ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ካዛኪስታን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ንቕድስቲ ድንግል ማርያም ኣወኪፎም ር.ሊ.ጳ. ኣብ ካዛኪስታን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ንቕድስቲ ድንግል ማርያም ኣወኪፎም 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ካዛኪስታን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ንቕድስቲ ድንግል ማርያም ኣወኪፎም

ናይቲ ጒባኤ መርሕ ቃል፥ “ተራ መራሕቲ ዓለምን ሃይማኖታትን ኣብ ማሕበረ መንፈሳዊ ምዕባለ ደቂ ሰብ ድሕሪ ለበዳ ኮሮና ተህዋስ” ዝብል ከም ዝኾነ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 መስከረም ንመበል 38 ሓዋርያዊ ዑደት ናብ ካዛኪስታን ቅድሚ ምንቃሎም ከምቲ ልሙድ ንሓዋርያዊ መገሻ ቅድሚ ምንቃሎምን ኣብ መልሶምን ከም ዝገብርዎ  ዕለት 12 መስከረም ሮማ ናብ ዝርከብ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ቅዱስ ምስሊ ናብ ዝተብሮ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ብምኻድ እቲ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ሕድሪ ከም ዝሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም ኣብ ፊት ቅድሚ ምስሊ ቅድስተ ማርያን ድሕነት ሮማውያን ናይ ጽሞና ጸሎት ፈጺሞም ኣብ ትርጋጽ እቲ ቅዱስ ምስሊ ቁኑን ዕምባባ ከም ዘንበሩ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ኣብቲ ሻብዓይ ጒባኤ መራሕቲ ዓለምን ሃይማኖታትን ኣብ ዝካየደላ ኣብ ማኣከላይ እስያ ናብ እትርከብ ሃገረ ካዛኪስታን ክበጽሑን ኣብቲ ጒባኤ ክሳተፉን ነቶም ኣብ ካዛኪስታን ዝርከቡ ውሁዳን ክቶሊካውያን ኣብ እምነት ከጽንዑ ምዃኖም የመላኽት።

ናይቲ ጒባኤ መርሕ ቃል፥ “ተራ መራሕቲ ዓለምን ሃይማኖታትን ኣብ ማሕበረ መንፈሳዊ ምዕባለ ደቂ ሰብ ድሕሪ ለበዳ ኮሮና ተህዋስ” ዝብል ከም ዝኾነ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣትሓሒዙ፥ ቅዱስነቶም ነዚ ዘካይድዎ ሃዋርያዊ መገሻ ምስ ናይ ካዛኪስታን ርእሰ ብሔርን ናይ መንግስቲ ላዕለዎት ኣካላትን ኣብታ ሃገር ምስ ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ሃገራት ሉእካነ መንግስታትን ላዕለዎት ኣካላት በርገሳውያን ማሕበራትን ብዝገብርዎ ርክብ ሓዋርያዊ መገሻኦም ከበገሱ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

13 Sep 2022, 10:02