ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሕጂ እንኽተሎ መገዲ እንቕይረሉ እዋን እዩ
ንመበል 130 ዓመት ዝኽሪ ኢል ማቲኖ እተሰምየ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ናፖሊ ዝሕተም ዕለታዊ ጋዜጣ ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ምስቶም ናይታ ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ ዘከየድዎ ቃለ መሕትት፡ ዕለት 18 መስከረም ንንባብ ከም ዝበቕዔን ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኵናትን ጸገማት ደቡብ ኢጣሊያ ኣብ ዓለም ዘሎ ኵለ መደያዊ ጸገማት ከም ዝዳህሰሱን ፖለቲካ እቲ ዝለዓለ መግለጺ ግብረ ሰናይ ምዃኑን እዚ እውን ንናይ ገበን ጒጅለታትን ዕንወት ከባብብን ኣብ ዞባ ኢጣሊያ ዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናም ዝፈጠሮ ምዕልቕላቕ ማይን ከም ዝጠቐሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ንሓባራዊ ረብሓ ብምዕያይ ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ጸገማት ኵናትን ለበዳ ሕማምን ድኽነት ምፍታሕ ከም ዘድሊ ደጊሞም ብኣጽንዖት ከም ዝግለጹን፡ “ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ዝጥርፈና ዘበለ ብምልላይ ጥራሕ ኢና ካብ ዝኾነ ይዅን ቅልውላው ክንላቐቕ እንኽእል” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ እቲ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ብፍላይ ኣብ ናፖልን ጸቡባዊ ኢጣሊያ ዘጋጥም ጒዳይ ዘተኮረ እኳ እንተኾነ፥ እቲ ኣብዚ ከባቢ ዝርአ ጸገም ሓደ ካብቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝረአ ጸገም እዩ ስለዚ “ንመጻኢ ምሉእ ዓለም ዝምልከት እዩ።”
ውግእን ኣብ ልዕሊ መሬት እነስዕቦ ግፍዕን ኣውያት ድኻታትን ዝሓመመ ናይ ሓባር ቤትናን ገዓር ኵሉ ጽን ምባል ተሳኢኑና ኣሎ!
ኣካይዳ እንቕይረሉ እዋን
ቅዱስነቶም “ኣገባብ ምቕያር” ከም ዘድሊ ኣጽኒዖም፡ ኩላትና ክንፍጽሞ ዝግብኣና ብድሆ ድማ ንሱ እዩ፡ ሎሚ “ናይ ፈተና ግዜ እዩ፡ ናይ ምርጫ ግዜ እዩ . . . እንስዕቦ መገዲ እነተኻኸሉ እዋን እዩ፡ ብፍላይ ድማ ዘላቕን ውሁድን ልምዓትን ንቑጠባን ምዕባለን ሓደስቲ መገድታት ምልላይ” ከም ዘድሊ ኣመልኪቶም፡ ናይ ድኻታት ሃገራት ዕዳ ምስራዝ፡ ከምኡ እውን ምዝመዛ ኣብ ልዕሊ መሬትን ውድድር ኣጽዋርን መወዳእታ ክግበረሉን ኣብ ልዕሊ ሰብ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ምዝመዛ ከብቕዕ ኣለዎ። ነዚ ማእለያ ዘይብሉ ቅልውላው ምላሽ ንምሃብ ናብ ናይ ሓባር ረብሓ ዘቕንዐ መሃዝነተ ኣድላዪ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ፍትሕን ምሕረትን ኣዕኑድ ሓቀይና ሰላም
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሕቶ ኵናት ክምልሱ እንከለዉ፥ ሎሚ በቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ኵናት ግን ከኣ በቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ብዙሕ ውግእ ከም እንምዘን ገሊጾም፡ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ድሕር እቲ ዕለት 11 መስከረም 2001 ዓ.ም. ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ሽበራዊ መጥቓዕቲ፥ “ፍትሕን ምሕረትን ክሳብ ዘይተወሃሃደ እቲ ዝተበታተነ ስርዓት ምሉእ ብምሉእ ሰላም ከምልስ ኣይክእልን” እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ጠቒሶም፡ “ኣዕኑድ ሓቀይና ሰላም ፍትሕን ምሕረትን እያቶም፡ እዚ ድማ ፍሉይ ናይ ፍቕሪ መልክዕ እዩ . . . ንዅሉ ግዜ ኣለዎ። ውግዘት ክፋእ የምጽእ ይቕረታን ምሕረትን ድማ ናብ ሰላም ይመርሕ፡ ኵናት ምልዕዓል ዘይኮነስ ሰላም ክውለድ ይገብር” ስለዚ “ሰላም ምዝራእ ኣገዳሲ እዩ።” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ስነ ምህዳራዊ ተወፋይነት ቀዳምነት ክወሃቦ ኣለዎ
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ብፍላይ ኣብ ከባቢ ናፖሊ ዘጋጠመ “ተራ ደል ፉዎኮ” ተባሂሉ ዝግለጽ ኣብ ልዕሊ ከባቢ ዝተፈጸመ ግብረ ብከላ ከምኡ እውን ኣብ ዞባ ማርከ ዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናም ዝፈጠሮ ምዕልቕላቕ ማይ” ናይ ሓባር ቤትና ክንከናኸን ከም ዘሎና እዩ ዘመላኽተና፡ ኵሉ ተማራዃሲ እዩ፡ ሎሚ ነፍሲ ወከፍ ብንጽልን ብሓባርን ንስነ ምሕዳር ኣብ ምትሕግጋዝ ዝተመርኮሰን ኣርሒቑ ዝጥምትን ተግባራት ንምፍጻም ስነ ምህዳራዊ ተወፋይነት ከም ቀዳምነት ክውሰድ መተካእታ ዘይብሉ ውሳኔ እዩ” ኢሎም።
ፖለቲካ፥ እቲ ዝለዓለ መልክዕ ግብረ ሰናይ እዩ
እቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዝተገብረ ቃለ መሕትት ካልኦት ብርክት ዝበሉ ኣርእስታት ዝተንከፈ ኮይኑ፡ ተራ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፖለቲካ፡ መዓትን ዝተወደበ ገበንን ከምኡ እውን ዓለም ብመንጽር እቲ ደቡባዊ ዓለም ዝነብሮ ምትሕግጋዝን ምስ ግዜን ምስ ታሪኽን ምስ መሬትን ዘለዎ ርክብን እንታይ ክመሃር ከም ዝኽእልን፡ ኣብ ዝምልከት ጒዳይ ዓሚቑ ምኽሪ ከም ዝለገሱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስነቶም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ብቋንቋ ጣልያን ኣብ ቫቲካን ነውስ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዘሎ ኣብ ናይ ጣልያን ገጽ ክትረኽብዎ ከም እትኽሉ የዘኻኽር።