ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ምስቶም ኲናት ዝጅምሩ ንምዝራብ ኣጸጋሚ እዩ፡ ግን ክግበር ኣለዎ! ር.ሊ.ጳ.፥ ምስቶም ኲናት ዝጅምሩ ንምዝራብ ኣጸጋሚ እዩ፡ ግን ክግበር ኣለዎ! 

ር.ሊ.ጳ.፥ ምስቶም ኲናት ዝጅምሩ ንምዝራብ ኣጸጋሚ እዩ፡ ግን ክግበር ኣለዎ!

ጋዜጠይና መደብር ተለቭዥን ካባር፥ ዥናት ኣኽመቶቫ ሰናይ መዓልቲ ቅዱስ ኣቦና! ስለ እቲ ኣብ ካዛኪስታን ዝገበርክምዎ ምብጻሕ ኣዝየ አመስግነኵም፡ ውጽኢት ናይቲ ዝገበርክምዎ ምብጻሕ ኣብ መበቆል ህዝብና እንታይ የነቓቕሕ?

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ካዛኪስታን ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዛዚሞም ዕለት 15 መስከረም ናብ ሮማ ንኽምለሱ ኣብ ነፋሪት ምስቶም ዘሰንይዎም ናይ ዝተፈላለያ ዜና ማዕከናት ልኡካን ጋዜጠይናታት ቃለ መሕትት ከም ዘካየዱን፥ ብዛዕባ እቶም ተሰጊሮምን ሞይቶምን ዝበሃለሎም ዝነበረ ምዕራባውያን ህዝባውነት ይውለዱ ምህላወም ዝምልከትን ክምኡ እውን ፖለቲካ ክብርታት መሰረት ካብ ምግባር ክብገስን . . . ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ቻይናን ዝግበር ዘተ ትዕግስቲ ዘድልዮ ምዃኑን ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ካብቶም ዘሰንይዎም ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት መሰል ሓደ ህዝቢ ንርእሱ ናይ ምክልኻም መሰልን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣጽዋርን ኣብ ዝምልከቱን ካልኦት ሕቶታት ሰፊሕ መልሲ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ጋዜጠይና መደብር ተለቭዥን ካባር፥ ዥናት ኣኽመቶቫ

ሰናይ መዓልቲ ቅዱስ ኣቦና! ስለ እቲ ኣብ ካዛኪስታን ዝገበርክምዎ ምብጻሕ ኣዝየ አመስግነኵም፡ ውጽኢት ናይቲ ዝገበርክምዎ ምብጻሕ ኣብ መበቆል ህዝብና እንታይ የነቓቕሕ? ብጀካ ቦሮዲን ናይ ሙዚቃ መሳርሒ፡ ብዛዕባ ማእከላይ ሃገራት እስያ ብዙሕ ዝፈልጦ ንገር ኣይነበረን። ምስ ወከልቲ ናይቲ ህዝቢ ምርኻብ ብሓቂ ዘገርም እዩ። . . . ካዛኪስታን ካብቲ ዝተጸበኽዎ ንላዕሊ ኮይና እየ ዝረኸብክዋ፡ ጽብቕቲ ዝማዕበለት ሃገር ምዃና ዝሰምዖ ዝነበረ ጒዳይ እዩ ነይሩ ይኹን እምበር ከምዚ ዓይነት ምዕባለ ድሕሪ ሳላሳ ዓመት ናጽነት ክርእይ ኣይተጸበኹን። ከምኡ እውን ዓባይ ሃገር ምዃና 19 ሚሊዮን ህዝቢ ዘለዋ ስነ ስርዓት ዘለዋ ምስ ብዙሕ ጽባቐኣን ስነ ህንጻ እታ ከተማ ዝገርም ሚዛናዊ ስርዓት ዘለዎ ዘመናዊት ከተማ ምናልባት ናይ መጻኢ ከተማ ካልኦት ከተማታት ቢለ ክሓስባ እኽእል። ኣብ ኢንዳስትሪ ኣብ ቁጠባውን ንዋታውን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ባህላዊ መዳይ እውን ንቕድሚት ናይ ምስጓም ድሌት ከም ዘሎ ተስተውዕል። እቲ ዝተኻየደ ሻብዓይ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ዓውደ ጒባኤ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ . . . ሃይማኖታዊ ዘተ ስጓሚ ኣመለኻኽታ እዩ። ንዓለም ከምዚ ዝበለ ዓቢይ እማመ እተቕርብ ሃገር እያ፡ ከምዚ ዓይነት ዓውደ ጒባኤ ንሻብዓይ ግዜ እያ እተአንግድ ዘላ . . . ዕድመ እንተሂቡኒ ኣብ ዝቕጽሉ ዓውደ ጒባኤታት ክምለስ ምንዮተይ እዩ።

ናይ ኤኣርዲ ዜና ማዕከን ጋዜጠይና፥ ሪዲገር ክሮንታለር፥ ቅዱስ ኣቦና ስለቲ ናይ ሰላም መልእኽትዅም የቐንየለይ . . . ብዛዕባ ሰላም ክሓትት እፈቱ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ፈጺምካ ኣጽዋር ክትጥቀም ከም ዘይብልካ ዓመጽ ፈጺምካ ክትጥቀም ከም ዘይብልካ ንመሃር። እቲ እንኮ ፍልዩ ዝገብሮ ርእሰ ምክልኻል ጥራይ እዩ። ስለዚ ብርእይቶኹም ኣብዚ እዋን ንዩክረይን ኣጽዋር ክወሃብ ኣለዎዶ? እዚ ፖለቲካዊ ውሳነ እዩ፡ ግብረ ገባዊ ጒዳይ እውን ክኸውን ይኽእል - ውግእ ንኽተለዓዕል ቢልካ ውግእ ምብራዕ ኢግብረ ገባዊ እዩ። . . . ውግእ ንምልዕዓል ወይ ኣጽዋር ውግንእ ንምሻጥ ወይ ነቲ ድሕሪ ሕጂ ዘየድሊ ኣጽዋር ንምድርባይ ዓሊሙ ዝብገስ ውግእ ብፍጹም ኢገብረ ገባዊ እዩ።  ግብረ ገብ ንተግባር ውግእ እዩ ዝፍትሽ። ንገዛእ ርእስኽ ንምክልኻል ሕጋዊ ጥራይ ዘይኮነስ መግለጺ ፍቕሪ ሃገር እውን እዩ። እቶም ንነብሶም ዘይከላኸሉ ኮታ ዘይከላኸሉ ኣይፈትውን፡  . . . ብዛዕባ ኣምር ፍትሓዊ ኲናት ዝያዳ ክሕሰብ ኣለዎ፡ ሎሚ እቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ብዛዕባ ሰላም እዩ ዝዛረብ ዘሎ፡ ንሰብዓ ዓመታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ብዛዕባ ሰላም ክዛረብ ጽኒሑ እዩ። ማእለያ ዘይብሎም መደረታት ዛዕባ ሰላም . . . ኣብዚ እዋን እዚ ክንደይ ውግኣት ይካየድ ኣሎ? እታ ዝጠቐስካያ ውግእ፥ ዩክረይንን ሩሲያን ሕጂ ድማ ኣዘርበጃንን ኣርመያን ንዝተወሰነ እዋን ደው ዝበላ . . . ሶርያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰሜን ሞዛምቢክ ኤርትራን ሓደ ክፋል ኢትዮጵያን ኣብ ሚያንማር ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ . . . ሰላም ዝለ ዝተረኸበ ኣዴታት ክነብዓ ህዝቢ ክነብዕ ንርእይ . . . ሎሚ ግና ኵሉ ነገር ዝተቐየረ እዩ ዝመስል። ኲናት እንተዘየካየድካ ዘይትረብሕ ዘምስል ኵነት ኢና ንነብር ዘሎና ድሕሪ ዝኾነ ይዅን ውግእ ንግድ ኣጽዋር ውግእ ኣሎ። ንሓደ ዓመት ኣጽዋር ምምራት ምቁራጽ ንዅሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ጥምየት ምፍታሕ ዘኽእል ምዃኑ ሓደ ሰብ ዝነገረኒ ጭብጢ እዝክር፣ . . . እዋናዊ ዓለም ጥሜት ምጥፋእ ትምህርቲ ምስፋህ ብዙሕ ክብሪ ዝወሃቦ ኣይመስል . . . ብዛዕባ ሃገርካ ጀርመን ዝበልካዮን ካብቲ ዝገለጽካዮን ዝተመሃርክዎ ነገር ናይ ኲናት ጌጋታት ንስሓን ይቕረታን ምሕታትን ምኽኣል ዝብል እዩ . . . ኲናት ጌጋ እዩ . . . ውግእ እንተዘየለ ህይወት ዘየለ እዩ ዝመስል። ። . . . መሰል ርእሰ ምክልኻል ግን ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን . . .

ካብ ማዕከን ዜና ፓፕ፥ ስይልዊያ ውይሶካ፥ ቅዱስ ኣቦና ዓመጽ ፍፈጺሙ ምኽንያታዊ ክኸውን ኣይክእል ኢልኵም። እቶ ኣብ ዩክረይን ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽ ሞት ፍጹም ጥፋእት ብሩስያ እዩ . . . ብዛዕባ እቲ ጉዕዝ ዝምልከቱ ሕቶትታት ክቐርቡ እመርጽ . . . ምስተን ኲናት ዝጀመራ ሃገራት ዝግበር ዘተ ኵሉ ግዜ ንኽትመርጾ የጸግም ይኹን እምበር ክንጸግ የብሉን ምስቲ ውግእ ዘበገሰ ዘተ ኣገዳሲ እዩ . . . ኣብ ኵሉ ቦታን ኵነታን ናይ ዘተ ዕድል ምትብባዕ። ኣብ ዘተን ካብ ዘተን ኵሉ ክቕየር ከም ዝኽእል ፍሉጥ እዩ . . . ወራሪ ይኹን ዝተወረ . . . ዘተ ምስ ኵሉን ኣብ ኵሉን . . . ክንጸግ ዘይብሉ ንቕድሚት ዘሰጉም እዩ።

ናይ ላ ክሩዋ ዜና ማዕከን ጋዜጠይና ሉፕ በስሞንድ ደ ሰኑቪለ፡ ቅድስነቶም . . . ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ብፍላይ ኣብ ጒባኤ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ብዛዕባ ክብርታትን ስነ ምግባር ብዙሕ ዘረባ ተኻይዱ እዩ። . . . ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ጐደና ጥፍኣት ኣለዋ ቢልኵም ትሓስቡ ዶ. . . ዝርአይ ናይ ሞት ባህሊ . . . ? ምዕራባውያን ብሓፈሻ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዝለዓለ ኣብነታዊ ደረጃ የለዋን። . . . ምዕራባዊ ዓለም ግጒይ መገዲ ዝስዕብ ዘሎ ይመስል። . . . ዘጋጥም ዘሎ ዋሕዲ ህዝቢ ምንካይ ወሊድ . . . ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ገለ ገለ ከተማታት ዳርጋ ሰብ ዘይብለን እያተን ዚመስላ 20 ብዕድመ ዝደፍኡ ዜጋታት ጥራሕ ዝተረፍወን . . . ስለዚ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ንስደተይናታት ብቑዕ እንገዳ ምቕራብ ዝከኣል ይመስለኒ። ምእንጋድ ምሕጋዝ ተወሃሂዱ ክነብር ዘኽእሎ ባይታ ክፈጠረሉ ይግባእ። እንተዘይተጋገኹ ኣብ ሃገረይ ካብ ጠቕላላ 49 ሚሊዮን ህዝቢ እቶም ደቀባት ትሕቲ ሓደ ሚሊዮን እያቶም። እቶም ካልኦት ካብ ስፐይን ጣልያን ጀርመን ፖላንድ ስላቫውያን ካብ ንኡስ እስያ ሊባኖስን ናይ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ መበቆል ዘለዎ ስደተይናታት እያቶም . . .

ላ ረፑብሊካ ናይ እተሰምየ ጋዜጣ ልኡኽ ጋዜጠይና ያኮፖ ስካራሙዚ፥ ኣብዚ ምብጻሕ እዚ ኣብ ዘስማዕክዎ መደረታት ኣብ መንጎ ክብርታት ሃይማኖትዊ ክብርታትን ንቕሓት ደሞክራስን ዘሎ ምትእስሳር ብዙሕ ኣስሚርኵምሉ ኢዅም . . . ኣህጉርና ኤውሮጳ እንታይ ዝጐድላ ይመስለኩም . . . ብዛዕባ ኣብ ቀረባ እውን ኣብ ኢጣሊያ ክካየድ ዝኾነ ምርጫ . . . ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ነገራት እንታይ ይመስለኵም . . ? ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ካብ ዝሕረዩ፥ ምስ ክልተ ናይ ኢጣሊያ ርእሳነ ብሔር ከም ተራኸቡን ቅድም ምስ ርእሰ ብሔር ናፖሊታኖ ሎሚ ኸኣ ማታረላ . . . ካልኦት ናይ ፖለቲካ ኣካላት ኣይፈልጦምን . . . ፖለቲከይና ምዃንን ዓቢይ ፖለቲከይና ምዃን ዝተፈላለየ እዩ። ፖለቲካ ክቡር ጸዋዕታ እዩ። ፒዮስ መበል 12 ወይ ከኣ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ይኹኑ ርግጸይና ኣይኮንኩን “ፖለቲካ ሓደ ካብቶም ዝለዓለ ግብረ ምጽዋት እዩ ይብሉ” . . . ነፍሲ ወከፍ ሃገር ንተመክሮ ካልኦት ክፉት ክኸውን ኣለዎ . . .

ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ማእከል ላ ክሩዋ፥ አሊሰ ኣለን፥ . . . ኣብቲ ዝተሳተፍክምዎ ዓውደ ኣኼባ ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይ ሃይማኖት ናጽነት ተዛሪብኩም . . . ንቻይና ንኽትርዳእ ሓደ ዘመን ከድልየካ እዩ፡ ንሕና ኸኣ ንሓደ ዘመን እንነብር ኣይኮናን፡ ቻይናዊ ኣተሓሳስባ ሃብታም እዩ . . . ስለዚ ነዚ ንምርዳእ ክንክእል ድማ መገዲ ዘተ መሪጽና ኣሎና . . . ቅድስቲ መንበር ቻይናን ዘተ ተመሪጹ እዩ። ይቕጽል እውን ኣሎ . . . ቻይና ደሞክራሲያዊት ዘይደሞክራስያዊት ቢሉ ምስ ዝገልጻ ኣይልለን ኣየ፡ ቻይና ዝተሓላለኸት ሃገር እያ . . . እወ ሓቂ እዩ። ኣብ ቻይና ዘይደሞክራሲያዊ ዝመስሉና ነገራት ኣለዉ  . . . ኣብቲ ናይ ዘተ መስርሕ ብዙሕ ነገራት እዩ ዝነጽር . . . ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ይራሕ ዘይኮነ ብዛዕባ ቻይና እውን ብዙሕ ክትፈልጥ እዩ ዝሕግዝ . . . ዝተፈላለየ ባህልን ላህጃን ኣብ ምምሕዳር ኪደት እውን ዝተፈላለየ ሓቅታት እዩ ዘሎ . . . እቲ ዘተ ትዕግስቲ ይሓትት . . . ንቕድሚት ድማ ይብል ኣሎ . . .

ጋዜጠይና ዜና ማዕከን ሮመ ረፖርት ማሪያ ኣንገለስ ቾንደ ሚር፥ ብዛዕባ ኒካራጉያ . . . እወ ኣብ ሚካራጓ ዘተ ይቕጽል ኣሎ፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኒካራጓ ዝወስዶ ዘሎ ውሳኔ መፍትሒ ክረክብ ተስፋ ንገብር . . . እቲ ዘተ ይቕጽል እውን ኣሎ . . . ዝተሰጓ ደናግል ማሕበር ደቂ ቅድስቲ እናተ ተረዛ ክምለስ ትጽቢት ይግበር . . .

ናይ ኤውትን ማዕከን ዜና ልኡኽ ጋዜጠይና ሩዶልፍ ገህሪግ፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኤውሮጳ ዝርአይ ዘሎ ኪሳራ ምእመናን መንእሰያት ናብ ቅዳሴ ክኸፉ ፍቓደይና ዘይኮኑላ ትመስል . . . የሻቕለኵም ዶ? ጓሶት ሽታ ኣባግዕ ዘለዎ ክዀኑ ይግባእ . . . ነቲ ዘጥፍእዎ ሽታ ኣባግዕ ክረኽብዎ ኣለዎም። ነዚ ሽታ እዚ እንተድኣ ኣጥፊእካ ንቕድሚት ክትከይድ ዘይከኣል እዩ። . . . ኢየሱስ ንቤተ ክርስቲያን ብጓሶት እምበር ብፖለቲከይናታት መራሕቲ ኣየቖማን መጓሰ ምስ ጓሳ - ጓሳ ምስ መጓሰ እዚ ድማ እዩ እቲ ናይቲ ሽታ ዝብል ህዋስ እክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

16 Sep 2022, 16:41