ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ዓለም ሓቆፍ ቅዱስ ቶማስ ዘኣኵይኖ ዓውደ መጽናዕቲ ተጋባእያን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 22 መስከረም መበል 11 ዓለም ሓቆፍ ስነ ቅዱስ ቶማስ ዘኣኵይኖም ሊቃውንቲ ዓውደ ጒባኤ ተጋባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ እቲ ጥንታዊ ትምህርቲ ቅዱስ ቶምስ ዘኣኵይኖ ምስ ናይ ዘመናዊ ዓለም ሓደስቲ ነገራት ብዘተ ዘራኽቡን ዘሀብትሙን ክዀኑ ይምዕዱ፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንተሳተፍቲ መበል 11 ዓለም ሓቆፍ ናይ ስነ ቅዱስ ቶማስ ዘኣኵይኖ ዓውደ ጒባኤ ተቐቢሎም፥ ከም ቅዱስ ቶማስ ዘኣኵይኖ ዝኣመሰለ ዓቢይ ፈላስፋ ምስዓብ ክበሃል እንከሎ፡ ብዛዕባ ሓደ ምሁር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብዛዕባ መራሕን መምህርን ምሕሳብ ማለት እውን ምዃኑ ቅዱስነቶም ገሊጾም፥ ቅዱስ ቶማስ ዘኣኵይኖ መጠቀሚ ምግባር ዘለዎ ሓደጋ
ቅዱስ ቶማስ ዘኣኵይኖ መጠቀሚ ምግባር ሓደገይና ምዃኑ ኣጠንቒቖም፥ ስለዚ ናይ ቅዱስ ቶማስ ፍልስፍናውን ቲዮሎጊያውን ስነ ምርምርን ዝወሃቦ ዝተፈላለየ ትንተና ምስቲ ናይ ቅዱስ ቶማስ ዕላማ ፈጺሙ ርክብ ዘይብሉ ካልእ ትርጒማት ብምሃብ ብዙሕ ጌጋታት ተፈጺሙን ተራእዩ እውን እዩ። ስለዚህ ናይቲ መምህር ‘ቅዱስ ቶማስ ዘኣኵይኖ’ ትምህርቲ ብግቡእ ምጽናዕ ክበሃል እንከሎ ኣስተንትኖ ዘጠቓልል ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ሓደ ሰብ ንናይ ገዛእ ርእሱ መርገጺ ንምስጓም ንጐይታ ከም መጋበርያ “ክጥቀመሉ” ከም መሳርሒ ከቕርቦ ዘይኮነስ፡ እንታይ ደኣ ነቲ ሓሳብ ኣብ ናይ ጐይታ ብርሃን እዩ ከቐምጦ ዘለዎ፥ ብናይ እግዚኣብሔር ብርሃን መታን ክምራሕ።
ናይ ቅዱስ ቶማስ ቲዮሎጊያዊ ትምህርቲ
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ዶመኒካዊ መነኰስ ናይ ቪየና ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ክሪስቶፈር ሾንበርን ኣብቲ ብዛዕባ ስድራ ቤት ኣማእኪሉ ኣብ ዝተኻየደ ሲኖዶስ፥ ብዛዕባ ናይ ቅዱስ ቶማስ ዘኣኵይኖ ቲዮሎጊያ ኣብ ዘቕረብዎ ትምህርቲ፥ “ንቶማስ ዘኣኵይኖ ተረደኣዮ ኣብራህራሃየ እምበር መጠቅሚ ኣይትግበሮ” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ዘኪሮም ነዚ መሰረት ገይሮም፡ ብዛዕባ ቅዱስ ቶማስ ቅድሚ ምዝራብና ብዛዕባ ቅዱስ ቶማስ ቅድሚ ምምሃርና ነቲ መምህር ኵለመናኡ ምስትንታን የድሊ፡ ክንየው እቲ ስነ ፍልጠቱ ከመይ ይነብር ከም ዝነበረን እንታይ ክብለና ከም ዝደልን ክስትውዓል ኣለዎ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ትምህርቲ ቅዱስ ቶማስ ንቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ብርሃን እዩ ስለዚ ነዚ ዓቢይ ምሁር እዚ ዕቤቱን ስልጣናዊ ትምህርቱን “ምቝሕ ዝገብሩን ናብ ምእምርነት ካብ ዝንክይዎም ክንከላኸል እዩ ዘሎና።
እሙን ወደ መዝሙር ንስቡእ ጥበብ
ቅዱስ ቶማስ ዘኣኵይኖ እሙን ወደ መዝሙር ስቡእ ጥበብን ደኺመ ከይበለ ወጅሂ ኣምላኽ ዝደለየ እንክብሉ ገሊጾም፥ “ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ቶማስ ዘኣኵይኖ ማለት ቅዱስ ቶማስ ንቕድስና ዝነበሮ ቅንኣትን ሃረርታን ንሰረተ ኣምነት ዝነበሮ ፍቕርን ዘዘኻኽር እዩ እሞ እቶም ናይ ስነ ቅዱስ ቶማስ ዘኣኵይኖ ሊቃውንቲ ነዚ ባህርይ ቅዱስ ቶማስ እዚ ናይ መጽናዕቶም ማእከል ክገብርዎን በዚ ዓቢይ መምህርን ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቕን ክበርሁን ክምርሑን ድማ እትፈቕዱ ኩኑ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምስ ዘመናዊ ዓለም ኣብ ዘተ ምውፋር
ብዛዕባ እምነት ብዕምቆት ንምርዳእ ዝግበር ድሌት ‘ንኣማኒ ኣማራጺ’ ዘይኮነስ ‘ክፋል ናይ ‘እምነት ድርኺት’ እዩ፡ ንኣምላኽ ምድላይ ዝግበር ዝኾነ ይዅን መጽናዕቲ ብጸሎትን ኣስተንትኖን ክካየድ ኣለዎ፡ ስለዚ ነዘን ክልተ ኣኽናፍ እምነት ዝኾና “ጸሎትን ኣስተንትኖን” ምጥቓም። ከምዚ ዝገብር ክርስቲያን ምስ ናይ ገዛእ ርእሱ ባህሊ ቅኑዕን ርትዓውን ዘተ ከበግስ ኣይፈርሕን እዩ። . . .
ዘይነጽት ፈልፋሊ ማይ
ቅዱስነቶም መጽናዕቲ ቅዱስ ቶማስ ዘኣኵይኖ ‘ኵሉ ግዜ ህያው ፈልፋሊማይ ኪኸውን ከም ዘለዎ ኣስሚሮም፡ ምስ እዚ ኣተሓሒዞም “ነቲ ኣረጊት ምስ ሓድሽ ምርኻብ” ብዝብል ናይቲ ዓውደ ጒባኤ መርሕ ቃል ጠቒሶም ጸጋታት ትውፊት ቅዱስ ቶማስ ዘኣኵይኖ ኣብ ህልው ኩነታት ዓውዲ ክዋሳእን ምስ እዋናዊ ዓለም ዝዛተይ ክኸውን ኣለዎ፥ እዚ ናይቶም ናይ ስነ ቅዱስ ቶማስ ዘኣኵይኖ ሊቃውንቲ ዓቢይ ሓላፍነት እዩ። ንኣብነት ቅዱስ ቶማስ ካብ ዝገለጾም ዘማዕበሎን ቲዮሎጊያውን ፍልስፍናውን ኣምር፥ “ፍጥረት ናይ መጀመርታ መግለጺ ልግስን ምሕረትን ኣምላኽ እዩ” ዝቦሎ ጠቒሶም፡ ጽባቄ ኣምላክ ኣብ ተፈጥሮ ከነስተንትኖ ይምህረና። ዘፍጥረት ኵሉ ካብ ኣምላኽ ዝተፈጥረን ናብ ኣምላኽ ዘቕነዐን፥ ኵሉ ብሓባር ድማ ናይ ክብርን ሰናይን ኣምላኽ ንምግላጽ ይሰርሑ - ናብ ቶማስ ዘኣኵይኖ ኪዱ ኣዕምቑዎ ነቲ ጥንታውን ወትሩ ፍረ ዘለዎ ብሓደስቲ ነገራት ንኸተህብትምዎ ኣይትፍርሑ” ቢሎም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።