ር.ሊ.ጳ.፥ ንጳጳሳዊ ናይ ስነ ምርምር ተቕዋም፥ “ስነ ምርምር መጋበርያ ሰላም እዩ”
ቅዱስ ኣቦና ርሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 መስክረም ጒባኤ ጳጳሳዊ ናይ ስለ ፍልጠት ተቕዋም ኣብ ዘዳለዎ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ተጋባእያን ተቐቢሎም፥ “ስነ ምርምራዊ ፍልጠት ተጠቂምካ ናይ ሓባር ቤትና ንምድሓንን ምስሕሓባትን ግጭትን ምውጋድ” ኣገዳሲ እዩ ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ዘተሓሳሰበ መደረ ከም ዘስምዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ጳጳሳዊ ናይ ስነ ምርምር ተቕዋም ኣብ ሃገረ ቫቲካን “መሰረታዊ ስነ ፍልጠት ንሰብኣዊ ምዕባለን ሰላምን ጥዕና ናይ ሓባር ቤትናን” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዘካየዶ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ጒባኤ ተጋባእያን ሎሚ ዕለት 10 መስከረም ካብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቃለ ምዕዳን ከም እተቐበሉን፡ ቅዱስነቶም ንተጋባእያን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥ “ፍልጠት ስነ ምርምር ብዝበለጸ መገዲ ተጠቒምካ ንገለ ካብቲ ኣብ ዓለም ንዘሎ ኣዚዩ ተኣፋፊ ብድሆታት፡ እንኮላይ ለውጥ ከባቢ ኣየርን ዝቕጽል ዘሎ ውግኣትን ንምፍታሕ ዘለዎ ኣበርክቶስ ዘስተንተነ መደረ ከም ዘስምዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምስ ህልው ቅልውላው ዝተኣሳሰረ መሰረታዊ ስነ ፍልጠት
ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እቲ ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ ምርምር ኣብ 1630 ዓ.ም. ከም እተመስረተ ዘኪሮም፥ እዚ ተቕዋም እዚ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሃይማኖታዊ ተቕዋም ዘሎን ዝወሃቦ ቆላሕታ ዓቢይ ምዃኑን ቤተ ክርስቲያን “ንሓቅን ዛዕባ ዓለምን ንዘሎ ፍልጠት ብዘለዋ ፍቕሪ፥ ንስነ ምርምር ትሓቍፍን ተተባብዕን” ስለምንታይ “ብፈጠራዊ መገዲ ክንሓስብን ክንሓትትን ዓቕምና፥ “ካብ ኣስተንትኖ ዓሚቝ ክርስትያናዊ ኣረኣእያ ኢዩ ዝነቕል” እዚ “ፍጥረት ምስ ምክንኻን ዝብል ዕማም ዝማላእ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ናይቲ ዓውደ ጒባኢ መርሕ ቓል፥ “መሰረታዊ ስነ ምርምር ምስ እዋናዊ ብድሆታት ምፍታሕ” ንዝብል ሓሳብ ዘቃልሕ እዩ፡ ንሱ ነቲ እናዐበየ ዝኸይድ ዘሎ ኣድላይነት ርክብ ኣብ መንጐ ናይ ስነ ምርምር መጽናዕትታት ዘንጸባርቕ ኣብ ኣገባብ ዝቖመ ሕድሕዳዊ ምትእስሳር ክህሉ” ከም ዘለዎ ዘመላኽት እውን እዩ። በዚ መሰረት እውን ንናይ ወዲ ሰብ ናይ መወዳእታ ሕቶታት መልሲ ንምሃብ” ክሕግዝ ይኽእል ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ሕውነትን ፍትሕን ሰላምን የድሊ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም እቲ ናብ ስነ ምርምራዊ ዓወታት ዝግበር ድርኺት “ኵሉ ግዜ ናብ ድሌታት ሕውነትን ፍትሕን ሰላምን ዝቐንዐ፥ “ንሰብኣዊ ስድራ ቤትናን ከባቢናን ዘጋጥሙ ዘለዉ ዓበይቲ ብድሆታት ንምስጋር ዝድርኽ ክኸውን ኣለዎ” ከም ዝበሉን፥ እቲ ተቕዋም ንዝተፈላለዩ ዓለም ሓቆፍ ህጹጽ ኵነታት ኣብ ምፍታሕን ምስ ፖለቲካን ስነ ምርምር ኣብ ምትእስሳር ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ፡ ርኽበታት ስነ ፍልጠትን ብስነ ኣሃዝ እተራቀ ምዕባል እደ ጥበብን ተጠቒሙ ንሰባት ብፍላይ ነቶም ኣዚዮም ድኻታት ዝኾኑ ንምሕጋዝ ዝጠቕም ክኸውን ንእትገብርዎ ጻዕሪ” አመስግን፥
. . . ስነ ፍልጠት ኵሉ ናይ መጽናዕቲ ጨናፍር ምስ ፍልስፍና ብምትእስሳር ኣብ ኣገልግሎት ምዕባለ ደቂ ሰባት ሰላምን ጥዕናን ናይ ሓባር ቤትናን ክውዕል ዝብል ዕላማ ስለ እትሕልዉ አምስግነኵም!
እወታዊ ውጽኢት ክረጋገጽ ዝኽእል ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ንሓቂ ምስ ዝደልዩን “ንርኽበታት ምስቲ ቅኑዕ ክብርን ሰናይን ጽቡቕን ምድላይ ተተሓሒዙ ብዝምዕብል መገዲ ምስ ዝትግበር ጥራይ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ መንጐ ‘ሳልሳይ ውግእ ዓለም’ ሰላም ንምህናጽ ዝዓለመ ሸቶ
ዓለምና ናብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ዓለም ለኻዊ ሕግን ሓድሕዳዊ ምትሕብባርን እናተመልሰት ብምምጻእ ሰላም ምሕናጽ ዝብል ዕላማ ሒዝካ ፍልጠት ምድንፋዕ ከም ዘድሊ ክስመረሉ ኣለዎ፡ እዚ ‘ሳልሳይ ኲናት ዓለም’ ንሰባት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ናብ ዝለዓለ ሓደጋ የእትዎም ከምዘሎ ር.ሊ.ጳ. ግሊጾም፡ ካብ ምውግእ ንምልቓቕን ውግእ ንምውጋድ ‘መከራን ድኽነትን እቲ ሓድሽ ኣብ ዓለም ዝርአይ ዘሎ ጊልያነት ንምብዳህን” ብዙሕ ክጻዓርን ክስራሕን ኣለዎ። ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ተኣኪቦም “ስነ ምርምር ነገልግሎት ኣጽዋር ውግእ ከይውዕል ሓይሊ ሰላም ክኸውን ኣብ ዝድርኽ ምርጫ ከውዕልዎ ቅዱስነቶም ጻውዒት ኣቕሪቦም፥
ናጽነትን ፍትሕን ዘተን ሕድሕዳዊ ምርኻብን ፍቕርን ሰላምን ክንሕብሕብ ጽልኢ ቂምታ ምፍልላይ ዓመጽን ኵናትን ኣይፋል ክንብል ሕውነታዊ ጸዋዕታና ክንምስክር ሎሚ ተጸዊዕና ኢና!
ቢሎም “ዘይማዕርነትን ምዝመዛን ጥፍኣትን እናወሰኸ” ዘይኮነስ ”ናይ ሓባር ቤትናን ህይወትናን ንምድሓን” ዝያዳ “ሰነምህዳራዊ ጸዋዕታና” ኣይንረስዕ እንክብሉ ዝለገስዎ ቃከ ምዕዳን ከም ዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።