ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ህይወትካ ንእግዚኣብሔር ንምልላይ ልብኻ ምስማዕ!
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 መስከረም ነቲ ብዛዕባ ምስትውዓል ወይ ልልያ ኣብ ዝምልከት ርእሰ ጒዳይ ዘበገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል ኣብ ተመክሮ ህይወት ቅዱስ ኢግናጽዮስ ዘለዮላ ተመርኵይዞም፥ ኣብ እግሩ ብዘጋጠመ መውጋእቲ ምኽንያት ንኽሓዊ ኣብ ቤት ክቕመጥ ግድን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብዚ ኵነት እዚ እንከሎ ብዛዕባ ህይወቱ ክሓስብ ኣጋጣሚ ይረክብ፡ እግዚኣብሔር ብዘይ መደብ ፍጻሜታት እዩ ዝዓዪ፡ ንዘይተጸበናዮ ነገራት ዝህቦ ግብረ መልሲ ምልላይን ንሱ ድዩ ዝዛረብና ዘሎ ወይስ ካልእ ንምርዳእ ምፍታንን የድሊ እንክብሉ ትምህርቶም ከም ዘበገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ምስትውዓል - ልልያ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ እተወፈየ ዘቕርብዎ ዘለዉ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል ነቲ ካልኣይ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ኣብ ናይ ቅዱስ ኢግናዚዮ ዘለዮላ ዓሚቝ መንፈሳውነት ኣብ ምስትውዓል ዘማእከለ ከም ዝኾነን እዚ እውን ኣምላኽ “ከይተጸበኻዮን ከምኡ እውን ኣብ ዕንቅፋታት” ብኸመይ ህልው ኮይኑ ብጭቡ ከም ዝዓዩ “ ከምዘብርሁን፥ . . . ኢግናጽዮስ ዘለዮላ ገዳማዊ ሕይወት ክመርጽ ዝደረኾ መገዲ፥ መገዲ ምስትውዓልን - ልልያን ምንባር ሓቢሮም፥
ምስትውዓል ነቲ ጐይታ ኣብ ዘይተጸበኻዮ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ኣብቲ ደስ ዘየብል ጸገም ኣብ ዘለሉ ከምቲ ቅዱስ ኢግናጽዮስ ዘለዮላ ዝገበሮ - ክራኸበካ ከም ዝፈቅድ ዝሕብሩ ምልክታት ንኸተለልይ ዝሕግዝ እዩ። ካብዚ ልልያ እዚ ንዘለኣለም ህይወትካ ዝቕይር ኣጋጣሚ ክውለድ ይኽእል።
ንኢግናጽዮ ናብ ምስትውዓል ዝመርሖ ንባባት
እቲ ኣብ እግሩ መውጋእቲ ዘጋጠሞ መንእሰይ ንኽሓዊ ኣብ ቤቱ እንከሎ ግዜ ይነውሖ ስለ ዝነበረ ድማ ዝንበብ መጽሓፍቲ ይደሊ፡ ኣብቲ ዝነበሮ ቤት ግና ናይ ቅዱሳት ታሪኽ ዝነገር መጻሕፍቲ ጥራሕ እዩ ዝነበረ . . . በቲ ብፍላይ ብቃላት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ቅዱስ ዶመኒኮን ኣዚዩ ድማ ተመሰጠ፡ ነዞም ቅዱሳት እዚኣቶም ንኽመስል ድሌት ይሓድሮ፡ ይዅን እምበር እቲ ተዋጋኣይ ፈረሰይና ምዃኑ እውን ካብ ውሽጡ ኣይተላቐቐን ስለዚህ ኣብ ውሽጡ እዚ ክልተ ድሌት ዝተሓዋወሶ ከም ዝነበረ ድማ ቅዱስነቶም ገሊጾም፥
ናይ ዓለም ሓሳባትን ናይ እግዚኣብሔር ሓሳባትን
ኣብቲ ህሞት እቲ እንከሎ ኢግናጽዮ ፍልልያት ከም ዘሎ ከስተውዕል ይጅምር፥ እዚ ድማ ናይ ዓለም ነገራት ክሓሳብ እንከሎ ብዙሕ ባህታ ይስምዖ እሞ እዚ ባህታ እዚ ከምቲ ቀልጢፉ ደበኽ ዝበሎ ቀልጢፉ ድማ ይቕህም እዚ ኸኣ ባዶነት ተስፋ ምቝራጽ ክስምዖ ይገብሮ፡ ጥራሕ እግሩ ናብ ኢየሩሳሌም ክጓዓዝን ብጀካ ኣሕምልቲ ካልእ ከይምገብ ክሓስብ እንከሎ ዝፈጥረሉ ዝነበረ ሓጐስ ቀጻሊ ኮይኑ ይስምዖ . . . እወ ሓሳባት ዓለም ኣብ መጀመርታ ማራኺ እዩ ደሓር ግና ንበይንኻ ኣልቦ ዕጋበት ገይሩ ይርሕርሓካ፡ በንጻሩ ሓሳባት ኣምላኽ ግና ኣብ ፈለማ ውሱን ተቓውሞ እዩ ዘለዓዕል ምስትቕበሎ ግና ሰላም የምጽእ፥ ዘይቕህም ምስ ግዜ ዝጸንሕ ዕጋበት።
ልብኻ ብምስማዕ ምስትውዓል
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ኣብ ምስትውዓል ቅድሚ ኵሉ ናይ ገዛእ ርእስኻ ታሪኽ ምፍላጥ ኣድላዪ ምዃኑ የነጽሩ፡ እቲ ድሮ ዝተነብረ፡ ቍሩብ ርሑቕ ኣብ ዝተጓዓዝናሉ እዋን ድማ ስለምንታይ እቲ እንጓዓዘሉ ዘሎና መገዲ ከም ዝሓረናዮ ገዛእ ርእስና ክንሓትት ንጅምር፡ እዚ ድማ ምስትውዓል ወይ ልልያ ይበሃል።
ኢግናጽዮ እግሩ ምስ ተወገአ ክሳብ ዝሓዊ ኣብ ገዝኡ ክጸንሕ ምስ ተገደ ይትረፍ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ብዛዕባ ህይወቱ እውን ሕቶ ከቕርብ ጠሪሹ ኣይተጸበዮን፥ ልቡ ጽን ክብል ምስ ዝጅምር ግና ንፈለማ ግዜ ተመክሮ እግዚኣብሔር ይገብር፥ . . . እቲ ቀንዲ ልብኻ ጽን ምባል እዩ!
እንታይ ከም ዘጋጥም እንታይ ውሳኔ ክትወስድ ከም ዘለካ ክተፈልጥ ኣብ ሓደ ኵነታት ፍርዲ ክትህብ ልብኻ ጽን በል! ብዙሕ ነገራት ኢና እንሰምዕ፥ ራዲዮ ተለቪዥን ወዘተርፈ ንሰምዕ . . . ደው ቢልና ልብና ክንሰምዕ ንኽእል ዶ? . . . ሰናይ ውሳኔ ንምግባር ልብኻ ምስማዕ የድሊ!
ኣብ ህይወት ዘጋጥም ፍጻሜታት ነጥቢ መቐይሮ ኪኸውን ይክእል
እቲ ቅዱስ መስራቲ ማሕበር ኢየሱሳውያን፥ “ታሪኽን ገድሊ ቅዱሳን ንኸነንብብ ይላበው፡ ምኽንያቱ ኣብ ዝተፈላለየ ሰባት መደብ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝነበረን ከም ዝኾነን ዝነግር እኳ እንተኾነ ብዘይተፈልየ ኣገባብ እውን ኣብ ህይወትና መደባት ኣምላኽ ንኽንርዳእ ስለ ዝሕግዘና እዩ” . . . እቲ ቀንዲ ቅዱስ ኢግናጺዮ ዘሎዮላ ዝህቦ ትምህርቲ ድማ፥ “ኣብ ህይወት ዘጋጥም ፍጻሜታት ነጥቢ መቐይሮ ኪኸውን ከም ዝኽእል እዩ፥” እግዚኣብሔር ኣብ ህይወተይ እንታይ ይብለኒ ቢልና ንነብስና ክንሓትት ይግባእ፡ ኢግናጽዮ ኣምላኽ እንታይ ከም ዘመልክተሉ ምስ ተረድአ ኵሉ ኣቃልቦኡ ናብኡ ኣወፈየ፥”
ኣብ ናይ ሕይወት ኣጋጣምታት መን ከም ዝዛረበካ ምስትውዓል የድሊ፥ ዲያብሎስ ድዩ ወይስ ጐይታ_. . .
ቢሎም፥ እቲ ዝጸበቐ ኣብቲ ዘይተጸበናዮ ነጋራትን በዚ ኣንፈት እዚ ኣብ እንገብሮ ኣገባብ ጉዕዞን እዩ፥ ስለዚ ክንጥንቀቕ ዘሎና እግዚኣብሔር ድዩ ወይስ ካልእ እዩ ዝዛረበና ምፍላጥ እዩ፥ እዚ ኸኣ ምስትውዓልን ልልያን ንኽንገብር መታን እዩ እንክብሉ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻው ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።