ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ትካላት ትምህርቲ ኵሉ ተቐባልነት ዝረኽበሉ ናይ ውህደት ቦታ ይዅኑ! ር.ሊ.ጳ.፥ ትካላት ትምህርቲ ኵሉ ተቐባልነት ዝረኽበሉ ናይ ውህደት ቦታ ይዅኑ!  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፥ ትካላት ትምህርቲ ኵሉ ተቐባልነት ዝረኽበሉ ናይ ውህደት ቦታ ይዅኑ!

ብሄራው ቋንቋውን ሃይማኖታውን ብዙሕነት ሃብቲ እምበር ንሓባራዊ መጻኢ ዕንቅፋት ኣይኮነን፥ ዕንቅፋት ተገይሩ ክሕሰብ የብሉን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 29 መስከረም ኣብቲ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ዘዳለዎ፥ ዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣባይቲ ትምህርትን፥ ኣብ ዝመክር ዓውደ ጒባኤ ተግባእያን ተቐቢሎም ትካላት ትምህርቲ ማንም ዘይንጽል ኵሉ ተቐባልነት ዝረኽበሉ ዝሕለወሉን ናይ ምውህሃድ ስፍራን ኣብዚ መዳይ እዚ ዘገልግል ክኸውን ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብቲ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ፥ “ስደተይናታት ተመዛበልትን መደብ ትምህርትን” ብዝብል መርሕ ቃል ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ጒባኤ ተጋባእያን፥ ኣባይቲ ትምህርቲ ንዅሉ ሓንጎፋይ ቢሉ ዝቕበል ንስደተይናታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብፍላይ ከኣ ንቘልዑን መንእሰያትን ኣብ ዘድልዮም ነገራት” እተመስረተ መደብ ዝስትንተሉ ስፍራ ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ እቶም ስደተይናታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ካብ ሃገሮም ቤቶም ዝተሰዱ እውን እንተኾኑ ትምህርቲ ናይ ምርካብ ዕድሎም ክኽበርን ትምህርቶም ክቕጽሉ ድላይ ዘለዎም ምዃኖም ከይርሳዕ ሓደራ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብዙሕነት ሃብቲ እዩ

ብሄራው ቋንቋውን ሃይማኖታውን ብዙሕነት ሃብቲ እምበር ንሓባራዊ መጻኢ ዕንቅፋት ኣይኮነን፥ ዕንቅፋት ተገይሩ ክሕሰብ የብሉን

ቅዱስነቶም ነቶም ኣዚዮም ንሓደጋ ዝቃልዑ ንምሕጋዝ ተቛማት ብፍላይ ከኣ ኣብዚ መዳይ መንእሰያት ክዋስኡ ምትብባዕ ከም ዘድልን፥ ኵለን ትካላት ትምህርቲ ንማንም ብዘይ ምንጻል ንዅሉ ዝቕበላን ዝኸላኸላን ዕብየትን ውህደትን ዝረጋገጸሉ ስፍራ ክኾና ተጸዊዔን እየን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ምርምር

ቅዱስነቶም ብዛዕባ እቲ “ ናይ ዘይምስዳድ መሰል” ተባሂሉ ዝግለጽ ክፋል ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘማእከለ ፍልዩን ተወሳኽን መጽናዕቲ ምክያድ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ ብዛዕባ ጠንቂ ስደትን ብዛዕባ እቲ ሰባት ናብ ካልኦ ትሃገራት ክስደዱ ዝድርኾም ዓመጻን ግጭትን ከምኡ እውን እቲ ኣብ ልዕሊ ከባቢ ዝፍጸም ዓመጻን ምዝመዛን  ምሕሳብ ኣድላዩ እዩ። ምሁራት ብፍላይ ካቶሊካውያን ምሁራት ነቶም ኣብ ሓባራዊ ቤትና ዘለዉ መራሕቲ ዚገብርዎ ውሳኔታት ክመርሕ ዝኽእል ንስነ ምህዳራዊ ብድሆታት መልሲ ኣብ ምሃብ ተራ ክጻወቱ ዝሕግዙ ክኾኑ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ትምህርቲ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንስደተይናታት ዝጠቕም ትምህርታዊ መደብ ንምኽዋን ተወፋይነት ዘድሊ ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ድሮ ኣብዚ መዳይ እዚ ብዙሕ ዝተፈጸመ እውን እንተኾነ፡ ግና ካልእ ብዙሕ ዕማም ይጽበየና ኣሎ፡ ነቶም ኣዚዮም ብድኽነት ዝተጠቕዑ ቀዳምነት ክወሃቦም ከም ዘለዎን ትካላትን ህንጸትን ትምህርትን ንጠለባት ስደተይናታት መልሲ ክህብ ዝኽእል ክፍሊ ትምህርቲ ከቕርብን ኣብዚ መዳይ እውን ናይ ትምህርቲ ዕድል ክፍጠርን ንረብሓ ስነ ምርምር ጥራሕ ዝ ዘይኮነስ ንረብሓ ምርኻብን ምውህሃድን ብዝሃቀነ ኣገባብ፥

ኣብ ናይ ሓባር ሰብኣውነት ክንዓቢን ብሓባር ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝዓበየ ናይ ሓባራውነት ስምዒት ክንሃንጽን ንኽእል ኢና። ንሓድሕድካ ክፉት ምዃን ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ራእያትን ልምድታትን ፍረ ዘለዎ ምልዋጥን ሓድሽ ምርዳእ ክህሉ ክፉት ኣእምሮ ክህልወካ ይገብር!

ኣስዒቦም፥ ምስ ስደተይናትትን ኣብ ጉዳይ ስደተይናታት ዘገልግሉ ሰራሕተይናታትን መምሃራንን ፍሉይ መያዊ ስልጠና ክወሃብን ትርጉም ዘለዎ ርክባትን ዕድላትን ክሰፍሕ ከም ዘለዎ ኣጒሊሖም፥ መምህራንን ተመሃሮምን ዛንታ ናይ ስደተይናታት ክሰምዑ ዕድል መእንቲ ክረኽቡ . . . ካቶሊካውያን ኣባይቲ ትምህርቲ ነቶም ናይ ጽባሕ ኣመሓደርቲ ሰብ ሃብትን መራሕቲ ባህልታትን፥ ፍትሒ ዓለም ሓቆፍ ሓላፍነትን ሕብረት ኣብ ብዙሕነትን ክስቆሮም ንጹር ዛዕባ ክስተት ስደትን ስደተይናታትን ርድኢት ክህልዎም ዝድርኽ ይዅን ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ማሕበራዊ ምዕባለ

ምእንቲ ማሕበራዊ ምዕባለ መናብርተ ጥበባት ምስቲ ዝንቀሳቐስ ማሕበራዊ ኵነታት ዝራኸባ ክኾና፥ ከምኡ እውን ብሄራዊ ቋንቋውን ሃይማኖታውን ብዙሕነት ሃብቲ እምበር ንሓባራው መጻኢ ዕንቅፋት ከም ዘይኮነ ክስትውዓል ንዝድግፍ ሕንጸት መሰረት ኣብ ምልላይ ዝሕጋዛ ክኾና ኣለወን ቢሎም፡ እዚ  መንእሰያት ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ምሕጋዝ ኣብ ዝዋፈራ ማሕበራት ከም ወለንተይናታት ክዋስኡ ኣብ ምትብባዕ ፍሉይ ዕድል ዝህብ እውን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ኣብ ሓለም ዓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን፥ ዝሓሸ መጻኢ ንምሕናጽ ምስ ስደተይናታት ክንተሓባበርን ክንሰርሕን ኣሎና እንክብሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ዘኪሮም፡ ስደተይናታት ኣብ ማሕበራውን ቁጠባዊ ዕብየት ሕብረተሰብ ዓቢይ ግደ ከም ዘለዎም ታሪኽ ይምህረና። ሎሚ እውን ከይተረፈ። እቶም ስደተይናታት ዘለዎም ኒሕን መስዋዕቲ ንምኽፋል ዘለዎም ድልውነትን ስርሖምን ነቶም ዘአንግድዎም ሕብረተሰብ ዘሀብትም እዩ። እዚ ኣበርክቶ እዚ ድማ ብጥንቃቔን ብውዳቤን ብዝተዳለወ መደባትን ተበግሶታትን እንተ ድኣ ተሰንዩ ብሉጽን ዓቢይ ድጋፍን እዩ ዝኸውን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ምእንጋድ ምክልኻል ምንቕቓሕን ምውህሃድን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ መደረኦም፥ ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፉ ኣብ መዳይ ምርምርን ኣስተምህሮን ማሕበራዊ ምድንፋዕን ኣብ ዝገበርዎ ዕዮ በቲ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን፥ ምእንጋድን ምክልኻልን ምንቅቓሕን ምውህሃድን ኣብ ዝብሉ ኣርባዕተ ቃላት ዝጸንዔ ብእተቕርቦ ትምህርታ ክምራሕ ተላብዮም፥ ንዅሎም ተጋባእያን ድማ ስለይ ጸልዩ ሓደራ ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ኣብ ዕዮታቶም ክጸንዑ ኣተባቢኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።  

30 September 2022, 16:26