ር.ሊ.ጳ. ንመንፈሳውያን ነጋዶ ኣርጀንቲና፥ ‘ብሓገዝ ኣምላኽ እንታይ ክግበር ከም ዝከኣል ኣስተውዕሉ!'
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት እቲ ብሃገር ደረጃ ንቅድስቲ ድንግል ማርያን ዘሉሃ እተወፈዩ “ናብቲ ቤተ ክርስቶስ” ተባሂሉ ናብ ዝጽዋዕ ቅዱስ ስፍራ ብዘካይድዎ መንፈሳዊ ንግደት፥ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉን እቶም መንፈሳውያን ነጋዶ ነቲ “ኣርጀንቲውያን ካብ ዕጸ ፋርስ ናጻ ዝኾነ ሕብረተሰብ” ዝብል ዘካይድዎ ንዘለዉ ወፍሪ የተባብዑ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣብ እቶም ነቲ መንፈሳዊ ንግደት ዘካይዱ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሉሃ እተወፈዩ ናብቲ ቤተ ክርስቶስ እተሰምየ ቅዱስ ስፍራ ዘካይድዎ ብዘለዉ መበል 15 ብሔራዊ መንፈሳዊ ንግደት ምኽንያት ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ቦኖስ ኣይረስ ኣብ ዝርከብ ሉና ፓርክ ናይ ስፖርት ሜዳ ከም ኣተመሓላለፈን እቲ ናይ ለምዘበን መንፈሳዊ ንግደት መርሕ ቃል፥ “ናይ ተስፋ ንግደት፥ ብሰንኪ እጸ ፋርስ ዝውለድ ሕጻን ዘይብላ ሃገር ንምዃን ኣይፋል” ዝብል ምዃኑ እውን ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ዘኪሮም፥ መንፈሳዊ ንግደት ምስክርነት እውን እዩ፥ ብሓይሊ ኣምላኽ እንታይ ክግበር ከም ዝከኣል ድማ ረኣዩ” እንክብሉ ከም እተላበዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ንግደት ሓናጺ እዩ
ር.ሊ.ጳ. መንፈሳዊ ንግደት - ሓናጺ መንፈሳውን ሰብኣውን መዳያት እንክብሉ ገሊጾም፡ ኣተሓሒዞም እውን እቲ ንግደት ካብ ዝብገስ 15 ዓመት ከም ዘቝጸረን እዚ እውን ፍረ ምስክርነት እምነት እዩ ቢሎም፥ ንግደት ምስክርነት እዩ፡ ከምኡ እውን ተስፋ እዩ፡ ኣንጻር ህይወት ዝኾነ ዕጸ ፋርስ ኣይፋል ዝብል ናይ ህይወት ባህሊ ዘነቓቕሕ ካልኣ ኣማራጺ መገዲ ዝኸፍት እውን እዩ እንክብሉ ከም ዝገለጹ ኣፍሊጡ።
እቲ ቤተ ክርስቶስ ንዝወደቐ ብኢዱ ሒዙ ዘተንስእ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ፍቕሪ ቦታን ገዛእ ርእስኻ ዳግማይ እትሓንጸሉ ዳግማይ ንምስክርነት እትዕጠቐሉ ቤት እዩ፡ ንህይወት ዘደልድል ዝሓሸ መገዲ ዝሕብር ናብ ሕብረተሰብ ዝወስድ መገዲ እውን እዩ” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ዜና ቫቲካንየመላኽት።
ዝኽሪ መበል 15 ዓመት
ቅዱስነቶም እቲ ናብ ቤተ ክርስቲያን ዝግበር መንፈሳዊ ንግደት ካብ ዝብገስ 15 ዓመት የቝጽር ከም ዘሎን እውን ዘኪሮም ነቶም መንፈሳዊ ነጋድያን “እንቋዕ ሓጐሰኵም” ቢሎም እቲ ጒጅለ መንፈሳውያን ነጋዶ ጻዕርታቱ ከየለሕልሕ ተላብዮም፡ ብዙሕ ጸገማት ዘጓንፎ እውን እንተዀነ ክሳብ ሕጂ ከም ዝበጽሔን “እቲ ዝህቦ ሓገዝ ስግኣት ንዘጋጥሞም ህጻናት ድሕነት እዩ ምኽንያቱ ብዙሓት ካብ እጸ ፋርስ ክናገፉ ገይሩን ይገብር እውን ስለ ዘሎ” ምስ በሉ፥ “እግዚኣብሔር ይባርኽኩም ንቕድሚት ድማ ክትጓዓዙ ይደግፈኵም” እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።