ፍራንቸስኮ፥ ኣቡን ኣብ ውሽጡ ወንጌል ዘለዎን ናብቶም ዝተናዕቑ ዝጥምትን እዩ!
ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ክልተ ሳዕ ኣቦ መንበር ኮይኖም ዘገልገሉ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ጀኖቫ ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ባኛስኮ ናይ ዝደረስዋ መጽሓፍ መቕድም ዝደረሱ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “እዋናዊ ጒዳያት ዓለም ነጺልካ ኣብ እዋናዊ ግዜን ኵነትን ሓጺርካ ምንባብ ዘይኮነስ መበቆላዊ መትክሎም ንምስትውዓል ብኣዋጅ ኢየሱስ ክርስቶስ ምንባብ”፡ ኣብ መንጐ ህዝቡን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ጓሳ - ኣቡን ህልው ኵነታት በዚ ዓይነት ኣገባብ እዩ ከንብቦምን ክርድኦምን ዘለዎ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ነታ ብልቦም - ጓሶት፣ ቤተ ክርስቲያን ሕብረተ - ሰብ ዘርእስታ መጽሓፍ ብዝደርሶ መቕድም ከቕርባ ብምኽኣለይ ሓጐስ ይስምዓኒ። ናይዛ መጽሓፍ ደራሲ ብጹዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ክልተ ሳዕ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኮይኖም ኣብ ዘገልገልሉ እዋን፥ ትምህርትን ስድራ ቤትን ድኽነትን ፖለቲካን ኣብ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኣገደስቲ ኣርእስታት ብምትኳር እዋናዊ ጒዳያት ኣብ ህልው - ኵነት ከይሓጸሩ ናብ መበቆላዊ መትከሎም ንምምላስ ብኣዋጅ ኢየሱስ ክርስቶስ ንኽርድኡ ዝፈተኑ እዮም። ኣብ ቅድሚ እቲ ንኤውሮጳ ዝምልከት ጥራይ ዘይኮነስ ብሓፈሻ ኽርአ እንከሎ ኣብ ዓለም ዝርአ ዘሎ ስነ - ሰብኣዊ ለውጢ ብምስጢረ ክርስቶስን ትምህርቲ እምነትን እተንብብ መጽሓፍ ምዃና ቅዱስነቶም ኣብ ዝደረስዎ መቕድም የመላኽቱ . . . ።
ህልው ኩነታት በጠማምታ ጓሳ ምንባብ፡ ብርግጽ ጓሳ ማለት እቲ ህይወቱ ነቲ ፈቃርን ለጋስን መሓርን ኣቦ ዝኾነ እግዚኣብሔር ስለ ዝተዋህበ ህይወቱ ናቱ ከም ዘይኮነ ፈሊጡ ቅድሚ ዅሉ ንኣሕዋት ብጐይታ ከገልግሎ ዝግብኦ እዩ። ሓቂ ከም ጽቡቕን ሰናይን ናይ ኵሉ ሰብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክትደምቕ መታን እዚ ጓሳ እዚ ሓቅን መለኮታዊ ምሕረት ክርኢ ኣለዎ፥ ሓቂ ሓራ ተውጽእ ምሕረት ከኣ ትፍውስ።
ጓሳ ቃል ኣምላኽ ከበስርን ነዚ ቃል እዚ ኣብ ኤቅለስያውንን ብሕታዊ ህይወትን ከሰብኦ ኣለዎ። ስለዚ ወንጌል ናትካን ናትናን ንምግባር ዝግበር ጒዕዞ ናብ ናይ ልቢ ሓጐስ እዩ ዚመርሕ። . . . እቶም “ጨና ኣባጊዕ” ዘለዎም ኣብ ማእከል መጓሰኦም ዚነብሩን ገፈፍቲ ዓሳ ዘይኰኑስ ገፈፍቲ ሰብ ዝዀኑ ናይ ሓቂ ሓጐስ ረኺቦም ኢዮም። ከምቲ ናይዛ መጽሓፍ ኣርእስቲ ከም ዝሕብሮ፥ ጓሶት ኣብ ውሽጢ ህይወት ሰባት ማሕበረሰባትን ኣብ ዚነብርሉ ኵሉ ኣብ ውሽጢ እቶም ዝቘሰሉን እተገለሉን ከም ጓሓፍ ዝድርበዩ ሰባት ዚነብሩ እያቶም። ብኻልእ ኣበሃህላ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያንን ህዝብን ዚነብሩ ማለት እዩ።
ካርዲናል ባኛስኮ ቤተ ክስቲያን ህያውን ህያው ነፍሳትን ከም ዝኾነት ደኣ እምበር ሓድሓደ ግዜ ሓደ ሰብ ኪንክየላ ወይ ኪውስኸላ ዚደል ቤት ጽሕፈታዊት - ቢሮክራሲያዊት ውድብ ከም ዘይኮነት ንኸነስተውዕል የተሓሳስቡና ርግጽ እዩ ጸገም ኣብ ዝመልኦ እዋን ኢና እንነብር ዘሎና እንተዀነ ግን ካብ ወንጌል ዝምንጭው ብምዃኑ ፈጺሙ ዘይፈሽል ሓጐስ እውን ኣሎና። እቶም ‘ነታ ናይ እግዚኣብሔር ቤተ ክርስቲያን ክጓስዩ (ግብረ ሓዋርያት 20,28) ዝተጸውዑ ጓሶት ኣብ ተልእኾ እቲ ህያዋይ ጓሳ ዝሳተፉ እያቶም። ኰይኑ ግና ኣገልግሎት ብኸመይ ከም ዝመርሑ ይፈልጡ ዶ? እዛ መጽሓፍ ነዚ መልሲ ንምሃብ እትሕግዝ ከም ዝኾነት እዩ ዝስምዓኒ። ንዅሎም ጓሶት ድማ “በኣዕንትዅም ዘይርአ ወይ ‘ሓጺር’ ሰብ ከም ዘየለ” ይምዕዱ። ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብሓልዮትን ድንጋጸን ናይቲ መሓሪ ኣቦ ብብርቱዕን ለጋስን ሓልዮትን ንኽትራኸቦም ክትወጽእ ናይ ኵሉ ሰብ ጽቡቕን ሕማቕን ኵነት ከም ናትካ ጌርካ ንኽትርእዮ ድልው ኩን፡ በዚ ኣገባብ እዚ ድልው እንተድኣ ኮይንካ ህይወትካ ብለውሃት ከተወፍያ ትኽእል። ከምቲ ቅድስቲ ተረዛ ዘሕጻነ ኢየሱስ ዝጸሓፈቶ፥ “ፍቕሪ ጥራይ እያ ንኣባላት ቤተ ክርስቲያን ስጒምቲ እትወስደሎም - ፍቕሪ እንተ ትጠፍእ ነይራ እቶም ሃዋርያት ወንጌል ኣይምኣወጁን ነይሮም፡ እቶም ሰማእታት ከኣ ‘ደመም ኣመየፍሰሱን።’
ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ምንባብ ንኣቡናትን ተሓባበርቶምን ጥራይ ዘኮነስ ነቶም ምእመናን ንኽሓስቡን ግዜኦም ንኽነብሩ እተነቓቕሕ እውን እያ፡ በዚ መዳይ እዚ ካርዲናል ባኛስኮ ኣብቲ ኣጸጋሚ ናይ መሰጋገሪ እዋን ስለ እቲ ትሑትን ሓባራዊ ኣገልግሎቶምን አመስግኖም፡ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኮይኖም ኣብ ዝመርሕሉ እዋን ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢጣሊያን ሃገረ ኢጣሊያን ዘመሓላለፍዎ ምዉቕን ድልዱልን ቃላትን አመስግኖም ኣብ ጐድነይ ኮይኖም እናተጓዓዙ ንዝገብርዎን ዝነብርዎን ተኣማንነትን ጽኑዕ ቅርበትን እውን አመስግኖም እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ዝደረስዎ ናይታ መጽሓፍ መቕድም ይዛዝሙ።