ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሻብዓይ ጒባኤ መራሕቲ ኵለን ሃይማኖታት፥ “ሰላም የድልየና”
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 15 መስከረም ኣብ ሻብዓይ ጒባኤ መራሕቲ ሃይማኖታት ኣብ ዘስምዕዎ ናይ መደምደምታ መደረ ኵለን ሃይማኖታት ሕብረተሰብን ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ኣብ ምድላይ ሰላም ንዓለም ክዋስኡ እላበው ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም መበል 38 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣብ ካዛኪስታን ዕለት 15 መስከረም ኣብ ዝዛዘምሉ ዕለት እቲ ኣብታ ሃገር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ዓመት ዝካየድ ናይ ኵለን ሃይማኖታት መራሕቲ ናይ ሓባር ጒባኤ ከም እተዛዘመን ናብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ መንበሮም ቅድሚ ምንቃሎም ናይቲ ጒባኤ ናይ ውሳኔ ሰነድን ናይ ፍጻመ መግለጺ ኣብ ዝቐረበሉን ዝተነበሉን ዓውደ ርክብ ተረኺቦም መደረ ከም ዘስምዑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ንዅሎም ኣብቲ ዓውደ ጒባኤ ንዝተረኽቡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ “ስለ ምርኻብኵም አመስግን” ቢሎም፥ “ጸገማት ለበዳ ኮሮና ተህዋስ ዕሽነት ኲናት ኣብ ዝተጋደደሉ እዋን” ኣብ ኣገልግሎት ዘተ ኵሉ ዝገብሮ ተወፋይነት ዓቢይ ዋጋ ኣለዎ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ልኡኻት ሰላምን ሓድነትን
ቀጺሎም ቅዱስነቶም ናይቲ ኣብ ካዛኪስታን ናይ ዘካየድዎ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ መርሕ ቃል “ልኡኻት ሰላምን ሓድነትን” ዝብል ምዃኑ ዘኪሮም፡ ልኡኽ ዘይኮነ ልኡኻት እትብል ቃል ዝመረጹሉ ምኽንያት ንዅላትና ዝምልከት ስለ ዝኾነ እዩ ቢሎም ምስ ሓበሩ፥ “ድሕሪ ዘሕዝን ፍጻሜ ዕለት 11 መስከረም 2001 ዓ.ም. ነቲ ግብረ ሽበራዊ ዓመጽ ከለዓዕሎ ዝደለየ፡ ሃይማኖት ናብ መበገሲ ግጭት ንምቕያር ዘስግእ ዝነበረ ዘንድድ ሃዋህው ብሓባር መልሲ ምሃብ ኣድላዪ ነይሩ፡ ሃይማኖታዊ ግብረ ሽበራ ጸንፈይናነት ኣኽራርነትን ብሔርተይናነትን ሃይማኖታዊ ልብሲ ተኸዲኖም ሃይማኖታዊ ፍርሕን ስክፍታን ምልዕዓል ይቕጽሉ ኣለዉ። እምበኣር ኣብዘን መዓልታት እዚኣተን ኵለን ሃይማኖታት ክሓብራ ዝኽእላ ምዃነን ኣርኢናን ናይ ሃይማኖት ሓቀይና ሕመረት ዘገንዘበ እውን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ድሚጽ ነቶም ክስምዑ ዚደልዩ
ኣብ ማእከል እታ ዓይባይን ቀንዲን ኣህጉር እስያ ዝኾነት ካዛኪስታን ክንራኸበላ እንኽእል ባይርያዊት ቦታ እያ፥
ኣብ መንጎ ፖለቲካን ስግረ - ባህርን ጥዑይ ምትእስሳር ኣሎ፣ ንዓውድታቶም ፍሉይ ዝገብር ቅኑዕ መልክዕ ሓባራዊ ህይወት ኣሎ። ፍሉይ ክበሃል እንከሎ ዝተደናገረ ወይ ዝተፈልያ ማለት ኣይኮነን።
“እቶም ብሕጋዊ መገዲ እምነቶም ከስምዑ ዝደልዩ ኩሉ ግዜን ኣብ ኩሉ ቦታን ክሕለዉ ኣለዎም” እቲ ዘሕዝን ግን “ብዙሓት ሰባት ሕጂ እውን እንተኾነ ብሰንኪ እምነቶም ይስደዱን ኣድልዎ ይወርዶም ምህላዉ እዩ።” ኣብ ክንዱእ ድማ “ሃይማኖታዊ ናጽነት ጭቡጥ መሰል እምበር ዘይጭበጥ ረቂቕ ጒዳይ ፈጺሙ ከምዘይኮነ ከነረጋግጽ ኣሎና።”
ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እውን ኣብ ሓድነት ሰብኣዊ ስድራ ቤት እትኣምነሉ ብዚ ምኽንያት እዚ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ኩሉ “ሰብኣውነት ሓደ ማሕበረሰብ ይፈጥር” ቢላ ትኣምን “ ከምኡ ክቕጽል ድማ ትምነ። ምኽንያት ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ናይ ሓባር መገዲ ናብ ሰላምን ንሰላምን እዩ። ከምዚ ብምዃኑ ድማ ክተርፍ ዘይግኦ ኣገዳስን ወሳንን ንድሕሪት ዘይምለስ መገዲ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሰላም
እታ ቀዳመይቲ ቃል ንዅሉ ነገር እትኣኻኽብ መግለጺ ልባዊ ልመና ሕልምን ዕላማን ጉዕዞና፥ ሰላም እትብል ቃል እያ። “ሰላም ብህጹጽ የድሊ። ምኽንያቱ ኣብዚ ዘመንና ኵሉ ወተሃደራዊ ግጭት ወይ ወጥርን ናይ ግድን ዕንወት ዘስዕብ፥ ናይ ምግዛእን ምዕብላልን ድላይ ውጽኢትን ንስርዓት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ብኸቢድ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእትውን እዩ።”
ብኣንጻሩ ይብሉ ኣስዒቦም ሰላም፥ “ካብ ኵናት ዘይምህላው ንላዕሊ እዩ። ናብ ምዕቃብ ሚዛን ሓይሊ ኣብ መንጎ ተጻረርት ሓይልታት ክወርድ ኣይክእልን ወይ ካብ ምልካዊ ምሕደራ ዝለዓል ኣይኮነን . . . “ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ደቀንስትዮ
ኣብቲ ናይ ሓባር ናይ ውሳኔ ሰነድ ዝተጠቕሰ ደቂ ኣንስትዮ ዝብል ቃል ጠቒሶም ደቂ ኣንስትዮ “ኣብቲ ንሰላም ዝግበር ጻዕሪ ኣብ መስርሕ ሰላም ብዝያዳ ክሳተፋ ኣለወን፥
ደቀ ኣንስትዮ ንዓለም ሓልዮትን ህይወትን ይህባ። ንገዛእ ርእሰን ናብ ሰላም ዝወስድ መገዲ እያተን
ብተወሳኺ ንደቂ ኣንስትዮ ዝዓበየ ጽፍሕታትን ሓላፍነትን ምሃብ ኣገዳሲ ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብኣጽንዖት ከም ዘስመሩሉ ኣፍሊጡ።
መንእሰያት
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም “መንእሰያት ኣብ ህልውን ኣብ መጻእን ልኡኻት ሰላምን ሓድነትን እዮም” እንክብሉ ገሊጾም፥ “ንሳቶም እዮም ልዕሊ ማንም ንሰላምን ናይ ሓባር ቤት ፍጥረት ክኽበርን ዝጽውዑ ዘለዉ” እንክብሉ ብምዝኽካር”
ኣብ ኢድ መናእሰይ ዕድላት ትምህርት እምበር ናይ ጥፋኣት ኣጽዋር ኣይነንብር፥ ኣእዳው መንእሰያት ናይ ትምህርቲ ዕድል እምበር ኣጽዋር ውግእ ክሕዛ ኣይንግበር። ብሕቶታቶም ክንሕተት ንፍቐድ ከይፈራሕና ድማ ንስምዓዮም፡
ምስ በሉ ኣብ ካዛኪስታን ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ንዝተረኽቡ ኩሎም መራሕት ሃይማኖታት “ንጽባሕ ፉታት ኪኾኑ ግን ከኣ ናይ ትማሊ መከራ ኣብ ግምት ከእትዉ” ተላብእዮም፥ “ኣብዚ መገዲ እዚ ንቕድሚት ንበል። ኣብ ምድሪ ከም ደቂ ሰማይ ኣለምቲ ተስፋ ብምዃን ብሓባር እናተመላለስናን” ናይ ስምምዕን ኣዋጅ ሰላምን ሓድነትን ስነ ጥበባውያን ንዅን” እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።