ር.ሊ.ጳ.፥ ንኣባላት ማሕበር ሾንስታት፥ ኣብ መንጎ ወለዶታት ቃል ኪዳን ምቛም
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ልኡካነ ወንጌል ማሕበር ሾንስታት ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ኣኼባ ተጋባእያን ዕለት 1 መስከረም ተቐቢሎም፥ ኣባላት እቲ ማሕበር ኣብ ዘመንና ዘሎ ተኣፋፊ ሕቶታት መልሲ ንምርካብ ክሕግዙ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ኣኼባ ንኽሳተፉ ኣብ ሮማ ንዝርከቡ ካህናት ማሕበር ሾንስታት ተቐቢሎም፥ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “ንረብሓ ኩሉ ደቂ ሰባትን ንመላእ ዓለምን ዝፈጸሞ ምስጢር ድሕነት” ኣተኵሮ ዘንበረ ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱን፡ እዚ ምስጢር ድሕነት እዚ ቃል ኪዳን ዝብል እብራይስጣዊ ቃል ዘለዎ ባህርይ ዘዘኻኽር ምዃኑ ገሊጾም፡ እቲ ኣብ መስቀል ዝፈሰሰ ንዅላትና መስዋዕቲ ፍቕሪ ኮይኑ ዝቐርብን ደም ኢየሱስ ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን ደቂ ሰባትን መተካእታ ዘይብሉ ዘይልወጥ ርክብ ዘቖመ እዩ፡ እዚ ከኣ ኪዳን ፍቕሪ ኪዳን ድሕነትን” ማለት እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣገልግሎት፥ ንቤተ ክርስቲያንን ዓለምን
ቅዱስነቶም ቀጺሎም፥ ካህናት ማሕበር ሾንስታት፡ “ንቤተ ክርስቲያን ዓለምን ጽቡቕ ኣገልግሎት ከም ዝፍጽሙ” ዘለዎም እምነት ጽኑዕ ምዃኑን ብፍላይ ድማ ንኣባይቲ ስድራ ኣብ ዝተፈላለየ ፍጻሜታትን ጸገማት ህይወትን ብምስናይ “ንዅሎም ኣባላት ኣባይቲ ስድራ ጽባቐ ናይቲ ጐይታ ዘቖሞ “ናይ ፍቕሪ ኪዳን” ብምእዋጅ ዝፍጽምዎ ኣገልግሎት ከም ዝኾነ የዘኻኽሩ።
ምስ ግዜ ምስጓም
ሓቂ እዩ ኣብ ዓለምና ንሕቶን ጭንቀትን ናይ ዘመንና ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን መልሲ ክንህብ ዝቐርብ ጠለብ ኣናበዝሔ ይኸይድ ከም ዘሎ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ “ባህርይ ስድራ ቤት በቲ መሰረት ዘንቀጥቅጥ እተፈላለየ ርእየት ዓለም መጥቓዕቲ ክወርዶ ወትሩ እንርእዩ ዘሎና ጒዳይ እዩ እዚ እውን ብሓፈሻኡ ንመላእ ሕብረተሰብ እዩ ዘጥቕዕ”፡ ኣብ ርእሲ እዚ እውን ኣብ ውሽጢ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣብ መንጎ ኣረጋውያንን መንእሰያትን ዘሎ ፍልልይ እንርእዮ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ናይ ስድራ ቤት መንነት ዝዕቅብ “እቲ ኣብ መንጎ ወለዶታት ዘሎ ኪዳን ደቅሰብ” ብምዃኑ ነቲ ፍልልይ ዝኣልይን ኣብ ልዕሊ ስድራ ቤት ዝወርድ መጥቓዕቲ ምብዳህ የድሊ፡ ኣብነት ቅድስቲ ስድራ ቤት ብፍላይ ከኣ ድንግል ማርያን ንዅሎም ኣወዳትን ኣዋልድን ነቶም ብኣካላቶምን ብመንፈሶምን ዝደኸዩ ብለውሃትን ውፉይን ፍቕሪ ኣብ ምክንኻን ኣብነት እያ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም
ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብነፍሲ ወከፍ ኣባል ማሕበረሰብ ሾንስታት ብዓቢይ ፍቕሪ ትኽበር። ስለዚ “ንሳ ፍሉይ ኣብነት እያ” ነዚ ዝምስክር ኣኽብሮት ትነብሩ፡ ኣዴና ቅድስቲ ድንግልማርያን “ኣብ ሕውነታዊ ግብረ ሰናይን ሓባራውነትን ብፍላይ ነቶም ኣዚዮም ዝተሸገሩ ሓድነት ንምቛም ዘብቕዕ ድልድል ክንሃንጽ ብተመሳሳሊ ድማ ምስቶም ካብ ሕውነት ርሒቖም ዝነብሩ ንኽንበጽሕ ጥበብን ትብዓትን ጐይታ ብምሕረት ዝለል ሓድሽ ህይወት ብክርስቶስ ብምስካር ንኸነሕውዮም ህጹጽ ጒዳይ ምዃኑ ተመላኽተና” ምስ በሉ፥ ንኽሎም ነቶም ኣብቲ ርክብ ንዝተሳተፉ ኣብ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ንቕድሚት ክብሉ ኣተባቢዖም፥ “ኩሉ ግዜ ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ ገዛእ ርእስኹም ሓድሱን ኣብ ኣገልግሎት ስድራ ቤት ሓድሽ መገድታት ንኽትከፍቱ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዝተመስረተ ኪዳን ብናይቲ ማሕበር መንፍሳውነትን ክርስቲያናዊ ክቡራት ዋጋታት ብምንባር መስክሩ” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።