ድለ

ፍራንቸስኮ ኣብ ማተራ ዝተሃንጸ ቤተ መኣዲ ሕውነት ባሪኾም

ናይ ከተማ ማተራ ከንቲባ ዶመኒኮ በርናርዲ እውን ብወገኖም፥ “ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓጐስ ዘነቓቕሕን ሓደ ካብቶም ብርቅን ክቡራትን ኣጋጣምታት ከም ማሕበርሰብ ክንእከበሉ እንኽእል ኵሉ ዝውክሉ እዮም”

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመዛዘሚ መበል 27 ናይ ኢጣሊያ ብሔራዊ ጒባኤ ቅዱስ ቍርባን ድሕሪ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ “ኣባ ጆቫኒ መለ” እተሰምየ ሓድሽ ዝተሓንጸ ቤተ መኣዲ ሕውነት ምብጻሕ ኣካይዶም’ ምስቶም ኣብቲ ቤተ መኣዲ ዝሰርሑ ወለንተይናታትን ነቲ ቤት ኣብ ምህናጽ ምስ ዝተሳተፉን ኵሎም ተራኺቦም ሰላምታ ምስ ተለዋወጡ፡ ነቲ ቤተ መኣዲ ሕውነት ከም ዝባረኹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ 31 ዓመት ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 27 ሚያዝያ 1991 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ማተራ ዕለት መስከረም 25 ምብጽሕ ከም ዘካየዱን ር.ሊ.ጳ. ኡርባኖ ዳግማዊ ኣብ 1093 ዓ.ም. ኣብታ ከተማ ምብጻሕ ኣካይዶም ከም ዝነበሩ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር ዝጥቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ ከተማ ማተራ ከንቲባ ዶመኒኮ በርናርዲ እውን ብወገኖም፥ “ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓጐስ ዘነቓቕሕን ሓደ ካብቶም ብርቅን ክቡራትን ኣጋጣምታት ከም ማሕበርሰብ ክንእከበሉ እንኽእል ኵሉ ዝውክሉ እዮም” እንክብሉ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ይገልጹ።

26 Sep 2022, 15:20