ድለ

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዓበይቲ መርሓ ፍጻሜታት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዓበይቲ መርሓ ፍጻሜታት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዓበይቲ መርሓ ፍጻሜታት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ዕለት 11 ጥቅምቲ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ዝኸፈትሉ ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ምኽንያት በቆጻጽራ ሮማ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ሓሙሽተ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ኣሲዚ ማተራን ሓውጾተ ኖልዎ ካካይዱን ኣዋጅ ቅድስና ክሰርዑን ንዝኽሪ መበል 60 ዓመትካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑ ከም ዝዀኑን እዞም ዝተገልጹ መደባት እዚኣቶም ገለ ካብቶም ኣብ ውርሒ ጥቅምቲ ቅዱስነቶም ዘለዎም ጽዑቕ መደባት ጐሊሖም ዝረኣዩ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 11 ጥቅምቲ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ዝኸፈትሉ ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ምኽንያት በቆጻጽራ ሮማ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ሓሙሽተ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑ ከም ዝኾኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፡ ዕለት 24 መስከረም ቅዱስ ኣቦና ኣብ ማእከላይ ኢጣሊያዊት ከተማ ኣዚሲ ኣብቲ “ናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባ” እተወፈየ መንእስያት ናይ ኤኮኖሚ ሊቃውንቲ ምሁራትን ሰብ ትካላትን መንእሰያት ዘካይድዎ ዓውደ ጒባኤ መዛዘሚ ቃለ ምዕዳን ክልግሱ እዮም፡ ንጽብሒቱ ዕለት 25 መስከረም ኣብ ደቡባዊት ከተማ ማተራ ነቲ ዕለት 22 መስከረም ዝጅመር “ናብ መንፈሳዊ መቐረት ህብስቲ ንመለስ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝካየድ ብሔራዊ ጒባኤ ቅዱስ ቁርባን መዛዘሚ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጒ እዮም።

ዕለት 9 ጥቅምቲ ንኣዋጅ ቅድስና ብጹዕ ጆቫኒ ባቲስታ ስካላብሪኒን ኣርተሚደ ዛቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ከሰርዑ ምዃኖም ዝሓበሩ ብሩኒ ኣስዒቦም፡ ኣብ መወዳእታ ዕለት 2 ሕዳር ንዝኽሪ ኵሎም ሙታን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ከሰርዑ ምዃኖም ኣፍሊጦም።

10 Sep 2022, 17:05