ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ካዛኪስታን “ካብ ግጭታት መውጽኢ መገዲ ኣብ ምሕንጻጽ” ዝሕግዝ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ካዛኪስታን “ካብ ግጭታት መውጽኢ መገዲ ኣብ ምሕንጻጽ” ዝሕግዝ ምብጻሕ 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ካዛኪስታን “ካብ ግጭታት መውጽኢ መገዲ ኣብ ምሕንጻጽ” ዝሕግዝ ምብጻሕ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብመደረታቶም ምዕዳናቶምን ኣብ ተራ ህይወት ሰባት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ መንግስታት ደረጃ እውን ኣፈይና ሰላም ምዃኖም እዮም ዝፍለጡ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ካዛኪስታን ኣብ ዝካየድ ናይ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ጒባኤ ንኽሳተፉ ኣብ ዝዳለውሉ ዘልዉ እዋን ዋሃ ጸሓፍ ጒባኤ ሃይማኖታት ንሰላም ፕሮፈሰር ኣዛ ካራም፥ “መራሕቲ ሃይማኖት ግርጭት ዝፈትሑን ዘርሕቑን መገድታት ንምምልካትን ንትግባረኡን ዝሕግዙ ኣያቶም” ይብላ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ወጽኢ እውን ከይተረፈ ብዙሓት ሰባት ጽን ቢሎም ዝሰምዕዎን ኣኽቢሮም ዝርእይዎምን መራሒ እምነት እዮም” እንክብላ ዋና ጸሓፊት ሃይማኖት ንሰላም ማሕበር ፕሮፈሰር ኣዛ ካራም ብዛዕባ እቲ ካብ ዕለት 13 – 15 መስከረም ኣብ ካዛኪስታን ዝካየድ ዓውደ ጒባኤ መራሕቲ ሃይማኖታት ኣማእኪለን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ኪኸውን እንከሎ፥ ካብ ልዕሊ 50 ሃገራት ዝተዋጽኡ ኣስታት 100 ወከልቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብቲ ዓውደ ጒባኤ ክርከቡ ትጽቢት ከም ዘሎ ሓቢረን እዚኣቶም እውን ንክርስትና ምስልምና ኣይሁድ ንሺንቶኒዝም ንቡድሂዝም ንዞርኣትርያኒዝም ንሂንንዱን ከምኡ እውን ካልኦት ሃይማኖታትን ዝውክሉ ከም ዝኾነ ይሕብራ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣፈይና ሰላም!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ - 19 ኣብ መላእ ዓለም ብርክት ዝበለ ውግእ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ተጸንቢሮም ሰብኣውነት ንምሕዳስ ዝኸውን መገዲ ንምውጣን ዝጽዕሩ ዘለዉ እዮም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብመደረታቶም ምዕዳናቶምን ኣብ ተራ ህይወት ሰባት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ መንግስታት ደረጃ እውን ኣፈይና ሰላም ምዃኖም እዮም ዝፍለጡ

ቅዱስነቶም ብዝተፈላለየ ዓዋዲ መልእኽትታቶም ኣቢሎም ናይ ሓባር ሃይማኖታዊ ሕውነትን ድሌትን ሰላምን ሓለዋ ከባብን ዘንጸባርቑ እዮም። ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻታት እውን ምስ ዝሳቐዩ ሰባትን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ቀረባ ምዃን ንዝብል ኩቡር ዋጋ ጭቡጥ መግለጺ እዮም። ዋላ’ኳ ከም ሓደ መራሒ ሃይማኖት እውን እንተዀኑ ንማሕበረሰባት ንምፍዋስን ግጭት ንምክልኻል እንታይ ክግበር ከም ዘለዎ ዘነጽር ግብረ ገባዊ ስልጣን ከም ዘለዎም ዘመላኽት እውን እዩ” ነዚ ዝበላ ፕሮፈሰር ካራም፥ “ስለዚ ኣብቲ ዓውደ ጒባኤ ምስታፎም፥ “ብኸመይ ግርጭታት ምፍታሕን ምውጋድን ዝመርሕ መገዲ ንምሕንጻጽ ዝድግፍ እዩ” ኢለን።

ፈውሲ ዝርከብ ሃይማኖታት ብሓባር ምስ ዝሰርሓ እዩ

እቲ ኣብ ኑር ሱልጣን ዝካየድ ጒባኤ መራሕቲ ሃይማኖታት ኣብ ምድንፋዕ ሰላም ጻዕርታቶም ንኸዋድዱ ፍሉይ ዕድል ዝህብ እዩ ምኽንያቱ ሓደ መራሒ ወይ ማሕበር ንዅል ስራሕ ሰላም በይኑ ክዕምሞ ስለ ዘይክእል።

እዚ ጒባኤ ክብሩ ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት ሃይማኖታት ሓቢረን ንሰላም ክሰርሕ መተካእታ ዘይብሉ ተራ ከም ዘለወን መስኪሩ እዩ። ናይ ሃይማኖታት ትካላትን መራሕቲ ሃይማኖትን ማሕበረሰብ እምነትን ብሓባር ክሰርሑ ኣለዎም። እዚ ኸኣ ንዝኾነ ይዅን ኣብ ዓለም ዘጋጥም ጸገም ፈውሲ እዩ!

ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ንቡር ምግባር

እቲ ንሰን ብዋና ጸሓፊት ስልጣን ዝመርሐኦ ሃይማኖታት ንሰላም እተሰምየ ማሕበር ኣብ ልዕል 90 ሃገራት ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖታት ዝውክል ብምዃኑ ኣብቲ ጒባኤ ንኽሳተፍ ብመንግስቲ ካዛኪስታን ከም እተዓደማ ሓቢረን፡ እቲ ኣብ መንጐ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ዝግበር ርክብ “ስሩዕ ንምግባርን ናብ ንቡር ንምምላስን” ዝድግፍ ምዃኑ ዘለወን ተስፋ ገሊጸን፥ እዚ ኸኣ “ንሰላም ንሓባራዊ ምትሕብባርን ሓባራዊ ስጉምቲ ንምድንፋዕ” እዩ፥ እዚ ከኣ ምስቲ ኣብ ዓለም ሰላምን ደሕንነትን ውሑስ ንምግባር ዝቖመ ሓፈሻዊ ባይቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የነጻጽረኦ።

ምእንቲ ሰላም ብሓባር ምዝታይ

እቲ ንሰን ዝመርሐኦ “ሃይማኖታት ንሰላም ማሕበር” ኣብ ዓለም ዝተፈላለዩ ልዕሊ 100 ዝኾኑ ሰላምን ምትሕብባርን ዘተባብዑ መደባት ዘሳለጠ ከም ዝኾነን እዚ ዓይነት ኸይዲ እዚ እውን ዓለም ለኻዊ መልክዕ ክሕዝ ኣገዳሲ እዩ። ከምዚ ዓይነት ምትእኽኻብ መራሕቲ ሃይማኖት ማሕበር ሰባት እምነት ኣብ ሓደ ንኽመጹ ብሓባር ከገልግሉን ምእንቲ ሰላም ብሓባር ክዝትዩን ክዓዩን ዘለዓዕል ምትእኽኻብ ክህሉ ዝድግፍ እዩ፣ መራሕቲ ሃይማኖት ካብ መንግስታት ንላዕሊ ኣዚዮም ዝጸልዉ ብምዃን እቲ ኣብ መንጎኦም ዝግበር ዘተ ኪቕጽልን ክተባባዕን ኣለዎ” እንክብላ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።

12 Sep 2022, 16:50