚመርጽዎ ርዅስን ከንቱን ነገር ኣየጥፍኦን እዩ። የግዳስ ኢየሱስ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ዘተንስኦ ናይ ኣስራዚ ተመን ኣብ መስቀል ተሰዊኡ ኣብ መንጐና ይመጽእ።

ሕሰምና ኣብ ምግጣም እግዚኣብሔር ሓድሽ ኣድማስ ይህበና፡ ኣብ መስቀል መርዚ ሓጢኣትን ሞትን ናቱ ይገብሮ ነቲ ናይ ጥፋኣት ሓይሊ ድማ ይጭፍልቖ፡ ስለዚ ጠመተና ናብ ኢየሱስ ዘተኵር እንተድኣ ኮይኑ ደጊም ስንጥቕ ክፍኣት ክስዕረና ኣይክእልን እዩ።

እቲ ደረት ኣልቦ መለኮታዊ ምሕረት ድማ ኢየሱስ ምእንታና ሓጢኣትናን ሞትናን ናቱ ገበሮ ማለት እዩ!

ናብ ምድሓንናን ዳግም ልደትናን ትንሳኤናን ዝወስድ መገዲ “ነቲ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ምጥማት እዩ።” ካብ መስቀል ክርስቲያን ጽልኢ ዘይኮነስ ፍቕሪ ዘይምግዳስ ዘይኮነስ ርህራሄ ኣይኮነን ሕነ ምፍዳይ ዘይኮነ ይቕረ ምባል እያቶም ዝመሃሩ። ክርስቶስ ኣብ መስቀል ነዚ እዩ ብግብሪ ናይቲ ልዙብ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ምሕቋፍን ከምኡ እውን ነቲ ንሓድሕድናን ንዅሉ ሰብን ክህልወና ዝተጸዋዕናዮ ሕውነታዊ ፍቕሪ የርእየና ምስ በሉ፥ ክርስቲያን “ካብቲ ዝተወግአ ጐድኒ ኢየሱስ ዳግማይ ክውለድ” ከም ዘለዎ ቅዱስነቶ ብኣጽንዒት ብምዝኽኻር፡ “ካብ መርዚ ሞት ሓራ ክንከውን” ብጸጋ ኣምላኽ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ክርስትያን ክንከውን ናይ ሓድሽ ህይወት ፍቕርን ሰላምን ሓጐስን መሰኻኽር ክንከውን” ንጸልይ እንክብሉ ዝለግስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

15 Sep 2022, 16:39