ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ክርስቲያን መሰኻኽር ሰላም ኪዀኑ የተባብዑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ክርስቲያን መሰኻኽር ሰላም ኪዀኑ የተባብዑ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ክርስቲያን መሰኻኽር ሰላም ኪዀኑ የተባብዑ

ንዅሉ ሰብ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት “ነቲ ሓራ ዘውጽእ ብስራት ወንጌል ናብቲ ሰብ ዝደኸመሉን ተስፋ ዝቖረጸሉን ዝጠፍኣሉን ቦታ ንምብጻሕ ኣጠማምታኡ ኣብ ኵላዊ ኣድማስ ዘቕንዐ ክኸውን” ኣተባቢዖም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ካብ ዕለት 29 መስከረም ክሳዕ ዕለት 2 ጥቅምቲ 2022 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሚላኖ ናብ ዝካየድ ዘሎ “ምርኢት ተልእኾ ወንጌል” ዕለት 29 መስከረም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ንዅሎም እቶም ኣብቲ ምርኢት ንዝሳተፉ “መሰኻኽር ሰላም” ኪኾኑን ልኡካን ናይ ምዃን መንፈስ እውን ክሓድሮም ኣተባቢዖም፥ ተልእኾ ወንጌል ልቢ ህይወት ቤተ ክርስቲያን እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናብ ናይ ሚላኖ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ማሪዮ ደልፒን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም፥ ንዅሎም ኣብቲ ምርኢት ንዝሳተፉ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ነቲ “ብውህበት ምንባር” ዘርእስቱ ምርኢት ተልእኾ ወንጌል፡ ውቁብ ተበግሶ እንክብሉ ኣድኒቖም፥ “ኣብዚ ናይ ዘመን ለውጢ እዚ እግዚኣብሔር ወትሩ ምሳና ከም ዘሎን ከም ዘፍቅረናን እውን ንእዋናዊ ህዝቢ ንኽነበስር፡ ናይ እምነትን ቤተ ክርስቲያንን ተልኾኣዊ ባህርይ ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ብናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መደባት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝሕቆፍ ናይ ኢጣሊያ ማሕበር ተልእኾ ዘዳለዎ ምርኢት ተልእኾ ኣብ ኢጣሊያ ብናይ ሚላኖ ርእሰ ሰበኻ ዝእንገድ ምዃኑ ኣመላኺቱ፥

ንቕሓት ተልእኾ ምዕባይ

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም፥ እዘን ናይ ጽምብልን ጸሎትን መዓልታት ምስማዕን ዘተን ተልእኾ መመላእታ እምነት ዘይኮነስ “ሕመረት ህይወት ቤተ ክርስቲያን እዩ” ዝብል ንቕሓት ኣብ ልቢ ኩሉ ክስትውዓል ዝገብር ከም ዝኸውን ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፥

ኣነ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ተልእኾ እየ፡ ስለዚ ድማ እየ ኣብዛ ዓለም ዘለዅ!

ቢሎም ነፍሲ ወከፍ ሰብ በቲ ተልእኾ እቲ “ብርሃንን ቡራኬን መተባብዕን ሕውየትን ከምኡ እውን ሓራ” ከም ዝኾነ ከስተውዕል ተማሕጺኖም፥

ሰላም ንምምስካር

ኣብ መንጐ እዋናዊ ብድሆታትን መዓትን ውግእን መሰኻኽር ሰላም ምዃን ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጒሊሖም፡ ተልእኾ ብውልቅን ከም ህዝብን ብቐዳማይ ኣካል ክንበር ዝግብኦ ተግባር፡ ኣብቲ “ሰላም እሓድገልኩም ሰላመይ እውን እህበኩም ኣሎኹ” ኣብ ዝብላ ናይ ኢየሱስ ቃል ምልሑቕ ብምግባር መሰኻኽር ሰላም ምዃን ይግባእ ከምዝበሉን፥

ንሕና ክርስትያን ሓቀይና ሰላም ህያብ እቲ ዝተንስአ ክርስቶስ ምዃኑ ርግጸይናታት ኢና። ንኻልኦት ውህበት ሓቅን ፍትሕን ምሕረትን ክንህብ ዝተጸዋዕና ኢና!

“ሓቂ ዘይትነጽል ኣካል ፍትሕን ምሕረትን እያ” ኣብ ድምር ሰለስቲኦም ሰላም ይህንጽ። እዚ እውን ኵሉ ንተልእኾ መዓልታዊ ብተወፋይነት ክነብሮ ኣለዎ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣድማሳዊ ህላወ ዘተኮረ ኣረኣእያ

ንዅሉ ሰብ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት “ነቲ ሓራ ዘውጽእ ብስራት ወንጌል ናብቲ ሰብ ዝደኸመሉን ተስፋ ዝቖረጸሉን ዝጠፍኣሉን ቦታ ንምብጻሕ ኣጠማምታኡ ኣብ ኵላዊ ኣድማስ ዘቕንዐ ክኸውን” ኣተባቢዖም፥ ኣብቶም ተኣፋፍያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን እቲ ብኽብርን ፍቕርን ዝልለይ ህይወት ከነንብብ ተማሕጺኖም፥ “ኣብ ኑዛዜ እምነት ምሉእ እምነት ዘለዎም ሃልሃልታ ተስፋ ናብ ናይ ዘመንና ሰብኣዊ ፍጥረት ከብጽሑ ዝኽእሉ ደቀ መዛሙርቲ የድልዩና” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ልኡኽነት መንፈስ ምዅስኳስ

ቅዱስነቶም፥ ነታ ንዘመዳ ኤልሳቤጥ ክትበጽሓ ብታህዋኽ ዝኸደት ኣኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብምምሳል ጨና ፍቕሪ እግዚኣብሔርን ብዝተሓደሰ ሓዋርያዊ ቅንኣት ኣብ ኵሉ ንምዝርጋሕ ኵሉ ናይ ልኡኽነት መንፈስ ከማዕብል ዓዲሞም፡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኾ ፍጻመ ባሪኾም ነቲ ፍጻሜን ተጋባእያንን ተልእኾ ወንጌልን ንቕድስቲ ድንግል ማርያን አወክፍ እንክብሉ መልኽቶም ከም ዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

30 September 2022, 16:30