ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ካዛኪስታን ውግእ ፈጺማ ካይትለምዶ ግዳያት ኣብ ምሕጋዝ እትደክም ኣይትዅን! ር.ሊ.ጳ.፥ ካዛኪስታን ውግእ ፈጺማ ካይትለምዶ ግዳያት ኣብ ምሕጋዝ እትደክም ኣይትዅን! 

ር.ሊ.ጳ.፥ ካዛኪስታን ውግእ ፈጺማ ካይትለምዶ ግዳያት ኣብ ምሕጋዝ እትደክም ኣይትዅን!

ንሰብን ኣህዛብን ኵሉ ሰብኣውነት ሰናይ ዘርብሕ ዘተ ክሳብ እንመርጽ ክንደይ ሰባት ክሃልቁ ኢና እንጽበይ፥ ህይወት ሰብ ንምድሓን ሰላምን ናብ ሰላም ዝወስድ መገዲ ዘተ ሓለፋ ንበል በጃኻትኵም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዛዚሞም ንዩክረይን ከምኡ እውን ንዅሎም ኣብ ዓለም ብኲናት ንዝሳቐዩን ዝተሃሰዩን ህዝብታትን ኣብ ከቢድ ኵነት ዝርከባ ሃገራትን ከም ዝጸለዩን ናብ ሰላም ዝመርሕ መገዲ ዘተ ሓለፋ ብምባል ኵሉ ነቶም ዝሳቐዩ ቀረባ ክኸውንን ክሕግዝን ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መዛዘሚ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ቅዱስነቶም ናይ ሰበኻ ቅድስት መርያም ኣብ ኣስታና ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ቶማሽ በርናርድ ፐታ ስለ ዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኵምን ቃለ ሰላምታን መደረ ኣመስጊኖም ነዚ ምብጻሕ እዚ ንዘሰናደዉ ምእመናን በርገሳውያንን ሃይማኖታውያን ሰበ ስልጣን ነቶም ካብ ዝተፈላለያ ጐረባብቲ ሃገረ ካዛስታን ንዝመጹን ኵሎም ድማ ኣመስጊኖም፥ “ንኹልኹም ኣሕዋትን ኣሓትን ብፍላይ ድማ ነቶም ካብ ካልኦት ሃገራት ማእከላይ እስያን ካብ ርሑቕ ክፍልታት ሃገረ ካዛኪስታን ዝመጻእኵም ሰላምታይ አቕርብ፡ ኣረጋውያንን ህሙማንን ህጻናትን መንእሰያትን እባርኽ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሞሳ ንሰላም ጸሎት ልመና ይኸውን

ቅዱስነቶም ዕለት 14 መስከረም በዓለ መስቀል ዝበዓለሉ ዕለት ምዃኑ ብምዝኽካር ኣብ ኦዚዮርኖየ ምስ ዝርከብ ብሔራዊ ቤተ መቕደስ ንግስተ ሰላም መንፈሳውነት ሕብረት ዘለዎ በዓል ምዃኑ እውን ኣጒሊሖም፡ እቲ ሃገራዊ ቤተ መቕደስ ኣብ ዝርከብ ዓቢ መስቀል፥ “ሞሳ ንህዝቢ ካዛኪስታን” ከምኡ እውን “ሰላም ንደቂ ሰብ” ዝብላ ቃላት ዝተጻሕፎ ምዃኑ ኣዘኻኺሮ፥ “ቅዱስ ህብዚ ኣምላኽ እዛ ዓባይ ሃገረ እዚኣ ብሞሳን ዘተ ንምድንፋዕን ንዝገብሮ ተወፋይነት ንሰላም ልመና ይኸውን፥ ጸሎት ምእንቲ እቲ ዓለም ኣዚዩ ዝናፍቖ ሰላም ይኸውን።”

ጸሎት ነታ ብእውግእ እትሳቐ ዘላ ዩክረይን

ቀጺሎም ቅዱስን ኣቦና ሓሳቦም ናብ ኩሎም ኣብ ዓለም ብኲናት ዝተሃስየ ከባቢታትን ብፍላይ ድማ ናብ ዩክረይን ኣቕኒዖም ንኲናት ፈጺምና ኣይንልመዶን ኣይነለማመዶን፥ ውግእ ዘይተረፍ እዩ ንዝብል ግምት እውን ኣይንለማመዶ ሓደራ፥ ኵሉ ሰብ ነቶም ዝሳቐዩ ሰባት ክሕግዝን ሰላም ንምምጻእ ሓቀይና ጻዕሪ ኪግበር ኣተሓሳሲቦም፡ ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣብ ዞባ ካውካሰስ ዓመጽ ከም ዝተለዓዓለ ዝሕብሩ ጸብጻባት ይፍነው ከም ዘሎ ዘኪሮም፡ እቲ መሰረታዊ መፍትሒ ሰላም እዩ፥ ናብ ሰላም ዝወስድ መገዲ ድማ ዘተ እዩ፥

ንሰብን ኣህዛብን ኵሉ ሰብኣውነት ሰናይ ዘርብሕ ዘተ ክሳብ እንመርጽ ክንደይ ሰባት ክሃልቁ ኢና እንጽበይ፥ ህይወት ሰብ ንምድሓን ሰላምን ናብ ሰላም ዝወስድ መገዲ ዘተ ሓለፋ ንበል በጃኻትኵም

ዝብል ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ዓለም ከመይ ገይራ ሰላም ከም እትሓንጽ ምእንቲ ክትመሃር ኵሉ ክጽሊ ዓዲሞም እዚ ኸኣ ንቕድድም ኣጽዋር ውግእ ብምድራትን ነቲ ንኲናት ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ናብ ጭቡጥ ናይ ሓገዝ መደብ ክውዕልተማሕጺኖም፥ “ነዚ ዝኣምኑ ኩሎም እመስግን ንኹልኹም ከምኡ እውን ንኹሎም እቶም ሰላምን ሓድነትን ዘበስሩን ዘበስራን አመስግን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

15 Sep 2022, 16:44