ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንግስቲ ኤልዛቤጥ ኣብነት ናይ ግቡእ ውፉይነት! ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንግስቲ ኤልዛቤጥ ኣብነት ናይ ግቡእ ውፉይነት! 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንግስቲ ኤልዛቤጥ ኣብነት ናይ ግቡእ ውፉይነት!

ብምኽንያት ሞት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ኣብ ሓዘን ምስ ዝርከቡ ሓቢሮም ናይ ሓዘኖም ተኻፋሊ ከምዝኾኑ ዝገለጹ ቅዱስ ኣቦና፥ ምእንቲ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ነፍስሄር ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ጸሎቶም ኣረጋጊጾም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዜና ዕረፍት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ምስ ተነግሮም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፥ ነፍሰ ሄር ንግስቲ ኤልሳቤጥ ንሰናይ ዝገበረኦ ዘይሕለል ኣገልግሎተን ከም ዝዘከሩን ንመላእ ስድራ ቤት ንግስትነትን ጽንዓት ይሃብኩም ቢሎም፡ ምእንተአን ከምኡ እውን ምእንቲ ሓድሽ ንጉስ ዘእንግልጣር ቻረለስ ሳልሳይ ስለ ዝተጸውዑሉ ልዑል ሓላፍነትን ጸሎተይ እረጋግጽ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ብዜና ዕረፍት ግርማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ኣዝየ እሓዝን ንግርማውነተንን ኣባላት ንጉሳዊ ስድራ ቤትን ንህዝቢ ዓባይ ብሪጣንያን ማሕበር ሃገራት ሓባራዊ ሃብትን ጽንዓት ይሃብኵም እብል።” ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ሓድሽ ንጒስ ቻርለስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ብምኽንያት ሞት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ኣብ ሓዘን ምስ ዝርከቡ ሓቢሮም ናይ ሓዘኖም ተኻፋሊ ከምዝኾኑ ዝገለጹ ቅዱስ ኣቦና፥ ምእንቲ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ነፍስሄር ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ጸሎቶም ኣረጋጊጾም፡ ኣብ ማሕበር ሃገራት ሓባራዊ ሃብቲ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዘበርከተኦ ዘይሕለል ኣገልግሎትን ናይ ክቡራት ዋጋታትን ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስን ክርስቶስ ኣብ ዝኣተዎ ቃል ተስፋ ዝነበረን ጽኑዕ እምነትን ዝሃበኦ ምስክርነትን ዘኪሮም፥ “ነታ ክብርቲ ነፍሰን ንመሓርን ሰናይን ሶማያዊ ኣቦ ሕድሪ እብል፡ ንኣኹም ሓዱሽ ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ ቻርለስ ኣብዚ ሓላፍነትኵም እዚ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ብጸጋኡ ክድግፈኵም ንኣኹም ግርማውነቱክም ጸሎተይ አረጋግጽ። ኣብ ልዕለዅምን ኣብ ልዕሊ ኵሉም ብምኽንያት ዕረፍቲ ወላዲትኵም ኣብ ሓዘን ንዝርከቡን መለኰታዊ በረኸትን ቃል ምጽንናዕን ሓይልን ካብ ጐይታ እምሕጸን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 Sep 2022, 15:27